Archives

RSS Vatican News – ትግርኛ

  • ጳጳሳት ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ፦ 'ኣፍሪካ ግብረ ሰናይ ዘይኰነስ ፍትሒ ኢዩ ዘድልያ' May 16, 2025
    ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ቀቅድሚ ዘካይድዎ ጉባኤ፣ እዞም ኽልተ ኣኼባታት ጳጳሳት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን፣ ናብቲ "ኣብ ሓባራዊ ኣኽብሮት ኣከባብያዊ ምምሕዳርን ከምኡውን ኣብ ማእከል ሰብኣዊ ኽብርን እተመስረተ ሽርክነት" ምቕያር ኣድላዪ ምዃኑ ይገልጹ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ር. ሊ. ጳ. ንዲፕሎማሳዊ ኣካላት፦ ብፍትሕን ሓቅን ተስፋን ሰላም ህነጹ ክብሉ ተማሕጸንዎም May 16, 2025
    ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዲፕሎማስያዊ ኣካላት ተቐቢሎም ኣዛተራረብዎም፣ ንዅሎም ልኡካነ መንግሥቲ ዝተፈላለዩ ሃገራት ናብ ቫቲካን ዝኾኑ ኣምባሳደራት ከኣ ብፍትሕን ሓቅን ተስፋን መገዲ ሰላም ኪስዕቡ ኣተባብዖም። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ር. ሊ. ጳ. ዝጥቀሙሉ ኤጲስ ቆጵሳዊ ኣርማ ምስ ምልክታት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ኣጐስጢኖስን May 16, 2025
    ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መነብር ዝውጽኦ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝጥቀሙሉ ኤጲስ ቆጶሳዊ ኣርማ፣ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘለዎም መንፈሳውነትን ነቲ ካብ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ እተወስደ መንፈሳውነቶምን ከም ዘመልክት የመላኽት። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ሽሪን ኣቡ ኣክለህን ጻዕርታት ፍትሕን May 16, 2025
    ኣንቶን ኣቡ ኣክለህ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ብዛዕባ እታ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብጥይት ዝተቐትለት ፍልስጤማዊት ካቶሊካዊት ጋዜጠይናን ሓብቱ፣ “ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ቅድስቲ መሬትን” ተባሂላ እትግለጽ ሽሪን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፣ ተሓታትነትን ፍትሕን ክህሉ ጻውዒት የቕርብ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ሶርያ፡ እገዳ ኣመሪካ ክለዓል ትጽበን ተስፋ ትገብርን May 16, 2025
    ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝተነብረ ቁጠባዊ እገዳ ከምዝለዓል ኣፍሊጡ። ንነዊሕ እዋን ብናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስትያናት፣ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ባዕሉ ህዝቢ ሶርያን ዝላቦዎ ዝነበረ ስጉምቲ፣ ብዙሕ ጥንቃቔ ዘድልዮ ምዃኑ ኣብ ኣለፖ ልኡካነ ወንጌል ኣባል ማሕበር ቅድስተ ማርያም ኣባ ጆርጅ ሳቤ ገሊጾም። ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ሕብረተሰብ ሶርያ መሰላቱ ተሓልዩሉ ይነብር ምህላዉ ምክትታል […]
  • ዓመት ኢዮቤል ዘምሥራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን፦ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምስራቓዊ ሶርያዊ ሥርዓት May 15, 2025
    ኣብ ድሮ እታ ተወከልቲ ብምሥራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እተራኸበትላ ዕለት ዓመት ኢዮቤል፣ ብምሥራቓዊ ሥርዓት ሶርያዊት ቤተክርስቲያን፣ ኣብ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕታ ቅዳሴ ብምዕራግ ተጸምቢሉ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ቅድስቲ መንበር ዕስብና ሕጻናት ደው ንምባል ቈራጽነትን ደገፍን ከም ዝገብረት ተረጋግጽ May 15, 2025
    ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋብሪየለ ካቺያ ኣብቲ "ኣብ ግዜ ቝልዕነት ብክብሪ" ኣብ ዘርእስቱ ኣሳታፊ ዘተ ተኻፊሎም፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 "ረሩም ኖቫሩም (ሓደስቲ ነገራት)" ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ብምጥቃስ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ብትምህርትን ብዝረኽቦም ዕድላትን ኣቢሉ "ንማሕበረሰብ ዕቤት ንምግባርን ትርጕም ብዘለዎ ሥነ መዕበያን ኣበርክቶ ንምግባርን" ዘለዎ መሰል እንደገና ኣረጋገጹ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ካርዲናል ፓሮሊን፦ ኣብ ኢስታንቡል ዝካየድ ዘተ ናብ ሰላም ዘምርሕ መገዲ ክኸፍት ተስፋ ይገብሩ May 15, 2025
    ጐኒ ጐኒ እቲ ኣብ ጳጳሳዊ መንበር ጥበብ ግሪጎርያን እተኻየደ ዓውደ መጽናዕዲ ብዛዕባ ዩክረይን፣ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን፣ ብዛዕባ እቲ ኻብ ሎሚ ሓሙስ ኣትሒዙ ኣብ ሃገረ ቱርኪ ዝካየድ ቀጥታዊ ዘተን ውዕላትን ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "እዚ ዘተ እዚ ነቲ ውግእ ከቋርጾ ዝኽእል ኣገዳሲ ነጥበ መቐይሮ ክኸውን ከም ዝኽእል ተስፋ ንገብር" በሉ። ንኩሉ […]
  • ንዝኽሪ ዓሰርተ ዓመት ‘ስቡሕ ኣንተ' 200 መናብርተ ጥበብ ኣብ ሪዮ May 15, 2025
    ንማሕበረ - ከባብያዊ ቅልውላው መልሲ ንምሃብ፡ ምስማዕ፡ ሓባራዊ መመያን ጭቡጥ ስጉምትን ዘተባብዕ ሲኖዳዊ እማመ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ናይ ዝተፈላለያ ዓሰርተ መናብርተ ጥበብ ዋና ኣመሓደርቲ ካብ ዕለት 20 – 24 ግንቦት 2025 ዓ.ም. ፍሉይ ዓውደ ጉባኤ ከካይዱ እዮም። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ንላሳልያውያን ኣሃው፣ ሓጎስን ፍረ ዘለዎን መንገድታት ቅድስና ኣነቓቕሑ! May 15, 2025
    ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ዕለት 15 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኣባላት ማሕበር ኣሃው ላሳል ኣብ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ቅዱስ ጆን ባፕቲስት ደ ላ ሳል ንደቂ ማሕበሩ፡ ኣተመሓድርዎ ኣባይቲ ትምህርትን እትምህርሉ ክፍልን መንበረ ታቦትኩም ይኹን” ብምባል እተዛረቦ ቃል ብምዝካር ነቲ ደ ላ ሳል ኣሕዋት ዝገበርዎ ትምህርታዊ ጻዕርታት ንኢዶም፣ "ሕጉስን ፍረ ዘለዎን መገድታት ቅድስና […]
  • ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ምርጫ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ብሓጎስ ተቐቢሎም May 14, 2025
    ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ካርዲናል ግረች ናብ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ንቤተ-ክርስትያን "ቤትን ስድራቤትን ኣምላኽ ንዅሉ ኽፉት" ኰይና ንኽትዓቢ ዝሕግዝዋ ከም ዝኾኑ ዘለዎም እምነት ይገልጹ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ር.ሊ.ጳ. ሊዮስ መበል 14 ንምብራቓውያን ካቶሊካውያን፡ ንቤተ ክርስቲያን ተድልዩዋ ኢኹም! May 14, 2025
    ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብቲ ካብ ዕለት 12 – 14 ግንቦት ንምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ እተወፍየ መዓልቲ እዮቤል ንዝተሳተፉ ኩሎም ከም ተኸታሉ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ መደቦም ተቐቢሎም እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል፣ ትውፊታቶም ክዕቅቡን እቲ ዕርቅን ይቕረታን መሰረት ገርካ ብሓድሽ ንኽትጅምር ትብዓት ዘድልዩ ናይ […]
  • ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ማሕበራዊ መርበባት ናይ መጀመርታ መልእኽቶም ፈንዮም May 14, 2025
    ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ፍራንቸስኮን በነዲክቶስ መበል 16ን ዝጥቀምሉ ዝነበረ ኣብ ማሕበራዊ መረብት ዘሎ ወግዓዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣድራሻ ኣቢሎም ዕለት 13 ግንቦት ናይ መጀመርታ መልእኽቶም ከም ዝፈነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ሮማ ናብ ዝርከቡ ኣውጉስጢኖሳውያን ኣሕዋቶም ሃንደበታዊ ምብጻሕ ኣካይዶ May 14, 2025
    ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ዕለት 13 ግንቦት ጥቓ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ናይ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ኩርያ (ላዕለዋይ ቤት ምሕደራ ህንጻ) ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ምሕራዮም ካርዲናል እንከለዉ ዝገብርዎ ዝነበረ ምብጻሕ ኣካይዶም ናይ ምሳሕ መኣዲ ከም እተቛደሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። ንኩሉ ኣንብብ  
  • ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ናይ ወርሓ ግንቦት ሊጡርጊያዊ መርሓ ፍጻሜታት May 13, 2025
    ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ንወርሒ ግንቦት ዝህልዎም ሊጡርጊያዊ መርሓ ፍጻሜታት ወግዓዊ ከም ዝገበረን፣ እዚ መርሓ ፍጻሜታት፣ ቅዱስነቶም ሰንበት ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ብውግዒ ንምብጋስ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘጠቓልል እዩ። ንኩሉ ኣንብብ  

Abune Mengisteab

ኣቡነ መንግሥተኣብ ሊቀ-ጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ