Yearly Archives: 2016

ኣብ ርእሰ ሰበኻ ኣሥመራ ዝርከቡ ካህናት ሰበኻን ማሕበራትን ኣብቲ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ብዝተፈላለየ እዋን ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክካየድ ዝጸንሐ ንግደታት፡ ንሕዝቦም መሪሖም ክሳተፉ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ 05 ሕዳር 2016 ከኣ ንበይኖም ካህናት ናብቲ ቅርሲ ቅ.ያዕቆብ ተዓቍቢሉ ዘሎ ደብረ ማርያም ጽዮንን ቅ.ያዕቆብን ሔቦ ብብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ተመሪሖም ነጊዶም። […]
ንግደት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ንግደት ካህናት ንቅ.ያዕቆብ ሔቦ

ብፁዕ ወቅዱስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝኣወጁልና ካብ 8 ታሕሳስ 2015 ክሳዕ 20 ኅዳር 2016 ዝጸንሐ ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ፡ ብመሠረት እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ “ገጽ ምሕረት ኣምላኽ” እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዝሃብዎ መምርሒ፡ ኣብቲ ዝተወሰነሉ ዕለት ማለት ዝሓለፈ ሰንበት 13 ኅዳር 2016 ዓ.ም ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ […]
ምዝዛም መደብ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፣ ነቲ ኣብ ጥሪ ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ፣ ኣብ ለካቲት ከኣ ኣብ ሰበኻ ከረን ዝገበርዎ ናይ ቀዳማይ ሊቀጳጳስ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምቕጻል፣ ዝሓለፈ ዓርቢ፣ ቀዳመ-ሰንበት ካብ 24 ክሳዕ 26 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ሰበኻ ባረንቱ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም። ብፁዕ ሊቀጳጳስ ናብ ሰበኻ ባረንቱ ኣብ ዝነቐልሉ ብክልተ ካህናት ማለት […]
ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ሰበኻ ባረንቱ

ዓመታዊ ክብረ በዓል መድኃኔ ዓለም ገጀረት ዓመታዊ ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ገጀረት ኣሥመራ፣ ብዕለት 27 ግንቦት 2008 ዓ.ም.ግ(4 ሰነ 2016) ብድሙቕ መንፈሳውነትን ምዕሩግ ኣገባብን ከቢሩ ዊዒሉ፣፣ ዓመታዊ ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ገጀረት ኣሥመራ ብክቡር ኣባ ኣማኑኤል ምስጉን ሓለቓ ማሕበር ንኡሳንን ኣኃው ንኡሳን ካፑቺኒ ዝምርሑ ምስ ትሽዓተ ለባስያን ካህናት፣ ያሬዳውያን ሊቃውንቲ፣ ሰብ ውፉይ […]
ዓመታዊ ክብረ በዓል መድኃኔ ዓለም ገጀረት

ጸሎት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ኦ! ኢየሱስ ጎይታ! ከምቲ ሰመያዊ ኣቦና መሓርቲ ክንከውን መሃርካና ፤ ከምኡ’ውን ንኣካ ዝረኣየ ንኣቦ ከምዝረኣየ ነጊርካና፤ ገጽካ ኣርእየና፡ ክንድኅን ከኣ ኢና። ፈቃር ጠመተኽ፣ ንዘኬዎስን ንማቴዎስን ካብ ባርነት ገንዘብ፤ ነታ ዘማዊት ሰበይትን ማርያም መግደላዊትን ብምድራዊ ፍትወት ጥራሕ ካብ ምንባር ናጻ ኣውጺኡዎም፤ ንጴጥሮስ ምስ ከሓደ ተጸጺቱ ከምዝነብዕ ገበሮ፤ […]
ጸሎት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት

ኑዛዜ ናይ እምነት ስጉምቲ “ኣብ’ዚ ጊዜና፣ ንሓደ ግዙፍ ‘ሱናሚ’ ዚመስል ‘መንፈሳዊ ሱናሚ’። ኣብ ውሽጢ ኣልባብ ደቂ ሰባት ተኸሲቱ ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ነውጺ’ዚ በቲ ሕሊና ደቂ ሰባት ትርጉም እናሰኣነ ዝኸይድ ዘሎ “ዝተፈላለየ ኃጢኣት” ዝኽሰት ዘሎ’ዩ፣ ሐደ ካብ ዓመተ እምነት ኣባና ገዲፍዎ ክሓልፍ ዝግብኦ ዘይሃስስ መልክት እምበኣር፡ ስንብራት ፍቕሪ ዝውታረ ‘ምስጢረ ንስሓ’ […]
ኑዛዜ ናይ እምነት ስጉምቲ

ታቦት ንሕና እምበኣር ደድሕሪ ኢየሱስ ንኽተል ጥራይ ዘይኮናሲ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና መጺኡ ማዕጾ ልብና ዝኹኩሓና ኢና። እንተ ከፊትናዮ ከኣ ብዘይ ጥርጥር ታቦት ኢና። ቤት መቕደሱ`ውን ኢና። “ቤተመቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላውን` ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፥ ሓደ`ኳ ነቲ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንተፍረሶ፡ ኣምላኽ ኬፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ […]
ታቦት

ኣብ ክርስቶስ ዝተስረተ ሕይወት ኣብ ክርስቶስ ዝተሰረተ ሕይወት ዝነብርን ምስኡ ዝጎዓዝን ኣብኡ ዝተሓንጸን ኣመስጋኒ እዩ ዝኸውን። ምስ ዘመስግኑ ምህልው ክንደይ ጽቡቕ እዩ። እንተወዲቖም ተስፋ ኣይቆርጹን እዮም፣ እንተተዓዊቶም ድማ ትዕቢት ዘይኮነስ ምስጋና እዩ ዝስዕሮም፣ ከመይ ሕይወት ህያብ ምዃና ስለ ዝርድኡ። ሕይወት ህያብ ምዃና ምቕባል ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘይተማርር ትኸውን፣ ከመይ ሕይወት […]
ኣብ ክርስቶስ ዝተስረተ ሕይወት

ቅድስቲ ስድራ ኣብነት ናይ ዘመንና ስድራቤት ኣቦታት ክንምስሉ ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ፡ “ከመይ ኢልኪ ነዚ ሓዳር በተንክዮ፧ ኣዕበድቢደ። ከመይ ኢልኪ’ኸ ኣድሓንክዮ፧ ኣባቢደ።” ይብሉ። እወ፡ ስድራቤታት ወይ ኪዳን ብኸመይ ይዝረግ፡ ብኸመይ’ከ ይዕረ እንተበልና ዝኣባብድ – ልቢ ዘዕበየ፡ ኣርሒቑ ዝርኢ፡ ረብሐ ስድራቤት ዝፈልጥ። ከመይ ወንጌል “በትዕግሥትክሙ ታጠርይዋ ለነፍስክሙ” ኢዩ ዝብል። ስለዚ ከኒና ወይ […]
ቅድስቲ ስድራ ኣብነት ናይ ዘመንና ስድራቤት

ጉዕዞ እምነት መንፈሳዊ ጉዕዞ: ሕጻናት ብመን ፈጠረና ይጅመሩ። ቀጺሎም ቅ. ቁርባን ፡ ሜሮን ይቕበሉ። ትምህርቲ ክርስቶስን መዝሙርን ከኣ ይቅጽል። ኣብዚ ጉዕዞ`ዚ ግና ፍልጠት ጥራሕ ዘኮነ እቲ እምነት ውን ክዓቢ ኣለዎ። እቲ ኣብ ጥምቀትና ዝተዘርአ እምነት ምስ ዓበና ናትና ክንገብሮ፡ ነቲ ወለድና ኣቦ/እኖ ልገ (ብልግነት) ዝበልዎ ነቲ ክፋእ “እኽሕድ” ንኣምላኽ “እኣምን” […]
ጉዕዞ እምነት

እምነት እግዚእትነ ማርያም “ናይ ማርያም እምነት ካብ ናይ ኩሎም ቅዱሳንን መላእኽትን ዝዓበየ ኢዩ፣ ኢየሱስ ሕጻን ኰይኑ ክውለድ እናረኣየት ዘለዓለማዊ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ምዃኑ ኣመነት። ኢየሱስ ሕጻን ኣብ መብልዕማል ኣብ መንጎ እንስሳ ኰይኑ እናረኣየት ፈጣሪ ዓለም ምዃኑ ኣመነት። ድኻ ኰይኑ ዝተወልደ ሕጻን እናረኣየት ንጉሥ ምዃኑ ኣመነት። ስደተይና ኰይኑ ንግብጺ ክሃድም እናረኣየት […]
እምነት እግዚእትነ ማርያም

ብርሃን እምነት “ንሕይወትና ዝጸልዋ ክልተ ሓያላት ቃላት ኣለዋ፣ ድሙቕ ብርሃንን ድቕድቕ ጸልማትን እየን፣ ኣበይ ኣሎና? እቲ ብርሃን እምነት ዘብሎ ዘሎ ምኽንያት እቲ ዝእመን ዘሎ ብርሃን ስለዝኾነ እዩ፣ ጸሓይ ካብ ላዕሊ በሪቑ ክበጽሓና እዩ፣ (ሉቃ።1።67) ግዜ ልደት ግዜ ጸሓይ ብራቕ እዩ። ወላ’ካ ሎሚ ምሸት ምድረ-ሰማይ እንተጸልመተ። ጽባሕ ንጋሆ ምውጋሑ ኣይተርፎን እዩ፣ […]
ብርሃን እምነት

ማርያም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ወንጌል ግብሪ ሓዋርያት፣ መልእኽቲ ጳውሎስ እንተረኤና፣ ማርያም ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ቦታን ግዜን ዝነበረት ምዃና የረጋግጸልና፣ ንሳ ካብ ድኻ ዓዲ ተወሊዳ ከም ሃገራን ምስ ሃገራን ታሪኽን ኵነታትን ብዘምጽኦም ኩነታት እትሕጎስን እትሓዝንን ዝነበረት ድንግል ጓል ናዝሬት እያ። ንሳ ንቤተሰብ እተገልግል ኣደ፣ ንኢየሩሳሌም ከም ሃገራ እትነግድ፣ ኣብ […]
ማርያም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ

ምውህሃድ እምነትን ግብርን ኣብ’ዚ ዓመተ እምነት ንምንታይ እዩ ‘ምውህሃድ እምነትን ግብርን’ ብዚብል ኣርእስቲ ከነስተንትን ዝተዓደምና ቢልና ምስ እንሓትት፣ እምነትን ግብርን ተራሓሒቑ ብምርካቡ፣ ኣብ’ዛ ሃገርና ብርሃን ወንጌል ጽልግልግ ምእንቲ ከይብል፣ ዓመተ እምነት ምኽንያት ብምግባር፣ ግብሪ ዜሰነዮ ጉዕዞ እምነት ምእንቲ ክንገብር ብዚብል ኣተና ኢዩ። እዚ ከኣ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት ኣብ’ታ ኣፍ ደገ እምነት […]
ምውህሃድ እምነትን ግብርን

እምነት እግዚእትነ ማርያም “ናይ ማርያም እምነት ካብ ናይ ኩሎም ቅዱሳንን መላእኽትን ዝዓበየ ኢዩ፣ ኢየሱስ ሕጻን ኰይኑ ክውለድ እናረኣየት ዘለዓለማዊ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ምዃኑ ኣመነት። ኢየሱስ ሕጻን ኣብ መብልዕማል ኣብ መንጎ እንስሳ ኰይኑ እናረኣየት ፈጣሪ ዓለም ምዃኑ ኣመነት። ድኻ ኰይኑ ዝተወልደ ሕጻን እናረኣየት ንጉሥ ምዃኑ ኣመነት። ስደተይና ኰይኑ ንግብጺ ክሃድም እናረኣየት […]
ሓጸርቲ ኣስተምህሮታት

ቃል አምላኽ (ቃለ–እግዚኣብሔር) “እግዚኣብሔር አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰብን፣ ከም ጠባይ ወድ-ሰብን እዩ ዝተዛረበ።”(Dei Verbum 12) “እዝንኹም ናባይ ጽለዉ’ሞ ንዑ ስምዑ፣ ብሕይወት ክትነብሩ ኢኹም።”(ኢሳ.55፣3) ‘ቃል’ ዝስማዕን፣ ዝረአን፣ ዝሕሰብን፣ ዘረባ ብምዃኑ፣ ብእዝንና፣ ብዓይንና፣ ብስምዒትና ሓሊፉ፣ ናብ ልቢ እዩ ዝሰግርን፣ ቀጺሉ ከኣ ብድላይና አቢሉ ንውሳኔና ተቖጻጺሩ ንሕይወትና ሓደ (እወንታዊ ወይ ከኣ አሉታዊ) ጽልዋ […]
ቃል አምላኽ (ቃለ-እግዚኣብሔር)

ታሪኽ ሕይወት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ
ታሪኽ ሕይወት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ

“ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ?” (ዘፍ 3) ብመሠረቱ እግዚኣብሔር፥ ንደቅሰብ ክቡራን ገቢሩ እዩ ብኣምሳሉን ኣርያኡን ዝፈጠሮም። “ኣምላኽ ከኣ ‘ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳ ዘቤትን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኲሉ ለመምታን ይግዝኡ’ በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፥ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገቢሩ […]
ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ

ዓመታዊ ክብረ በዓል ልደታ ለማርያም ዓዲዜኑ ወርሒ ግንቦት ብምልኡ ንእግዚእትነ ማርያም ዝተወፈየ ወርሒ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ ብባሕቲ ግንቦት ብበዓል ልደታ ለማርያም ከኣ ይጅመር። በዚ መሠረት ብ1 ግንቦት 2008 ዓ.ም.ግ (ዕለት 09 ግንቦት 2016 ዓ.ም.ፈ) ናይታ ብያሬዳውያን ሊቃውንቲ ሃገርና፣ “ጸሓይ ብዘብረቀ ሰማይ” እትምሰል ድንግል ማርያም ዝኽሪ ልደታ ኣብ ሓያሎ ኣድባራት ሃገርና […]
ዓመታዊ ክብረ በዓል ልደታ ለማርያም ዓዲዜኑ

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 ዘመነ ፋሲካ
ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 ዘመነ ፋሲካ

ተሰቕለ – ተቐብረ – ተንሥአ በዓለ ትንሣኤ ፳፫ ሚያዝያ ፳፻፰፥ 1 ግንቦት 2016 ፍቁራን ሕዝበ እግዚኣብሔር ጸጋ እቲ ምእንታና በጃ ኮይኑ ዝተሰቕለ፡ ዝተቐብረ፡ ዝተንሥአ፡ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ምሳኻትኩም ይኹን (1ተሰሎ 5፡28 ርአ)፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ዝውዕል በዓለ ትንሣኤ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ፣ ነቲ ኣብ ዓርቢ ስቕለትን ቀዳም ስዑርን ሰንበት ትንሣኤን እነብዕሎን እንዝክሮን ናይ […]
መልእኽቲ ኣቡነ መንግስተኣብ ፡ ፋሲካ 2016 ፡ ተሰቕለ – ተቐብረ ...

መዓርገ ዲቁና ኣብ ኣሥመራ
መዓርገ ዲቁና ኣብ ኣሥመራ

ኣገዳስነት ትምህርቲ HIV & AIDSን ኣቕዋም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን
ኣገዳስነት ትምህርቲ HIV & AIDSን ኣቕዋም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን

ቅ.መጽሓፋዊ መሰረት ናይ ክህነታዊ ሕይወትን መንነትን Part 2
ቅ.መጽሓፋዊ መሰረት ናይ ክህነታዊ ሕይወትን መንነትን Part 2

ቅ.መጽሓፋዊ መሰረት ናይ ክህነታዊ ሕይወትን መንነትን Part 1
ቅ.መጽሓፋዊ መሰረት ናይ ክህነታዊ ሕይወትን መንነትን Part 1

ቃል እግዚኣብሔር ምንጪ ፍትሕን ሰላምን ኢዩ
ቃል እግዚኣብሔር ምንጪ ፍትሕን ሰላምን ኢዩ

ቃል እግዚኣብሔር – ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ሕይወት ሥድራቤት
ቃል እግዚኣብሔር – ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ሕይወት ሥድራቤት

ዕውት ወፍሪ ስብከተ ወንጌል ኣብ ቁምስናታት ኣሥመራ ኮሚቴ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ምስ ኣሕሉቅ ገዳማት ብምውህሃድ ዝሰርዖ፡ ብምኽንያት ዓመት ኢዮቤል ምሕረት፡ ካብ ኩለን ገዳማትን ማሕበራትን ብዝተላእኩ ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ካብ 23 መጋቢት ክሳዕ 13 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ኣብ ቁምስናታት መንበረ ሊቀ ካህናት ኣሥመራ፡ እምነትን ሃለዋትን ምእመናን ዝድህስስ፡ ኣባይቲ ብምብጻሕ ብቂምን […]
ዕውት ወፍሪ ስብከተ ወንጌል ኣብ ቁምስናታት ኣሥመራ

ሓዳስ ፊልም – ስምብራት እታ ስድራ ተመሪቓ
ሓዳስ ፊልም- ስምብራት’ታ ስድራ ተመሪቓ

መዓልቲ ሕሙማት- ሰንበት ዘመጻጉዕ ካብ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዕለት 11 ንሕሙማት ፍሉይ ትኩረት ብምሃብ ብመልእኽቲ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ተሰንያ፡ እትዝከር “መዓልቲ ሕሙማት” ተባሂላ እትስመ ዕለት ምህላዋ ይፍለጥ። ብሥርዓተ ኣምልኾ ሃገርና ግን ኣብ ጾም ኣርባዓ “ሰንበት ዘመጻጉዕ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕለት ስለዘሎ ምስቲ ሥርዓት ኣምልኾ ተዋሃሂዱ ምእንቲ ክግበር፡ […]
መዓልቲ ሕሙማት- ሰንበት ዘመጻጉዕ

ኣማልድነት እግዝእትነ ማርያም
ኣማልድነት እግዝእትነ ማርያም

ዓቢይ በዓል ኣብ ገዳምና መንደፈራ 20 መጋቢት 2016
ዓቢይ በዓል ኣብ ገዳምና መንደፈራ 20 መጋቢት 2016

Judgment
Judgment

“ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ’ምበር ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣይትምሰልዋ” ቅዱስ ጉባኤ ’’ኣብ ጊዜ ጾመ ኣርብዓ ንስሓ ውሽጣ’ውን ብሕታውን ጥራይ ዘይኮነ ግዳማዊን ማሕበራ’ውን ኪኸውን ኣሎዎ፣ ቤተክርስቲያን በዚ ጾም’ዚ ጌራ ንምእመናና ቃለ እግዚኣብሔር እናሰምዑን ዝበዝሕ ጊዜ ንጸሎት እናወፈዩን ንበዓለ ምሥጢረ ፋሲካ ትቕርቦም’’ ( ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቅዱስ ጉባኤ 109-110) ይብል። ኣብዚ ዘሎናዮ ቅዱስ እዋን ሕማማትን […]
ኣስተንትኖ ጾመ ኣርብዓ 2016

ኣስተንትኖ ጾመ-ኣርብዓ ሃገርና
ኣስተንትኖ ጾመ-ኣርብዓ ሃገርና

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ኤጳርቅና ከረን
ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ኤጳርቅና ከረን

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 መጋቢት 1ይ ሰሙን
ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 መጋቢት 1ይ ሰሙን

ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣብ ዓመተ ምሕረት ፲፮ ለካቲት ፳፻፰ ዓ.ም ግዕዝ (24 ለካቲት 2016) ዓመታዊ ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ: ከምቲ ዝሓለፈ እዋናት ሎም ዓመት እውን ካብ ከተማታትን ገጠራትን ዝመጸ ብኣሽሓት ዝቁጸር ሕዝብን:ብፁዓን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ:ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ […]
ክብረ በዓል ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣብ ዓመተ ምሕረት 2016

ክብረ በዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት – ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ ፲፮ ለካቲት ፳፻፰፣ 24 ለካቲት 2016 ካብ ርሑቕን ቀረባን ንእኖና ኪዳነ ምሕረት ከተኽብሩ ዝነገድኩም፣ ብፁዕ ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፡ ክቡራን ካህናት ክቡራት ደናግል፡ ፍቁራን ምእመናን ክርስቶስ፣ ጉዳያት፣ ዓብይቲ ዓድን ኩልኹም ኣጋይሽን፣ ቅድሚ ኲሉ እንቋዕ እግዚኣብሔር ናብዚ ክቡር […]
ክብረ በዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት – ስብከት ሊ.ጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ...

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 የካቲት 4ይ ሰሙን
ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 የካቲት 4ይ ሰሙን

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 የካቲት 3ይ ሰሙን
ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 የካቲት 3ይ ሰሙን

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 የካቲት 2ይ ሰሙን
ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 የካቲት 2ይ ሰሙን

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 የካቲት 1ይ ሰሙን
ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 የካቲት 1ይ ሰሙን

ጸሎት ሳምንቲ ምእንቲ ኅብረት ክርስትያን ካብ 1968 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ዕለታት 18 ክሳዕ 25 ጥሪ ኣብ መላእ ዓለም በብናይ ዓመቱ ዝተመረጸ ኣርእስታት፣ ካቶሊክ፡ ኦርቶዶክስን ፕሮተስታንትን ኣብያተክርስትያን ዝሰመራሉ፡ ዓመት መጸ ጸሎት ሳምንቲ፡ ምእንቲ ኅብረት ክርስትያን ከምዝግበር ዝፍለጥ ኢዩ። ሎም ዘመን ከኣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ መዓልታት፡ ብደረጃ ዓለምለኻዊት ቤተክርስትያን ዝተሰናደወ፡ ብንሾመንቲኡ መዓልታት ዘሰኒ […]
ጸሎት ሳምንቲ ምእንቲ ኅብረት ክርስትያን

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 ጥሪ 4ይ ሰሙን
ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 ጥሪ 4ይ ሰሙን

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 ጥሪ 3ይ ሰሙን
ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 ጥሪ 3ይ ሰሙን

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 ጥሪ 2ይ ሰሙን
ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 ጥሪ 2ይ ሰሙን

1. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ፡ ብፁዕ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ ብዝገበሩሎም ዕድመ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት 2ን 3ን ጥሪ 2016 ዓ.ም ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም።ብፁዕ ሊቀጳጳስ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ከተማ ሰገነይቲ ኣብ ዝኣተውሉ፡ ብፁዕ […]
ዕዉት መደባት ኢዮቤል ዓመተ ምሕረት ኣብ ሰበኻ ሰገነይቲ

ሐደ ጥሪ፡ ካብ 1968 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሰላም ንመላእ ዓለም መልእኽቶም ዘመሓላልፉላ፡ ኣብ መላእ ዓለም ከኣ ብቤተክርስቲያን ዕለተ ሰላም ተባሂላ እትፍለጥ ዕለት ኢያ። በዚ መሠረት ከኣ ኣብ ኣሥመራ ካቶሊካዊ ተቅዋመ ፍልስፍናን ትምህርተ መለኮትን በብዓመቱ ባሕቲ ጥሪ ዕለተ ሰላም ምኽንያት ብምግባር ዘሰናድዎ ኣስተምህሮታት ናይ ምሃብ ጽቡቕ ልማድ ኣለዎ። […]
ዓውደ-መጽናዕቲ- ዕለተ ሰላም

“ኣቱም ጽሙኣት ኲልኻትኩም ናብ ማያት ንዑ”፴፱ ታኅሣሥ ፴፻፱ ዓ ም ግ፥ 7 ጥሪ 2016 ዓ ም ፈ ፍቁር ሕዝበ እግዚኣብሔርጒዕዞ ዓመት ምሕረት ካብ እንጅምር ድሮ ወርኂ ሓሊፉ፣ ብዕለት 12 ታሕሣሥ፡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት፡ ማዕጾ ምሕረት ከፊትና መስዋዕተ ምስጋና (ቅዳሴ) ኣብ ዘዕረግናሉ ንግሆ ዝተራእየ ብዝኂ ሕዝብን ዕዙዝ ተሳትፎን ናይቲ ኣብ […]
መልእኽቲ ልደት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ 2016 ጥሪ 1ይ ሰሙን
ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ጥሪ 1ይ ሰሙን

“መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ”ዓውደመጽናዕቲ ካቶሊካዊ ውህበታዊ ምንቕስቓስ ተሓድሶካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ውህበታዊ ተሓድሶ ኣብ ኣሥመራ፤ በብዓመቱ ሓደ ንቤተክርስቲያን ዘገድስ እዋናዊ ኣርእስቲ ብምውሳድ ዝገብሮ፤ ብመማህራን ቤተክርስቲያን ዝወሃብ መደብ ኣስተምህሮታትን ዓውደ መጽናዕትን ጸሎትን ሎምዘመን'ውን ዝሓለፈ ቀዳም በቲ ናይ ዓመተ ምሕረት መሪሕ ሓሳብ “መሓርቲ ከም እግዚኣብሔር ኣቦ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብዙሓት ቤተክህነትን ምእመናንን ዝተሳተፍዎ፣ ሰለስተ ኣስተምህሮታት […]