ጸሎት ሳምንቲ ምእንቲ ኅብረት ክርስትያን


ጸሎት ሳምንቲ ምእንቲ ኅብረት  ክርስትያን


ካብ 1968 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ዕለታት 18 ክሳዕ 25 ጥሪ ኣብ መላእ ዓለም በብናይ ዓመቱ ዝተመረጸ ኣርእስታት፣ ካቶሊክ፡ ኦርቶዶክስን ፕሮተስታንትን ኣብያተክርስትያን ዝሰመራሉ፡ ዓመት መጸ ጸሎት ሳምንቲ፡ ምእንቲ ኅብረት ክርስትያን ከምዝግበር ዝፍለጥ ኢዩ። ሎም ዘመን ከኣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ መዓልታት፡ ብደረጃ ዓለምለኻዊት ቤተክርስትያን ዝተሰናደወ፡ ብንሾመንቲኡ መዓልታት ዘሰኒ ኣስተንትኖ ካብ ቅዱስ መጽሓፍን ጸሎትን መርመራ ሕልናን ተመሪሑ፡ ኣብ ኣሥመራ ብርእሰ ኤጳርቅና ብዝተሰናደወ መደብ መሰረት፡ እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ መዓልቲ (ካብ 17-20 ጥሪ)  ኣኣብ ቊምስናኡ፥ እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ መዓልቲ (21-24 ጥሪ ) ግን ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ብሓባር ዝቐጸለን፡ ሰንበት ከኣ ብጳጳሳዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተዓጽወን መደብ ጸሎት ሳምንቲ ተኻይዱ። እተን ካብ ኣሥመራ ወጻኢ ዘለዋ ቁምስናታት ከኣ ነዚ መደብ ተኸቲለን፡ ነቲ ጸሎት ሳምንቲ ኣብ ቁምስናታተን ብሓደ መንፈስን መደብን ተኸታቲለናኦ።

ኣብዚ ቆሞሳት፡ ምስ ምእመናን፡ ካህናትን ደናግልን ተመሃርትን ኩለን ማኅበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዝተሳተፉዎ፡ ኣኣብ ቁምስናኡን ኣብ ርእሰ ኣድባራት መካነ መንበር ኪዳነ ምሕረትን ብኣስተንትኖ ዝተሰነየ ጸሎት መቊጸርያን ነንዕለቱ ዝተሰናደወ ሓጺር ትምህርትን ምህለላን ንልቢ ብዘለዓዕል ንመንፈስ ዘነቓቅሕ መደባት ተኻይዱ። ኣርእስታት ናይዚ ሳምንቲ እቲ ብቅድስቲ መንበር ዝተሰናደወ ነናይ ዕለቱ ሓሳብ ኣስተንትኖ፡ እቲ እምኒ ዕንቅፋት የንከራሩ፡ ልኡኻት ሓጎስ ንምዃን ኢና ተጸዊዕና፡ መሰኻኽር ሕብረት፡ ወንጌል ንምብሣር ዝተጸውዐ ክህነታዊ ሕዝቢ፡ ሕብረት ሓዋርያት፡ንሃረርታ ሕብረት ንስምዓዮ፡ ብሕብረት ብሓደ ልቢ ምጽላይ፡ ልባትና ንኅብረት ይጸምእ ኣሎ ዝብል ኣርእስታት ዜጠቓልል ነበረ።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፡ ነቲ ናይ ሳምንቲ ጸሎት ብምስጋና ኣብ ዝዓጸውሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ስብከቶም፡ ንናይ ዕለቱ ንባባት ምስቲ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሕብረት ክርስትያን ኣተሓሒዞም፣ ቅ.ዮሓንስ መጥምቕ እቲ ንስኻ ዝመስኸርካሉ፡ ባዕልኻ’ውን ዘጠመቕካዮ፡ የጠምቅ ኣሎ፡ ምስ በልዎ እቲ “ካብ ሰማይ ዝተዋህቦ እንተዘይኮይኑ፣ ባዕሉ ከምዚ ዝገብር የለን።

እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ንሱ ኢዩ።ደጊም ንሱ ክዓቢ ኣነ ክትሕት ፡ ንሱ ክስማዕ ይግባእ ፡ ኩልና ንእኡ ንስማዕ ቢሉ እቲ ሓቂ ከምዝነገሮምን “እቲ ንኃጥኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሽል ኣምላኽ ንሱ ኢዩ እናበለ ብትሕትና ንኢየሱስ ከምዝመስከረሉ ገሊጾም ።ናብቲ ሓድነት ክርስትያን ዝብል ሓሳብ ተመሊሶም ከኣ ሎሚ እቲ ዝፈላልየና እንታይ ኢዩ? ኣብ መንጎና ትዕቢት፡ ህልክ፡ ኣንነት ፡ንፍገት፡ ንኣይ ይጥዓመኒ ብዝብል መንፈስ ክንዲ ንክርስቶስ ንርእስኻ ምቅዳም ኢዩ። ነዞም ፈላለይቲ ነገራት ‘እዚኣቶም ክንምሕዮም የድሊ። በዚ ኢዩ ቅ.ጳውሎስ “እምበኣር ናይ ክርስቶስ ብምዃንኩም ኣተባቢዕኩም እንተደኣኾይኑ ፦ ብፍቅሩ ድማ ተጸናኒዕኩም እንተደኣኼንኩም፡ ምስ መንፈስ ቕዱስ እውን ኅብረት እንተደኣ ኣልዩኩም፡ ከምኡ’ውን ለዋሃትን ርኅራኄን እንተደኣ ኣልዩኩም ፡ ሓንቲ ሓሳብ ብምሕሳብ፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምትእሳሳር፡ ብሓደ መንፈስ ንሓደ ዕላማ ብምዕያይ፡ንሓጎሰይ ምልኣት ሃብዎ። ሓንቲ ነገር እዃ፡“ንኣይ ይጥዓመኒ” ብምባል ወይ ንውዳሴ ኸንቱ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እዃ ደኣ ትሕትና ብምልባስ ነቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልጹ ገይርኩም ገምቱ። ነፍሲወከፍኩም ናይ ካልኦት ጥቕሚ ደኣ እምበር ናይ ገዛእ ርእሱ ጥቅሚ ጥራይ ኣይርኣ። እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኻትኩም ይሃሉ እናበለ ዚምዕደና።

ሕብረት ብትዕቢት ኣይመጽእን እዩ፡ መንፈስ ትሕትና፡ መንፈስ ሓቂ፡ መንፈስ ቕንዕና፡ መንፈስ ፍትሒ፡ መንፈስ ንኽርስቶስ ምቕድም የድልየና። ዲያብሎስ ዘራጊ፡ ፈላላዪ ስለዝኾነ ሕብረት ኣይፈቱን’ዩ፡ ዘሕብር መንፈስ ቅዱስ’ ዩ። ስለዚ ኢና ኣብ ቅዳሴና ‘’ኀበነ ንኅበር በዘዚኣከ መንፈስ ቅዱስ” እናበልና ንጸሊ። ብስም ክርስቶስ ክንፈላለ ኣይግባእን። ንስብከተ ወንጌልና ዝዕንቅፎ ዘሎ ፍልልይና ኢዩ። ብምሕረትካ ጠምተና፡ ዘኅብር መንፈስካ ልኣከልና፡ ቢልና ንኣምላኽ ንለምኖ ቢሎም ስብከቶም ዛዘሙ። በዚ ከኣ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ንሕና ሓደ ከምዝኾናን፡ ንሳቶም’ውን ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ፡ እቲ ዝሃብካኒ ክብሪ ሃብኩዎም። እዚ ድማ ከምቲ ኣነ ኣባኣቶም፡ ንስኻ’ውን ኣባይ ዝኾንካ፦ንሳቶም’ውን ብሓድነት ፍጹማት ምእንቲ ኪኾኑ” ቢሉ ዝጸለዮ ክፍጸም ኩሎም ተኸተልቲ ክርስቶስ ሓደ ሥድራ፡ ሓደ መጓሰ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጓሳ፡ ምእንቲ ኪኾኑ ክግበር ዝቐነየ ጸሎት ምህለላን ኣስተምህሮታትን ተፈጸመ።
————–
ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ !!
(ግርማይ ኣስፍሃ)