Monthly Archives: May 2016


ኑዛዜ ናይ እምነት ስጉምቲ “ኣብ’ዚ ጊዜና፣ ንሓደ ግዙፍ ‘ሱናሚ’ ዚመስል ‘መንፈሳዊ ሱናሚ’። ኣብ ውሽጢ ኣልባብ ደቂ ሰባት ተኸሲቱ ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ነውጺ’ዚ በቲ ሕሊና ደቂ ሰባት ትርጉም እናሰኣነ ዝኸይድ ዘሎ “ዝተፈላለየ ኃጢኣት” ዝኽሰት ዘሎ’ዩ፣ ሐደ ካብ ዓመተ እምነት ኣባና ገዲፍዎ ክሓልፍ ዝግብኦ ዘይሃስስ መልክት እምበኣር፡ ስንብራት ፍቕሪ ዝውታረ ‘ምስጢረ ንስሓ’ […]

ኑዛዜ ናይ እምነት ስጉምቲ


ታቦት ንሕና እምበኣር ደድሕሪ ኢየሱስ ንኽተል ጥራይ ዘይኮናሲ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና መጺኡ ማዕጾ ልብና ዝኹኩሓና ኢና። እንተ ከፊትናዮ ከኣ ብዘይ ጥርጥር ታቦት ኢና። ቤት መቕደሱ`ውን ኢና። “ቤተመቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላውን` ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፥ ሓደ`ኳ ነቲ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ እንተፍረሶ፡ ኣምላኽ ኬፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ […]

ታቦት


ኣብ ክርስቶስ ዝተስረተ ሕይወት ኣብ ክርስቶስ ዝተሰረተ ሕይወት ዝነብርን ምስኡ ዝጎዓዝን ኣብኡ ዝተሓንጸን ኣመስጋኒ እዩ ዝኸውን። ምስ ዘመስግኑ ምህልው ክንደይ ጽቡቕ እዩ። እንተወዲቖም ተስፋ ኣይቆርጹን እዮም፣ እንተተዓዊቶም ድማ ትዕቢት ዘይኮነስ ምስጋና እዩ ዝስዕሮም፣ ከመይ ሕይወት ህያብ ምዃና ስለ ዝርድኡ። ሕይወት ህያብ ምዃና ምቕባል ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘይተማርር ትኸውን፣ ከመይ ሕይወት […]

ኣብ ክርስቶስ ዝተስረተ ሕይወት


ቅድስቲ ስድራ ኣብነት ናይ ዘመንና ስድራቤት ኣቦታት ክንምስሉ ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ፡ “ከመይ ኢልኪ ነዚ ሓዳር በተንክዮ፧ ኣዕበድቢደ። ከመይ ኢልኪ’ኸ ኣድሓንክዮ፧ ኣባቢደ።” ይብሉ። እወ፡ ስድራቤታት ወይ ኪዳን ብኸመይ ይዝረግ፡ ብኸመይ’ከ ይዕረ እንተበልና ዝኣባብድ – ልቢ ዘዕበየ፡ ኣርሒቑ ዝርኢ፡ ረብሐ ስድራቤት ዝፈልጥ። ከመይ ወንጌል “በትዕግሥትክሙ ታጠርይዋ ለነፍስክሙ” ኢዩ ዝብል። ስለዚ ከኒና ወይ […]

ቅድስቲ ስድራ ኣብነት ናይ ዘመንና ስድራቤት



ጉዕዞ እምነት መንፈሳዊ ጉዕዞ: ሕጻናት ብመን ፈጠረና ይጅመሩ። ቀጺሎም ቅ. ቁርባን ፡ ሜሮን ይቕበሉ። ትምህርቲ ክርስቶስን መዝሙርን ከኣ ይቅጽል። ኣብዚ ጉዕዞ`ዚ ግና ፍልጠት ጥራሕ ዘኮነ እቲ እምነት ውን ክዓቢ ኣለዎ። እቲ ኣብ ጥምቀትና ዝተዘርአ እምነት ምስ ዓበና ናትና ክንገብሮ፡ ነቲ ወለድና ኣቦ/እኖ ልገ (ብልግነት) ዝበልዎ ነቲ ክፋእ “እኽሕድ” ንኣምላኽ “እኣምን” […]

ጉዕዞ እምነት


እምነት እግዚእትነ ማርያም “ናይ ማርያም እምነት ካብ ናይ ኩሎም ቅዱሳንን መላእኽትን ዝዓበየ ኢዩ፣ ኢየሱስ ሕጻን ኰይኑ ክውለድ እናረኣየት ዘለዓለማዊ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ምዃኑ ኣመነት። ኢየሱስ ሕጻን ኣብ መብልዕማል ኣብ መንጎ እንስሳ ኰይኑ እናረኣየት ፈጣሪ ዓለም ምዃኑ ኣመነት። ድኻ ኰይኑ ዝተወልደ ሕጻን እናረኣየት ንጉሥ ምዃኑ ኣመነት። ስደተይና ኰይኑ ንግብጺ ክሃድም እናረኣየት […]

እምነት እግዚእትነ ማርያም


ብርሃን እምነት “ንሕይወትና ዝጸልዋ ክልተ ሓያላት ቃላት ኣለዋ፣ ድሙቕ ብርሃንን ድቕድቕ ጸልማትን እየን፣ ኣበይ ኣሎና? እቲ ብርሃን እምነት ዘብሎ ዘሎ ምኽንያት እቲ ዝእመን ዘሎ ብርሃን ስለዝኾነ እዩ፣ ጸሓይ ካብ ላዕሊ በሪቑ ክበጽሓና እዩ፣ (ሉቃ።1።67) ግዜ ልደት ግዜ ጸሓይ ብራቕ እዩ። ወላ’ካ ሎሚ ምሸት ምድረ-ሰማይ እንተጸልመተ። ጽባሕ ንጋሆ ምውጋሑ ኣይተርፎን እዩ፣ […]

ብርሃን እምነት


  ማርያም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ወንጌል ግብሪ ሓዋርያት፣ መልእኽቲ ጳውሎስ እንተረኤና፣ ማርያም ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ቦታን ግዜን ዝነበረት ምዃና የረጋግጸልና፣ ንሳ ካብ ድኻ ዓዲ ተወሊዳ ከም ሃገራን ምስ ሃገራን ታሪኽን ኵነታትን ብዘምጽኦም ኩነታት እትሕጎስን እትሓዝንን ዝነበረት ድንግል ጓል ናዝሬት እያ። ንሳ ንቤተሰብ እተገልግል ኣደ፣ ንኢየሩሳሌም ከም ሃገራ እትነግድ፣ ኣብ […]

ማርያም ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ



ምውህሃድ እምነትን ግብርን ኣብ’ዚ  ዓመተ  እምነት  ንምንታይ   እዩ ‘ምውህሃድ  እምነትን  ግብርን’ ብዚብል ኣርእስቲ  ከነስተንትን ዝተዓደምና ቢልና  ምስ እንሓትት፣   እምነትን ግብርን ተራሓሒቑ ብምርካቡ፣ ኣብ’ዛ ሃገርና ብርሃን ወንጌል ጽልግልግ ምእንቲ ከይብል፣ ዓመተ እምነት  ምኽንያት ብምግባር፣ ግብሪ ዜሰነዮ  ጉዕዞ እምነት ምእንቲ ክንገብር ብዚብል ኣተና ኢዩ። እዚ ከኣ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት ኣብ’ታ ኣፍ ደገ እምነት […]

ምውህሃድ እምነትን ግብርን


እምነት እግዚእትነ ማርያም “ናይ ማርያም እምነት ካብ ናይ ኩሎም ቅዱሳንን መላእኽትን ዝዓበየ ኢዩ፣ ኢየሱስ ሕጻን ኰይኑ ክውለድ እናረኣየት ዘለዓለማዊ ወዲ ልዑል ኣምላኽ ምዃኑ ኣመነት። ኢየሱስ ሕጻን ኣብ መብልዕማል ኣብ መንጎ እንስሳ ኰይኑ እናረኣየት ፈጣሪ ዓለም ምዃኑ ኣመነት። ድኻ ኰይኑ ዝተወልደ ሕጻን እናረኣየት ንጉሥ ምዃኑ ኣመነት። ስደተይና ኰይኑ ንግብጺ ክሃድም እናረኣየት […]

ሓጸርቲ ኣስተምህሮታት


ቃል አምላኽ (ቃለ–እግዚኣብሔር) “እግዚኣብሔር አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰብን፣ ከም ጠባይ ወድ-ሰብን እዩ ዝተዛረበ።”(Dei Verbum 12) “እዝንኹም ናባይ ጽለዉ’ሞ ንዑ ስምዑ፣ ብሕይወት ክትነብሩ ኢኹም።”(ኢሳ.55፣3) ‘ቃል’ ዝስማዕን፣ ዝረአን፣ ዝሕሰብን፣ ዘረባ ብምዃኑ፣ ብእዝንና፣ ብዓይንና፣ ብስምዒትና ሓሊፉ፣ ናብ ልቢ እዩ ዝሰግርን፣ ቀጺሉ ከኣ  ብድላይና አቢሉ ንውሳኔና ተቖጻጺሩ ንሕይወትና ሓደ (እወንታዊ ወይ ከኣ አሉታዊ) ጽልዋ […]

ቃል አምላኽ (ቃለ-እግዚኣብሔር)




“ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ?” (ዘፍ 3) ብመሠረቱ እግዚኣብሔር፥ ንደቅሰብ ክቡራን ገቢሩ እዩ ብኣምሳሉን ኣርያኡን ዝፈጠሮም። “ኣምላኽ ከኣ ‘ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳ ዘቤትን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኲሉ ለመምታን ይግዝኡ’ በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፥ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገቢሩ […]

ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ


ዓመታዊ ክብረ በዓል ልደታ ለማርያም ዓዲዜኑ ወርሒ ግንቦት ብምልኡ ንእግዚእትነ ማርያም ዝተወፈየ ወርሒ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ ብባሕቲ ግንቦት ብበዓል ልደታ ለማርያም ከኣ ይጅመር። በዚ መሠረት ብ1 ግንቦት 2008 ዓ.ም.ግ (ዕለት 09 ግንቦት 2016 ዓ.ም.ፈ) ናይታ ብያሬዳውያን ሊቃውንቲ ሃገርና፣ “ጸሓይ ብዘብረቀ ሰማይ” እትምሰል ድንግል ማርያም ዝኽሪ ልደታ ኣብ ሓያሎ ኣድባራት ሃገርና […]

ዓመታዊ ክብረ በዓል ልደታ ለማርያም ዓዲዜኑ