ዓመታዊ ክብረ በዓል ልደታ ለማርያም ዓዲዜኑ


ዓመታዊ ክብረ በዓል ልደታ ለማርያም ዓዲዜኑ

ወርሒ ግንቦት ብምልኡ ንእግዚእትነ ማርያም ዝተወፈየ ወርሒ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ ብባሕቲ ግንቦት ብበዓል ልደታ ለማርያም ከኣ ይጅመር። በዚ መሠረት ብ1 ግንቦት 2008 ዓ.ም.ግ (ዕለት 09 ግንቦት 2016 ዓ.ም.ፈ) ናይታ ብያሬዳውያን ሊቃውንቲ ሃገርና፣ “ጸሓይ ብዘብረቀ ሰማይ” እትምሰል ድንግል ማርያም ዝኽሪ ልደታ ኣብ ሓያሎ ኣድባራት ሃገርና ብውዕዉዕ መንፈስ ተዘኪሩ ውዒሉ። ሓንቲ ካብዘን ቁምስናታት ከኣ ደብረ ልደታ ለማርያም ዓዲ ዜኑ እያ።

ብድሮ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፣ ኣብቲ በዓል ንምስታፍ ኣብቲ ዓዲ ኣብ ዝበጽሕሉ ቆሞስን ምእመናንን መስቀል ኣምሪሖም “ዲበ ርእሱ ኣክሊል ውስተ ኢዱ መስቀል፣ መሃረነ ፍኖተ ወንጌል”፣ “ባርከኒ ኣባ ለውልድከ ዝኬ፣ እስመ  ልማዱ ለመምህር ቡራኬ”፣”ኖላዌ ኄር፣ሓውጸነ በምሕረት ወሳህል” ብዝብል ወረባትን ዕልልታ ኣደታትን ብኽብሪ ተቐቢሎምዎም፣፣ ኣብ ቤተክርስቲያን ምስ በጽሑ ከኣ ክቡር ቆሞስ ኣባ ቶማስ ነጋሽ ‘እንቓዕ ደሓን መጻእኩም’ ድሕሪ ቢሎም፣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ’ውን ብወገኖም ብዝተገብረሎም ኣቐባብላ ኣመስጊኖም፣ ብጸሎት ስርዓት ተቕባል ተፈጺሙ፣፣

ሲዒቡ ከኣ ብያሬዳውያን ሊቃውንትን ሓያሎ ካህናትን ሕዝብን ዝተሰነየ፣ ብብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ዝተማእከለ፣ “…ቆምኪ ርእዮትኪ….” “እታ ትርኢታን ቁመናኣን ዘደንቕ፣ ክሳዳ ብክቡር ዕንቁ ዘጌጸ፣ መላእኽቲ ሓብትና እናበሉ ዝጽውዕዋ፣ ጥዑም ዝቓላን ሠናይ ግብሪ ዝልማዳን፣ ኣብ ሰማይ ክብሪ ዝተጓናጸፈትን ማርያም ካብ ኢያቄም ተወልደት…” ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ድሙቕ ዋዜማ  ኣምሰየ።

ንጽባሒቱ ሰዓት 3፣00 ለይቲ ዝጀመረ ማኅሌት ዘለሊት ድሕሪ ተቖይሙ፣ ሰዓት 6፣30 ንግሆ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ብሾመንተ ካህናት ተማእኪሎም እቲ ዓንዲ ማእከል ኩሉ ጸሎታት ዝኾነ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጉ። ድሕሪ ቅዳሴ ዑደት ብመዝሙርን ምህለላን ምስጋናን ምስ ተፈጸመ ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ፣ ካብ ቅዱስ ወንጌል ነቲ  ሰላምታ ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ ንእግዚእትነ ማርያም ጠቒሶም፤ ከምቲ እቲ መልኣኽ “ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፣ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩ፣ ንስኺ እንካብ ኣንስቲ ዝተባረክኪ ኢኺ” ዝበላ፣ እግዝእትነ ማርያም እግዚኣብሔር ምስኣ፣ ንሳ ከኣ ምስኡ ስለዝኾነት ኢና፣ ንሕና ከኣ “ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ” እናበልና እነክብራ። ብፍላይ ሎሚ ኣብዚ ዘመነ ትንሣኤን ዓመተ ኢዮቤል ምሕረትን፣ ነዚ በዓል’ዚ ክንዝክር ከሎና ዓቢይ ትርጉም  ኣለዎ። ከመይ እታ ነቲ ዝተንሥኤ መድኃኒ ክትወልድ ዝነበራ ኣደና እግዚእትነ ማርያም ተጸኒሳ፣ ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ዝተወልደትሉ ዕለት ኢዩ፣፣ እዚ ድማ ምእንቲ ድሕነትና ዝተዋህባ ጸጋ ኢዩ፣፣ እቲ ናይ እግዚእትነ ማርያም ምእንታና ክትብል ዝተቐበለቶ ከቢድ ሓላፍነትን ጸዋዕታን ድማ ኣብ ትንሣኤ ክርስቶስ ኢዩ ኣብ ፍጻሜ ዝበጽሐ። ኣምላኽ ክምሕረና ምስ ደለየ ኢዩ፣ ንእግዚእትነ ማርያም ጸጋ መሊኡ መሳርሒት ድኅነት ክትከውን ዝሓረያ።

እምበኣር ንሕና’ውን ብፍላይ ኣብዚ ቤተክርስትያን ሂባትና ዘላ ፍሉይ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት፣ እቲ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበና ጸጋ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ነስርሖዶ ኣሎና? እምነትና ከመይ ኣሎ? ፈተውቲ ቤተክርስትያን ዲና? ኣብ ምስጢራት ዘሎና ተሳትፎ ከመይ ኣሎ? ኣብ ናይ ምሕረት ስራሓት ከመይ ኣሎና? ነቲ እግዚኣብሔር ብዘይ ደረት ዝምሕረና እናዘከርና፣ ንሕናከ ብዘይ ደረት ክንምሕር እንብገስ ሰባት ዲና? ቢልና ርእስና ክንሓትት ግቡእ ኢዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ፍቕርን ምሕረትን ከመይ ኣሎና? ንሓድሕድና እንተተበዳደልና ይቕረ ይፍታሕ ክንንብል፣ ምስ መባእስትና ክንዕረቕ፣ ምሕረት ካብ ውሽጥና ክንደልዮ ካባና ክንጅምሮ፣ እቲ ደረት ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ ክንቕበል ንሕና’ውን ክንመሓሓር፣ ነዚ ፍሉይ ቤተክርስትያን ዝሃበትና ዕድል ክንጥቐመሉ ይግባእ ብምባል ኣብ ምልእተ ጸጋ እግዚእትነ ማርያምን ምሕረት ኣምላኽን ምሕረት ሓድሕድን ዘተኮረ ቃለ-እግዚኣብሔር ኣስሚዖም።

ድሕሪ እዚ፣ ኩሉ ካብ ርሑቕን ቐረባን ዝመጸ ነጋዲ ቤተክህነትንን ምእመናንን ብቁምስና ዝተዳለወ ምሳሕ ተሳቲፉ ምስ ተፋነወ ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ፣፣

ክብረ በዓል መድኃኒ ዓለም ጊንዳዕ

ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ መድኃኔ ዓለም ጊንዳዕ’ውን ብዕለቱ 5 ግንቦት 2016 ዓ.ም ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ ;ሓያሎ ካህናት፣ ደናግል፣ ምእመናን፣ ገዳማውያን፣ መነኮሳት ኣብ ዝተረኽብሉ ብዋዜማ ጀሚሩ፣ ማኅሌቱን መስዋዕተ ቅዳሴን ዑደትን ብዘማልኤ ኣገባብ ብድምቀት ተባዒሉ። ድሕሪ ዑደት ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ፤ መድኃኔ ዓለም ምእንቲ ድኅነት ዓለም ከምዝመጸ ከምዝሰርሔን ከምዝተሳቐየን ብልደቱ፣ ጥምቀቱ፣ ምድራዊ ሕይወቱ፣ ሞቱን ትንሣኤኡን ዕርገቱን፣ ግን ንዓለም ከምዘድኃነ ብሰፊሑ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣተሓሒዞም ከኣ መልእኽቲ ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ኣመሓላሊፎም።

ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ !

ግርማይ ኣስፍሃ