ማርያም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ


 

St Maryማርያም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ

ኣብ ወንጌል ግብሪ ሓዋርያት፣ መልእኽቲ ጳውሎስ እንተረኤና፣ ማርያም ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ቦታን ግዜን ዝነበረት ምዃና የረጋግጸልና፣ ንሳ ካብ ድኻ ዓዲ ተወሊዳ ከም ሃገራን ምስ ሃገራን ታሪኽን ኵነታትን ብዘምጽኦም ኩነታት እትሕጎስን እትሓዝንን ዝነበረት ድንግል ጓል ናዝሬት እያ። ንሳ ንቤተሰብ እተገልግል ኣደ፣ ንኢየሩሳሌም ከም ሃገራ እትነግድ፣ ኣብ መርዓ እትሳተፍ ድንግል እያ።

ቅዱስ ጳውሎስ ምልኣት ጊዜ ምስ በጽሐ እግዚኣብሔር ንወዱ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ እግዚኣብሔር ነቲ ብሓጢኣት ካብኡ ተፈልዩ ዝነበረ ሰብ ካብ ዝነበሮ ዓዘቕቲ ነጻ ከውጽኦ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ባዕሉ ኣተወ። ብብዙሕ መንገድን ብዙሕ ሻዕን ከኣ ብነቢያት ተዛረበ መደብ ኣምላኽ ኣብ ምልኣት ምስ በጽሔ ክርስቶስ ናይቶም ብዙሓት ነቢያት መፈጸምን ምልኣትን ስለዝኾነ ካብ ድንግል ተወልደ። ካብኣ ተወሊዱ ከኣ ንኹልና ደቂ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን ዕድል  ሃበና። ኣምላኽ ከም ሰብ ኮይኑ ንኽመጽእ ከኣ ሓንቲ ሰበይቲ አም መንጐይና ክትኮነልና ደለየ።

መንያ እዛ ክንድዚ ዝኣክል ዝተዓደለት ሰበይቲ? ወንጌል ሉቃስ ከምዝብለና “ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ኦ ንስኺ መለኮታዊ ጉንዖ ዝረኸብኪ ፍትውቲ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩሞ ተሓጎሲ ነዚ ናይ ሉቃስ ኣብ ጥንታዊ ኪዳን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።

ኣብ ጸፎንያስ “ኦ ጽዮን ዘምሪ፣ ህዝቢ እስራኤል ብሓጐስ እልል በሉ፣ ኢየሩሳሌም ብዅሉ ልብኺ ተሓጐሲ ባህ ይበል፣ ንምንታይ? እግዚኣብሔር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኩም ኣሎ። (ጸፎ 3᎓14) ኦ ሕዝቢ ጽዮን ኣዚኹም ተሓጐሱ፣እነሆ ንጉስኩም ናባኹም ይመጽእ ኣሎ። (ዘካ 9᎓9)  ማርያም ተሓጐሲ ኩሉ ታሪኽ በኣኡ ዝዛረብ ኣለኪ፣ ማርያም ብግዜ ብስራት ሓዲሽ ስም እያ ረኺባ – ብጸጋ ዝተመልኤት ካብ ጥንቲ ብምልኣት ጸጋ ዝተዓደላ። እዚ ሰላምታዚ ግን መደብ ዝሓዘ ሰላምታ እዩ። እዚ መደብ እዚ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተተለመ መደብ ድሕነት እዩ – ነዚ መደብ ኣብ ግብሪ እተውዕል ንሳውን ኣብ ሓሳብ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ምንባራ የዘኻኽረና። ንሓደ ክርስትያን “እግዚኣብሔር ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳን መንቅብ ዘይብሉን ምእንቲ ክትከውን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ተሓሪካ (ኤፌ.1፣14) ዚበሃል እንተደኣ ኮይኑ ነታ ንኣምላኽ ዝወለደት ደኣ ክንደይ ኣዕዚዝካ ዘይብሃል።

ንሳ ብጸጋ ዝመልኤት መንፈስ ቅዱስ ኣብኣ ዝወረደን እዩ፣ ክወርድ እንከሎ ግን ከምቲ ናይ ነብያት ንቃል እግዚኣብሔር ንኸመሓላለፍ ዘይኮነስ – ወይ ናይ ቃል ሰባት ንምግባር ዘይኮነስ ከም ዝፈጥር መለኮታዊ ሓይሊ – ነቲ መድሓኒና ሥጋ ክለብስ ኣኽኣሎ – እዚ መንፈስ እዚ ኣብ ማርያም ወሃብ ሕይወት ኮይኑ መጸ (ሮሜ.1፣4 ርኤ) ማርያም ናይቶም ንምስጢር እግዚኣብሔር ክፉታት ዝኾኑ ሰባት ኣምሳል እያ። ክፉት ሰብ ማለት ከኣ ተስፋ ዘለዎ ሰብ ማለት እዩ።

ማርያም ብጸጋ ኣምላኽ ዝሃብተመት ሰብ እያ፣ ንሳ ነቲ ተስፋ ደቂ ሰባትን ፍረ ታሪኽ ድሕነትን ዝኾነ ክርስቶስ መድሃኒ ወሊዳትልና። ማርያም ኣብ ጥንታዊ ኪዳን ብብዙሕ ተመሲላ ትርከብ ኣበው ናይ ቤተክርስትያንውን ንጽሕቲ ርግቢት፣ ቅድስቲ ኢየሩሳሌም፣ ዙፋን ናይቲ ልዑል ጐይታ፣ ኪዳን ንጽሕና፣ ዘለዓለማዊት ጥበብ ነዓኣ ኢላ ዝሃነጸታ ህንጻ፣ ብሠናይ ዝመልኤት ንግስቲ፣ ካብቲ ልዑል ኣፍ ዝወጸት፣ ፍጽምቲ፣ ብኵልንትናኣ ብእግዚኣብሔር ፍጽምትን ፍትውትን ፣ ብሓቲኣት ኣዳም ዘይተነኽኤት ድንግል፣ እዚ ኩሉ ጥዑምን ድላይን ኣስማት ነዓኣ ተዋህበ፣ እዛ ድንግል እዚኣ ንቃል ኣምላኽ ኣብ ልባ ሒዛ እተስተንትን ዝነበረት፣ ንስኺ ንቃል ኣምላኽ ኣሚንኪ እተስተንትን ብጽዕቲ ኢኺ?

  • ቃል ኣምላኽ ሒዝካ ምስትንታን – ካልእ ዘይኮነ እቲ ሓቐኛ እስራኤላዊ ዝትግብሮ ምትግባር ማለት ንቓል ኣምላኽ ሒዙ ዘስተትንትን ነቢያት ንሕዝቢ እስራኤል፣ እግዚኣብሔር ዚገበረልኩም ዘክሩ ኣስተውዕሉ፣ ስለዚ እግዚኣብሔር ንዝገበረልካ ሕሉፍ ጸጋታት ንኸንቱ ከይጠፍእ ሒዝካ ምስትንታኑ ብሓቂ ግቡእ እዩ። እዚ ዝትግብር ከኣ ብጹዕ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብሓሳብካ ንድሕሪት ተመሊስካ ናብ ምንጪ ተመሊስካ ምስትንታን ማለት እግዚኣብሔር ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዎ መደብ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ ማለት እዩ። ቅድም ከምዚ እንካብ ገበረ ሎሚ – ጽባሕ ከኣ ክገብሮ እዩ ኢልካ ውሕስነት ምርካብ፣ ዘይልወጥ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንምፍላጥ ይድግፈካ፣ ማርያም ነጸብራቕ ናይቶም ጥበበይናታት እስራኤል ስለዝኾነት – ንተግባራትን ቃላትን እግዚኣብሔር ተስተንትን፣ ተመዛዝን፣ ተዕሙቕ፣ ትትንትን፣ ተተግብርን። ከምቶም ፈላጣት እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ ህላዌ እዚኣብሔር ንቓሉ ተስተንትን ነበረት። ኣብዚ ኵነታትዚ ከኣ ዝተገልጸላ ምስጢር ኣዕሙቓ ትርዳእ ነበረት።

እቲ ከም ማርያም ኣብ ልቡ ሒዙ ዘስተንትን ጥራይ እዩ ኣብ ውሽጡ ዘሎ – ሃብቲ፣ ጸጋ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሕቡእ መዝገብ ክረክብ ዝኽእል። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣቲኻ ምስትንታን ማለት ነቲ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ስርዓት ምትሓዝ ማለት እዩ። ብቐሊሉ ኢና ሓሳባትና ዝበታተን እንተኾነ ቀልጢፍና ናብ ገዛእ ርእስኻ ኣቲኻ ሓሳብካ ናይምስብሳብ ክእልት/ዓቕሚ ክህልወና ኣለዎ። ነቲ ናይዚ ዓለም እዚ ጨራሕ መራሕን ገልጠምጠምን ኣእዛንካ ምዕጻው ልብኻ ህዱን ቅሱንን ኮይኑ ነቲ እግዚኣብሔር ካባና ዝደልዮ ወይ ዝጽበዮ መደብ ክመርሓና ዝኽእል ቃል ኣምላኽ ንምስማዕ ዘኽእል ይኸውን።

ማርያም ናይ እግዚኣብሔር (ሸኪናህ) ታቦት እያ፣ እግዚኣብሔር ኣብኣ ዝነብር እንተድኣ ኮይኑ ንሳ ብሓቂ ሓያል መማለዲት እያ። እቲ ናታ ሕራይ ቡራኬ እግዚኣብሔር ከም ዝሰሓበ – ከምኡ ነቶም ኣሚኖም ዝልምንዋ ጸጋታት ናይ ምምላድ ክእለት ኣለዋ።

ኣሚንካ ንዘድልዩኻ ጸጋታት ከይሰልከኻ ምልማን ግን ካባና ኢዩ። ማርያም ክርስቶስ ንቤተክርስትያን ዝሃባ ዓባይ ህያብ እያ፣ ከም ኣደ ኩሉ ኮይና ከኣ ንኣመንቲ ደቃ ተገልግል፣ ንሳ ኣዴና ኢና – እዚ ከኣ ካብ ጥንቲ እግዚኣብሔር ኣደ ክትኮነና ስለ ዝመደባን ብወገና ከኣ ሕራይ ኢላ ስለ ዝተቐበለትን እያ። ኣብ መደብ ድሕነት ሕራይ ማርያም ወሳኒ እዩ ነይሩ – ተጠይቓ ሕራይ ምስ በለት ወዳውን ካብኡ ተወሊዱ ከድሕነና ሕራይ በለ። ብሓቂ ደቂ እግዚኣብሔር ደቂ ማርያምን ክንከውን ከኣ ነቲ ምስጢ ድሕነት ክርስቶስ “ሕራይ” ክንብል ኣሎና።

ሕራይ ኢልና ክንክእል ሓገዝ ማርያም የድልየና።

ብ እ. ለተምሕረት ተስፋይ