ንግደት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ንግደት ካህናት ንቅ.ያዕቆብ ሔቦ


ኣብ ርእሰ ሰበኻ ኣሥመራ ዝርከቡ ካህናት ሰበኻን ማሕበራትን ኣብቲ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ብዝተፈላለየ እዋን ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክካየድ ዝጸንሐ ንግደታት፡ ንሕዝቦም መሪሖም ክሳተፉ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ 05 ሕዳር 2016 ከኣ ንበይኖም ካህናት ናብቲ ቅርሲ ቅ.ያዕቆብ ተዓቍቢሉ ዘሎ ደብረ ማርያም ጽዮንን ቅ.ያዕቆብን ሔቦ ብብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ተመሪሖም ነጊዶም። በቲ መደብ ንግደት መሰረት፡ ወጋሕታ ኩሎም ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ተኣኻኺቦም፡ ኣብ ኣውቶብስ ብሓደ ተጠርኒፎም፡ ጸሎት ሰዓታት፡ ጸሎት መቍጸርያ ኣርባዕቲኡ ምስጢራት፡ ምህለላ፡ ወረባት፡ እናገበሩ ብጸሎትን መዛሙርን ሔቦ በጽሑ። ኣብ ቤተክርስቲያን ሓጺር መግለጺ ናይቲ መደብ ንግደትን ትሕዝቶን ብመራሒ መደብ ክቡር ኣባ ሰሎሞን ወልዱ ማሕበር ልኡካን ምስ ተገልጸ፡ ሲዒቡ ድማ ኣብ በርባዕተ መኣዝን ናይ ቤተክርስቲያን መንበረ ኑዛዜ ነጋድያን ምስጢረ ኑዛዜኦም ብዘካየዱ ኩሎም ለቢሶም መስዋዕተ ቅዳሴ ጀመሩ። ኣብ ቅዳሴ ከኣ ነቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ስብከቶም ንዓመት ምሉእ ንኻልኦት ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ከነስተምህር፡ ከነተዓርቕ፡ ከነናዝዝ ኣሕሊፍናዮ።ሕጂ ከኣ “ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ።ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ እውን ትሑት እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጽሩ፡ ካባይ’ውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይ ኣርዑተይ ልዙብ ጾረይ ከኣ ፈኹስ እዩ።” እናበለ ክርስቶስ ይጽውዓና ኣሎ። ጸዋዕታና፡ ጸዋዕታ ክህነት ክቡር እኳ እንተኾነ ከቢድ ኣርዑት‘ውን ኢዩ። ካህን ንኩሉ ዝጸውር፡ ንኩሉ ዝእክብ “ጐዱፍ” ኢዩ። ሙሴ ንእስራኤላውያን መሪሑ ናብ ምድረ በዳ እናተጓዕዘ ስእነት፡ ድኻም፡ ጽምዋ፡ ፈተና እናበርተዐ ምስ ከደ እቶም ሕዝቢ ከኣ ሕርቃኖም ናብኡ ምስ ኣውደቕሉ፡ ምጉርምራም ምስ በዝሐ፡ ንሱ’ውን ንእግዚኣብሔር ስለምንታይ ንኣይ ንባርያካ ክፉእ ገበርካኒ ኣነዶ ነዚ ኩሉ ሕዝቢ ጠኒሰዮ፡ ወይ ወሊደዮ ኢየ እናበለ የማርር።ሓላፍነት ሕዝቢ ከቢድ ኢዩ።ንሕና ካህናት መማህራን፡ መጸናናዕቲ፡ መራሕቲ ሕዝቢ ኢና፡ ግና ንበይንና ኣይኮናን። እቲ ዝጸውዓና ክርስቶስ ባዕሉ ክሕግዘና፡ ዕረፍቲ ክህበና፡ ብሓይሉ ከበርትዓና፡ ድኻምና ፈሊጥና ናብኡ ክንጽጋዕ የድሊ። ክርስቶስ ንኩሉ ተሰኪሙዎ ኢዩ። ንሕና ከኣ ንኩሉ ጸገም ኣሰኒፍና፡ ነቲ ዝተገልጸልና ምስጢር ወንጌል ከነቃልሕ፡ ክንሰብኽ፡ ምስ ቅ.ጳውሎስ ኮይና “ወንጌል እንተዘይሰበኩ ወይለይ’’ ክንብል ቤተክርስያን ንሓዲስ ስብከተወንጌል ውፈሩ ትብለና ኣላ ኢሎም። ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣብ መወዳእታ ክርስቶስ ነቲ ኩሉ ኣብ ዕለታዊ ስራሕና፡ ኣብ ጉስነት፡ ኣብ ምዕዳል ምስጢራት ዝገጥሙና ጸገማት ንኹሉ ስለዝፈልጦ ኢዩ ኢየሱስ “ናባይ ንዑ ካባይ ተመሃሩ’’ እናበለ ናብኡ ክንምለስ፡ለውጢ ሕይወት ክነርኢ፡ ኣብኡ ዕረፍቲ ክንረክብ ዝጽወዓና ዘሎ። ንስሓናን ጸጸትናን እምበኣር ናይ ልቢ ክኸውን ይግባእ። ኩሉ ድኻምና ይቐበለልና፡ ንግደትና፡ንግደት ኢዮርሳሌም ይግበረልና። ንዝሓመሙ፡ ንዝሸምገሉ ካህናትና ክንጽልየሎም፥ በረኸት ናይቶም ትሑት ኣገልጋልንን ፍርያም ስብከተወንጌል ዘካየዱን ቅዱስ ኣቦና ቅ.ያዕቆብ ኣይፈለየና ቢሎም ስብከቶም ዛዘሙ። ድሕሪ’ቲ ብኁባሬ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴን ሓጺር እዋን ዕረፍትን ከኣ ክቡር ኣባ ግርማጽዮን ነጋሢ ሓለቃ ማሕበር ልኡካን ‘’ካህን ኣምሳል መሓሪ ኣቦ’’ ዚብል ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም። ኣባ ግርማጽዮን ኣስተምህሮኦም መን ኢዩ ካህን? ብዝብል ሕቶ ኢዮም ጀሚሮም፡ ካህን ብተልእኽኡ ካልእ ክርስቶስ ምዃኑ ንምግላጽ ከኣ ‘’እቲ ላእክ ወይ ኣገልጋሊኡ ዚውከሎ ዘሎ፡ መንፈሳዊ ኣካል፡ እቲ ካህን ብርእሱ ዝኾነ ክርስቶስ ኢየሱስ እዩ።እቲ ላእክ ሕጂ በቲ ዝተቐበሎ ክህነታዊ መዓርግ ምኽንያት ብሓቂ ነቲ ሊቀ ካህን ዚመስል ኮይኑ እዩ።ምስዚ ድማ ብናይ ክርስቶስ ሥልጣን ብቐንዱን ኣብ ክንደኡን ኮይኑ ዚሰርሓሉ ክእለት ተቀቢሉ እዩ።’’ ከምኡ’ውን “ኦ ሊቃነ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ንካህናት “ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም” እንክትብል ዝተናገርካዮ ናይ ኪዳንካ ቃል እዚ እዩ። ንካህናት “ንስካትኩም ብርሃን ዓለም፡ ኣዕይንቲ እግዚኣብሔር፡ መብራህቲ ቤተክርስትያን፡ ኣምሳል መላእኽቲ ኢኹም ዝበልካዮም ንሕዝብኻን ርስትኻን ክትባርኽ ንዓ። ምሕረት እግዚኣብሔር ካብ መጀመርታ ዓለም ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ዚነብር ኢዩ።ምሕረት እግዚኣብሔር ከኣ ንኃጢኣት ዓለም ኼጥፍእ ኢሉ ንሓደ ወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኸ እዩ።ምሕረት እግዚኣብሔር ንኩሉ ማእሰር ኃጥኣት ምእንቲ ክፈትሑ ንካህናት ልሳን ዝሃበ እዩ’’ ዝብል ጥቅስታት ፕዮስ መበል 12ን ኣኰቴተ ቁርባን ያዕቆብ ዘሰሩግን ዘቅዱስ ዮሓንስ ኣፍወርቅን ይጠቕሱ። ቀጺሎም ከኣ ‘መሓርቲ ምሕረት ክረክቡ እዮም እሞ ብፁዓን ኢዮም’፡ምሕረት ክርስቶስ፡ ምሕረት ብምግባር ዝሕጐስ ኣምላኽ፡ ናትና ምሕረት ምኽንያት ወይስ ሳዕቤን ምሕረት እግዚኣብሔር፡ መለኰታዊ ምሕረት ምስትምቃር፡ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነት ቤተክርስትያን፡ ርሕራሔ ልበሱ፡ ንዝብሉ ንኡሳን ኣርእስትታ’ውን በብሓደ ገሊጾም። ወሲኾም ኣባ ግርማጽዮን “ምሕረት ኣብ ቅ. መጽሓፍ ክልተ ትርጉም ሒዙ ይቀርብ። እቲ ቀዳማይ ኣብ ርክብ/ኪዳን ኣተና እቲ ዝበርተዐ (እግዚኣብሔር) ናብቲ ዝደኸመ ኣካል የመልክት። ንዘይተኣማንነትን ንኃጢኣትን ብይቅረታ ይግለጽ። እቲ ካልኣይ ትርጉም ድማ ኣብ ኣድላይነትን ኣብ ስቃይን ንዝርከብ እትርእዮ ኣተና ዘመልክት ብናይ ምሕረት ሥርሓት ኢልና እንጽውዖም ይግለጽ። እዚ ከኣ ናይ ልብን ናይ ኢድን ምሕረት ማለት እዩ” ብምባል ንምሕረት ኣምላኽን ካህናት ከም ልኡካት ምሕረት ኣምላኽ ክለብስዎ ዝግባእ ጸጋ ምሕረትን ኣመልኪቶም ብሰፊሑ ብኣብነታትን ጥቕስታት ቅዱስ መጽሓፍን ኣሰንዮም ገለጹ። ቀጺሎም ከኣ “ክንምሕር ዝግበኣና እምበኣር ምሕረት ስለ ዝተቐበልና ኢዩ እምበር ምእንቲ ክንምሓር ኣይኮነን። ክንምሕር ዝግበኣና ምሕረት እግዚኣብሔር ኣባና ፍረ ምእንቲ ክህልዎ እዩ።እንተዘይኮነ ከምቲ ጐይታ ኣብቲ ምሳሌ ምሕረቱ ካብቲ ምሕረት ዝዓበየ ኣገልጋሊ ዝሰሓበ ንከይሰሓብ ኢዩ። እምበኣር ጸጋ ኢዩ ኩሉ ግዜ መጀመርያ ዚመጽእን ንሕና ንክንምለስ ድርኺት ዝፈጥረልናን። ቅ.ጳውሎስ “ከምቲ ጐይታ ይቕረ ዝበለልኩም ይቕረ ተበሃሃሉ’’ ከም ዝብሎ ኣገዳስነት ናትና ምሕረት ብመንጽር ናይ መወዳእታ ፍርዲ እዩ።ኣብ መጨረሻ ምሕረት ዘውህበና ኣብ ልዕሊ ኣኅዋትናን ኣኃትናን ብእነርእዮ ምሕረት ኢዩ ኢሎም። ብድሕሪ እዚ ኣብ ቀጽሪ እቲ ገዳም ምክፋል ተመኩሮ ናይቲ ዕለት ንግደትን ናይቶም ኣብ ሮማ ነጊዶም ዝመጹን ካህናት ምስ ተገብረ፡ ብማኅበረ ልኡካን ሔቦ ዝተሰናደወሎም ምሳሕ ብሓባር ተኻፊሎም፣ ቤተክርስቲያን ተመሊሶም ኪዳን ኣብጺሖም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኩሎም ነጋድያን ካህናት ቅርያት ቅዱስ ያዕቆብ ተሳሊሞም፡ ብደናግል ዝእለዩ ሕፃናት ርእዮም ነሥመራ ገጾም መለሱ። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ሓደጋ ዘጋጠመሉ ክልተ መንእሰያት ደናግልን ካልኦትን ዝሞትሉ ቦታ ከኣ ወሪዶም ጸሎት ገይሮም። ስለዚ ኣብ መልሲ’ውን ነጋድያን ካህናት ከምቲ ኣብ ምኻድ ብዝተፈላለየ ሓሳብ ጸሎት፡ ጸሎት መቍጸርያን ወረብን እናገበሩ ኢዮም ነቲ ሕጉስ ቡሩኽን መዓልቲ ንግደት ፈጺሞምዎ። ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ !! ግርማይ ኣስፍሃ