ብማርያም ናብ ኢየሱስ


ብማርያም ናብ ኢየሱስ

+ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ሊቀጳጳሳት ዘበኣሥመራ

 

ፍቁራትን ፍቁራንን መንእሰያት፡

ሎም ዘመን ብሓቂ ዓመትኩም እያ! ኣብ ልዕሊ እዚ ብ24 መጋቢት ንደብረ ማርያም ፋጥማ እተገብርዎ ዘሎኹም ርእሰ ኤጳርቅናዊ ንግደት፡ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ፋሲካ እውን ብሃገር ደረጃ መዓልቲ መንእሰያት ተባሂላ ብጳጳሳትኩም ተመዲባትልኩም ኣላ። ከምኡ’ውን ራብዓይ ሰንበት ናይ ትንሣኤ ከኣ መዓልቲ ጸዋዕታ ክህነት እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ንዝመጽእ ወርኂ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖዶስ እውን፣ ጳጳሳት ዓለም፣ “መንእሰያት፣ እምነትን ምልላይ ጸዋዕታን” ንዝብል ቴማ ኣብ ሮማ ክዝትዩሉ እዮም። ኣብ ወርኂ ጥሪ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2019 ከኣ ኣብ ሃገረ ፓናማ (ማእከላይ ኣመሪካ) ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝምራሕ ጉባኤ መንእሰያት ብዓለም ደረጃ ክካየድ እዩ። ስለዚ እዛ ዓመት እዚኣ ብሓቂ ዓመትኩም እያ። እዚ ኵሉ ብዛዕባኹምን ምእንታኹምን ዝካየድ ጉባኤታትን ዓውደ መጽናዕትን ድማ ምስ ኢየሱስ ብዝበለጸ ምእንቲ ክትራኸቡን ምስኡ ምእንቲ ክትተዓራረኹን ንኣኡ ምእንቲ ክትስዕብዎን ክትመስልዎን እዩ። እዚ ኵሉ ንምግባር ግን ብማርያም ናብ ኢየሱስ ዝብል ጭርሖን መምርሕን እንተተኸተልኩም ርክብኩም ስሉጥን ርግጸይናን ይኾነልኩም። ካብ እግዝእትነ ማርያም ንላዕሊ ንኢየሱስ ዝቐረቦን ዝፈለጦን ዘፍቀሮን ዝሰዓቦን የልቦን። ስለዚ ብኣኣ ጌርኩም ናብ ወዳ እንተቐረብኩም “ኣብ ሕይወትኩም ክቐንዓኩም፡ ክትዕወቱ፡ ሓሳብ ልብኹም ክፍጽመልኩም እንተደሊኹም፡ ንሱ ዝብለኩም ኵሉ ግበሩ” እያ እትብለኩም። ከምቲ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብርሃን ኣሕዛብ ዝብለና፣ “ብፅዕቲ ድንግል ማርያም ምስ’ቲ ካብ ዘለዓለም ዝተወሰነ ተሠግዎተ መለኮታዊ ቃል፡ ብመለኮታዊ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብዚ ምድር’ዚ ኣደ እቲ መለኮታዊ መድኃኒ ኮይና፣ ልዕሊ ኵሎም ሰባት ለጋስ ተኃባባሪትን ትሕቲ ኣገልጋሊትን ጐይታ ዝኾነት እኖ ኣምላኽ እያ። ንሳ ንክርስቶስ ወለደቶን ሓጸነቶን ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣቕረበቶ፣ ምስቲ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ዝሞተ ወዳ ተሳቐየት። ብምሉኡ ፍሉይ ብዝኾነ መንገዲ ብተኣዝዞኣን ብእምነታን ብተስፋኣን በቲ ውዕዉዕ ፍቕራን ንነፍሳት መልዕልተ ባኅርያዊ ሕይወት ንምሃብ ኣብ ዚግበር ስራሕ መድኃኔ ዓለም ተሓባባሪት ኮነት። በዚ ምኽንያት’ዚ ብመደብ ጸጋ ኣዴና እያ” (ብርሃን ኣሕዛብ ቊ. 61)። ካብዚ ዝበልጽ መንገዲ ከኣ የብልናን።

ብማርያም ናብ ኢየሱስ ክንብል ከሎና፣ ከምቲ መዝገበ ሃይማኖትና እውን ዝብሎ ነቲ ናይ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንጎይናነትን ዓራቕነትን የራጕዶ ደኣ እምበር ዘጒድሎ ኣይኮነን። “እዚ ናይ ማርያም ኣደ ደቅሰብ ምዃን፣ ንናይ ክርስቶስ ፍሉይ መንጎይናነት (ወይ ዓራቕነት) ዘህስሶ ወይ ዚድምስሶ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ኣጸቢቑ ዘደልድሎን ዘሓይሎን እዩ። እንተኾነ እዛ ድንግል እዚኣ፣ ኣብ ልዕሊ ደቅሰባት ዘለዋ ድኅነታዊ ጽልዋ—ካብ’ቲ ናይ ክርስቶስ ምልኣት ጸጋ ዝፈሰሰ፣ ኣብ’ቲ ናቱ መንጎይናነት ዝተሠረተ፣ ፈጺሙ’ውን ኣብኡ ዚምርኮስን፣ ኵሉ ኃይሉ ካብኡ ዚረክብን እዩ” (መ.ሃ.ቊ. 970)። ኣብ ቃና ዘገሊላ እቶም ሰብ ውራይ ኣብ ጸገም ምስ ተረኽቡ ኣዴና ማርያም ቀልጢፋ ንወዳ “ወይኒ እምበር የብሎምን በለቶ”፣ ቀጺላ ነቶም ተዓጠቕቲ ዳስ ከኣ “ንሱ ዝብለኩም ኩሉ ግበሩ” (ዮሓ. 2፡3.5) በለቶም እሞ ብኣማላድነት እኖና ማርያም ዓብይ ተኣምር ተፈጸመ፣ ማይ ናብ ወይኒ ተለወጠ፣ ራህዋ ኮነ። ሽግር እቶም ሰብ ውራይ ተፈትሐ። “ኢየሱስ ነዚ ናይ መጀመርታ ተኣምራት እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ፣ ክብሩ ከኣ ገለጸ፣ ደቀ መዛሙርቱ’ውን ብእኡ ኣመኑ” (ዮሓ. 2፡11)።

ኢየሱስ ኣብ መስቀል ተንጠልጢሉ ምእንታና በጃ ኮይኑ ኪመውት ከሎ ኣብ ዝነበሮ ከቢድ እዋን “ኣቲ ሰበይቲ፣ እንሆ ወድኺ” (ዮሓ. 19፡26) ክብላ ከሎ፡ ብሓቂ ናይ ኲላቶም ሰዓብቱ ኣደን ኣማላዲትን ክትከውን ከምዝደለያ የረጋግጸና። ቀጺሉ ነቲ ዝፈትዎ መንእሰይ ወዲ መዝሙሩ “እንሃ ኣዴኻ” (ዮሓ. 19፡27) ክብሎ ከሎ እውን ንነፍስ ወከፍ ተኸታሊኡ “ነደይ፡ ኣዴኻ እንተ ገበርካያ፡ ብቐሊሉ ምሳይ ክትራኸብ ናባይ ክትመጽእ ትኽእል” ዝብሎ ዘሎ እዩ ዝመስል። ነዚ ንምርግጋጽ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ “እቲ ወዲ መዝሙር’ውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ” (ዮሓ. 19፡27) ይብለና። ካብኡ ንደኃር ንወትሩ ኣዲኡ ገበራ ማለት እዩ። ስለዚ ብማርያም ናብ ኢየሱስ ይበጽሕ ከምዝነበረ ይገልጽ።

ፍቁራትን ፍቁራንን መንእሰያት፡ እግዚኣብሔር ይፈትወኩም እዩ፡ ኢየሱስ የፍቅረኩም እዩ፡ ማርያም ትፈትወኩም እያ፣ ቤተክርስትያን ኣዴኹም እውን ትፈትወኩም ምዃና ተረጋገጹ። እኳ ደኣ፣ ቤተክርስትያንስ ተስፋኣ ኣባኻትኩም እያ ኣኅዲራ ዘላ። ኣብ ወርኂ ጥቅምቲ 2012 ዝተኻየደ “ሓዲስ ስብከተ ወንጌል፣ ንምትሕልላፍ እምነት ክርስትና” ብዝብል ኣርእስቲ ዝዘተየ ሲኖዶስ ጳጳሳት ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ኣብ ኵነታት መንእሰያት ናይ ሎሚ ዘመን ዓብይ ተገዳስነት ከምዝነበሮ ገሊጹ እዩ። ኣብ መደምደምታ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ዝወጸ መልእኽቶም እቶም ጳጳሳት ብፍላይ ናብ መንእሰያት ኣተኲሮም፣ “መንእሰያት ሎሚ ኮነ ጽባሕ ኣብ ሕዝብን ቤተክርስትያንን እቶም ዝበዝኁ ጉጅለ ስለዝኾኑ ንኣና ፍሉይ ክብሪ እዮም። ኣቡናት ኵነታት መንእሰያት ኪሓስቡ ከለው ፈጺሞም ተስፋ ኣይቆርጹን እዮም። እወ ዘሻቕል እዩ፣ ግና ተስፋ ዘቚርጽ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ናይ ጊዜና ፈተና ብልክዕ ኣብ መንእሰያት ስለዝኾነ የተሓሳስበና እዩ። እንተኾነ ተስፋ ኣይንቆርጽን ኢና። ምኽንያቱ ልዕሊ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ታሪኽ ዝንቀሳቐስ ፍቕሪ ክርስቶስ ጥራይ ስለዝኾነ፣ ኣብ መንእሰያትና ድማ ነቲ ክርስቶስ ብቑዕ ምላሽ ዝህበሉ ቅንዕና፣ ሓቂ ናጽነት፣ ልግሢ ናይ ምድላይ ዓሚቝ ባህጊ ከምዘሎ ስለእንፈልጦ ተስፋ ኣይንቖርጽን ኢና” ድሕሪ ምባል እቶም ጳጳሳት ቀጺሎም ናይ ሎሚ መንእሰያት ከመይ ዝበለ ደገፍ ከምዘድልዮም ብከምዚ ዝስዕብ ኣባታውን ዘበራትዕን ሓልዮት ይገልጹ። “ንሕና፣ መንእሰያት ነዚ ነገራት እዚ ከናድዩ ከለዉ ክንድግፎም ኢና ንደሊ። ማኅበራትና ድማ ጽን ኢለን ክሰምዓኦም፣ ምስኣቶም ክዛተያን፣ ነቲ ከቢድ ኩነታት መንእሰያት ብግልጽን ብዘይዕቃበን ምላሽ ክህባሉን ነተባብዕ። ማኅበራትና ነቲ ኃይሊ ባህጎም ኪጸቕጣኦ ዘይኮነስ ኪጥቀማሉ ኣንጻር እቲ ኃይልታት ዓለም ምእንቲ ረብሓኦም ኢሎም ነቲ ናይ ዝሓለፈ ጽቡቕ ተዘክሮን ነቲ ናይ ጽባቐ ቅኑዕ ራእይን ብምምንዛዕ ቀስ እናበሉ ናይ መንእሰያት ጉልበት ዘዳኽሙን ስምዒቶም ዘጥፍኡን ዘለዉ ኪቃለሱ ኢና ንደሊ” ይብሉ።

ጠባይን ትጽቢትን መንእሰያት ናይ ዘመንና፥ ብምስትውዓል እቶም ኣቡናት እንደገና፣ ዝሰምዖምን፡ ዘተባብዖምን፡ ዝሕግዞምን፡ እንተረኺቦም መንእሰያት ክንደይ ንፉዓትን ውፉያትን ከምዝኾኑ በዚ ዝስዕብ ቃላቶም የረጋግጹ። “ሕይወት መንእሰያት ዓብይ ምስትውዓል ዝሓትት ግና ከኣ ተስፋ ዝህብ ናይ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ግራት እዩ። እዚ ከኣ ካብቲ ብዙኃት መንእሰያት ዝሰሓበ ከም ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ዝኣመሰለ መደብ ጀሚርካ ክሳብ እቲ ብሕቡእ ዝካየድ ግን ከኣ ኃይሊ ዘለዎ ናይ መንፈሳውነትን፡ ኣገልግሎትን ተልእኾን ተመክሮታት ተረጋጊጹ እዩ። ቅድሚ ኵሉን ልዕሊ ኵሉን ነቲ ናቶም ዓለም ኣብ ምምስካር ናይ መንእሰያት ንጡፍ ኣበርክቶ ኪፍለጥ ዘለዎ እዩ” (መበል 13 ስሩዕ ሲኖዶስ ጳጳሳት፡ መልእኽቲ ናብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ቊ. 9)።

ብማርያም ናብ ኢየሱስ ክትበጽሑ እንተ ኮይንኩም ግን ንስኻትኩም’ውን ብወገንኩም ክትዕጠቑ የድሊ። ኢየሱስ ኮነ ማርያም ንዝሕግዞም እዮም ክሕግዙ ዝደልዩን ዝኽእሉን። እምበኣር መንእሰይ ሎሚ፣ ወዲ ተባዕታይ ኮነ ጓለንስተይቲ ብዕቱብ ክገብሮም ካብ ዘለዎ-ዘለዋ ሓድሓደ ነጥብታት ከመልክተልኩም ደስ ይብለኒ።

እቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርኂ ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ጉባኤ (ሲኖዶስ) ጳጳሳት ብዛዕባ “መንእሰይ፣ እምነትን ምልላይ ጸዋዕታን” ዝብል ኣርእስቲ እዩ ክዝቲ። መጀመርያ እምበኣር እቲ ኣርእስቲ ንጉዳይ መንእሰይ ናይ ሎሚ ዘመን ዝምልከት እዩ። ኣብቲ ንሠለስተ ሰሙን ዝካየድ ጉባኤ፥ መንእሰይ ሎሚ ከመይ ኣሎ? እንታይ እዩ ትጽቢቱ-ሕልሙ? እምነቱ ከመይ ኣላ? ጸዋዕታኡ ከለሊ-ከተለሊኸ እንታይ ይገብር? ንዘጋጥሞ-ማ ዘሎ ብድሆታት ከመይ ይፈትሖ/ትፈትሖ? ቤተክርስትያንከ ንመንእሰይ እንታይ ደገፍ ትህቦ? ኣብ ስድራቤት፥ ኣብ ቊምስና፥ ኣብ ቤት ትምህርቲ፥ ኣብ ስራሕ ዘጋጥሞ ጸገማት ንምፍታሕ እንታይ ሓገዝ የድልዮ? ወዘተ. ዝብሉ ሕቶታት ክፍተሹን መልሲ ክድለየሎምን እዩ። ንሕና ከኣ ብወገንና ነዞም ሕቶታት መልሲ ክንህበሎም ክንፍትን ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ቀጺለ ነቶም ኣብ ምምላስ ይሕግዙኹም ዝበልኩዎም ኣገደስቲ ነጥብታት (ምስማዕ፣ እምነት፣ ሓጐስ፣ ጸዋዕታ፣ ፍቕርን ርኅራኄን) ኣቕርበልኩም ኣሎኹ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወትኩም ዝሕግዝኹም ሓሳባት ክትረኽቡሎም ከኣ ተስፋ እገብር።

1) ነቒሕካ ጽን ኢልካ ምስማዕ።

እግዚኣብሔር ወትሩ ምስተዛረበ እዩ። ስለዚ መጀመርያ ነቲ እግዚኣብሔር ዝብለካ ጽን ኢልካ ምስማዕ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ። እቲ ብሓቂ ክሰምዕ ዝደሊ ከኣ ጽሞና ይፈቱ፣ ኵሉ ኣእምሮኡን ልቦናኡን ጠርኒፉ ንድምጺ ኣምላኽ ጽን ይብል፡ የስተውዕል። ነቲ ዝሰምዖ ክፍጽም ከኣ ከም ኣዴና ማርያም፣ “እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፣ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” (ሉቃ. 1፡38) ይብል። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ሓቀይና ምስማዕ ንእግዚኣብሔር ምእዛዝ ወይ ፍቓዱ ምፍጻም ማለት እዩ። ንኣብነት እቲ ኢየሱስ ብፍሉይ ዘፍቀሮ ወዲ መዝሙር ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ነቶም ድልዱላት መንእሰያትን ኣጕባዝን ክጽሕፍ ከሎ ነዚ ዝስዕብ ዓብይ ማዕዳ ይህቦም፣ “ኣቱም ኣጕባዝ ብርቱዓት ስለዝኾንኩምን ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለዘሎን፡ ነቲ እኩይ’ውን ስለ ዝሰዓርኩምዎን ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተፈተዋ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የብሉን። ከመይ ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወት ሥጋን ክፉእ ትምኒት ዓይንን ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን ካብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦ ኣይኮነን። ዓለምን እቲ ዅሉ ፍትወታን ኃላፋይ እዩ።

እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለዓለም ይነብር”(1ዮሓ. 2፡14-17)። ፍቓዱ ክንፍጽም ከኽእለና ከኣ ወትሩ ኣብ ጸሎት ክንጽመድ የድሊ። ከመይ ብኃይልና ጥራይ ኣይንኽእሎን ኢና።
ስለዚ፡ ከምቲ መጽሓፍ ኢሚታስዮ፡ (ንክርስቶስ ምምሳል) ዝብለና፣ ዝዓበየ ረብሓ ምእንቲ ክንረኽበሎም፣ ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ብእምነትን ብትሕትናን ብኽብርን ከነንብቦምን ንመልእኽቶም ክንሰምዕን የድሊ። “ንቅዱስ መጽሓፍ መንፈሳዊ ጠቕሚ ክትረኽበሉ እንተደሊኻ፣ ብትሕትናን ብገርህነት ልብን ብእምነትን ኣንብቦ እምበር ፈላጥ ምእንቲ ክትበሃል ኢልካ ኣይተንብቦ” (ኢሚታስዮ ቀዳማይ መጽሓፍ ምዕ. 5 ገጽ 27)።

2. እምነት ካብ ምስማዕ እያ
ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ “እምበኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፣ እቲ ዚስማዕ’ውን ቃል ክርስቶስ እዩ” (ሮሜ. 10፡17) ይብል። ስለዚ፣ መንእሰይ ልዕሊ ኵሉ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝመንጨወ ድልዱል እምነት ክህልዎ ኣለዎ። ኣብ ጥምቀትና ጸጋ እምነት ተቐቢልና ኢና። ደሓር ግን ብቃል ኣምላኽን ብምሥጢራትን ብጸሎትን ብሰናይ ግብርን እናኮስኮስና ክንከናኸናን ከነዕብያን ብዙኅ ፍረ ከምእትፈሪ ክንገብራን ኣድላዪ እዩ። ብሓቂ ከኣ ሓደ መንእሰይ “ምስ ኣምላኽ ከምዝተሓባበረ መጠን እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት” (ገላ. 5፡6) ንመላእ ሕይወት ወድሰብ እትልውጥ፣ ሓዳስ መምዘኒ ርድኢትን ተግባራትን ትኸውን (ሮሜ. 12፡2, ቆላ. 3፡9-10፡ ኤፈ. 4፡20-29፡ 2ቆሮ. 5፡17) ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ብ2012 ዓመተ እምነት ክኸፍቱልና ከለዉ ኣብ ዝጸሓፍዋ ዓዋዲት ሰነዶም ከምዚ ዝስዕብ ይብሉና፣ “ኣፍደገ እምነት” (ግሓ. 14፡
ንኣና ወትሩ ርሕውቲ እያ። እዛ ኣፍደገ እምነት እዚኣ ምስ ኣምላኽ ናብ ዚህልወና ሱታፌ ሕይወት ትመርሓና፣ ናብ ቤተክርስትያን ንምእታው ተኽእለና። ቃል ኣምላኽ ብወግዒ ምስ ተነግረና (ተበሠርና) ልብና’ውን በቲ ለውጢ ጸጋ ኣምላኽ ምስ ተሓደሰ፣ ሽዑ ናይ’ዛ ኣፍደገ እዚኣ ልዳት ምስጋር ይከኣል። በዛ ኣፍደገ ምእታው ማለት ንሕይወትካ ምሉእ ዚግበር ጕዕዞ ምጅማር ማለት እዩ። እዚ ከኣ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣቦ ኢልና ንኽንጽውዖ ብዘኽእለና ብጥምቀት (ሮሜ. 6፡4 ረአ) ዝጅምር ኮይኑ ብሞት ኣቢልና ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ብዚግበር ምስግጋር ይዛዘም። እዚ ዘለዓለማዊ ሕይወት’ዚ ናይ ትንሣኤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍረ እዩ” (ኣፍደገ እምነት ቊ. 1)።

“ምእማን” ማኅበረ ክርስትያናዊ (ናይ ቤተክርስትያን) ተግባር እዩ። እዛ እምነት ቤተክርስትያን ንናትና እምነት ስለእትቕድማ ንሳ እያ ነታ ናትና እትወልዳን እትድግፋን እትምግባን። ቤተክርስትያን ኣደ-ኵሎም ኣመንቲ እያ። በዚ እዩ ቅዱስ ቆጵርያኖስ “ንቤተክርስትያን ከም ኣዲኡ ዘይርእያ (ዘይቅበላ) ንእግዚኣብሔር ከም ኣቦኡ ክሓስቦ ኣይክእልን እዩ” (ቅ. ቆጵርያኖስ De unit. 6.PL 4,519)። እምነት ንድኅነትና ኣድላዪ እዩ። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ኣብ ወንጌሉ “እቲ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ኪድኅን እዩ፣ እቲ ዘይኣመነን ዘይተጠምቀን ግን ኪዅነን እዩ” (ማር. 16፡16) ኪብል ባዕሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ስለዚ ነፍስ ወከፍ መንእሰይ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያኑ ኮይኑ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ፥ “እምነተይ ኣብ መን ኣውዲቐዮ ከምዘሎኹ ስለዝፈልጥ ኣይኃፍርን እየ” (2ጢሞ. 1፡12)ክብል ክኽእል ኣለዎ። እምነት በቲ ሓደ ወገን ህያብ ኣምላኽ ስለዝኾነት “እምነት ወስኸና” (ሉቃ. 17፡5) ክንብል፣ በቲ ካልእ ከኣ፣ ንእምነትና ዘደልድል ስራሓት ክንፍጽም ኣድላዪ ይኸውን። እምነት ናይ ኲሉ ክርስትያናዊ ሕይወትናን ስራሕናን መሠረት እያ።

3. ወትሩ ሕጉሳት ምዃን

እግዚኣብሔር ክንሕጐስ እምበር ክንሓዝን ኣይፈጠረናን። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ብወንጌሉ ሕይወት ሓጐስን ድኅነትን እዩ ኣበሲሩና። እቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ ሓጐስ ግን ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን። ሓቀይና ሓጐስ ውሽጣውን ግዳማውን ሰላምን ቅሳነትን ዝህብ እዩ። እቲ ክርስቶስ ዘምጽኣልና ሰላም ናይ’ዚ ዓለም እዚ ኣይኮነን። “ሰላም እኃድገልኩም ኣሎኹ፣ ሰላመይ’ውን እህበኩም ኣሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን፣ ኣይትሸበሩ ኣይትፍርሁ” (ዮሓ. 14 27)።

ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮስ ኣብታ ወንጌል ፍስሓ ዘርእስታ ዓዋዲት ሰነዶም ምንጪ ሓጐስ መንእሰያት ንኢየሱስ ካብ ምርካብን ምፍላጥን ምኽታልን ከምዝመጽእ ኣነጺሮም ይገልጹ። “ታሕጓስ ወንጌል ንልብን ሕይወትን ናይ ኵላቶም ምስ ኢየሱስ ዝራኸቡ ሰባት ይመልእ። ምስ ኢየሱስ ታሕጓስ ቀጻሊ እዩ ዝውለድ” (ውፍ. 1)። ውፉይ ሕይወት ኣብ ዝብል ሓዋርያዊ ሰነዶም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ’ውን፡ “ብቀዳምነት፣ እግዚኣብሔር፡ ንሕይወት ደቅሰብ ምልኣት ትርጉምን ሕይወትን ይህቦ፣ እዚ ከኣ ሰብኡትን ኣንስትን ንእግዚኣብሔር ስለዝተፈጥሩ፣ ልቦም ከኣ ኣብኡ ክሳዕ ዝዓርፍ ዕረፍቲ-ቅሳነት የብሉን” (ውሕ. 377-486) ማለት እዩ። ኢሳያስ ነቢይ ንሕዝቢ እስራኤል “ኣቱም ንኢየሩሳሌም እተፍቅርዋ፡ ኵልኻትኩም ምስኣ ተሓጐሱ ብኣኣ ከኣ ደስ ይበልኩም። ኣቱም ዝኃዘንኩምላ ኵልኻትኩም፡ ተሓጐሱ፡ ምስኣ ዕልል በሉ። ከም ሕጻን ኣጥባታ ጠቢኹም ክትጸግቡን ክትጸናንዑን፡ ብብዝኂ ክብረታ ክፍሕሽወኩምን እዩ——” (ኢሳ. 66፡10-14) እናበለ እግዚኣብሔር ኣብ ዘለዎ ታሕጓስን ቅሳነትን ከምዝርከብ የረጋግጽ።
ንኢየሱስ ዝረኸቦ’ሞ ብእምነት ዝሰዓቦ ኵሉ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ መልእኽተይና እዩ (ር.ሊ. ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ)። ሓጐስና፥ ቅሳነትና ኣብ ምንታይ ኣንቢርናዮ ኣሎና? ዝብል ሕቶ ክንሓትት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሰብ ብዝተፈላለየ መንገድን ምኽንያትን ሓጐስ ክረክብ ይፍትን። እንተኾነ ብዙኅ ጊዜ ብዘይ እግዚኣብሔር ስለዝደልዮ ኣይሰልጦን። “ከመይ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዚርከብ ሓዲሽ ፍጥረት እምበር ምግዛር ኮነ ዘይምግዛር ዚጠቕሞ የብሉን” (ገላ. 6፡15)። “ካብ ክፉእ ትምኒት ጕብዝና ህደም፥ ምስቶም ብንጹሕ ልቢ ንእግዚኣብሔር ዚጽውዕዎ ከኣ ኣሰር ኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ሰዓብ” (2ጢሞ. 2፡22)።
“እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ኬጸናንዖም፥ ንሽጉራቱ’ውን ኪምሕሮም እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት ዕልል በሉ፥ ኣቲ ምድሪ ተሓጐሲ፣ ኣቱም ኣኽራን ዕልል እናበልኩም ዘምሩ” (ኢሳ. 49፡13)። “እቶም ንስኻ እግዚኣብሔር ዝተበጀኻዮም ኪምለሱ፥ ዕልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም። ዘለዓለማዊ ሓጐስ ርእሶም ኪኽልል እዩ፥ ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፣ ጓህን እህህታን ካብኦም ክሃድም እዩ” (ኢሳ. 51፡11)። “ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪነብር፥ ሓጐስኩም’ውን ምሉእ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ እዚ ነገርኩኹም” (ዮሓ. 15፡11)። “ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ለምኑ፥ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም” (ዮሓ. 16፡24)። “ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ፥ ሓጐሰይ ኣብኣቶም ምእንቲ ኪፍጸም ድማ፡ እዚ ኣብ ዓለም እዛረብ ኣሎኹ” (ዮሓ. 17፡13)። ሓጐስ ፍረ ናይ መንፈስ ቅዱስ እዩ (ገላ. 5፡22)። ሓጐስ ፍሉይ መለለይ መንግሥቲ ኣምላኽ እዩ (ሮሜ. 14፡17)። ሓቀይና ሓጐስ ብፈተናን ጸገማትን ትድልድል እምበር ኣይትዳኸምን እያ። “ሽሕ’ኳ ብብዙኅ ጭንቂ እንተተሳቐኹም፥ ነቲ ቃል በቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተረኽበ ሓጐስ ብምቕባልኩም ሰዓብትናን ሰዓብቲ ጐይታናን ኮንኩም” (1ተሰ. 1፡6)። “ኩሉ ሳዕ ተሓጐሱ፥ ከየቋረጽኩም ጸልዩ፥ ብዅሉ ኣመስግኑ፡ ከመይ ኣብቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎኩም ሕይወት፥ ኣምላኽ ዚደልዮ እዚ እዩ” (1ተሰ. 5፡16-18)። “ሽዑ ከም ድምጺ ብዙኅ ሰብን፡ ከም ደሃይ ብዙኅ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝብል ሃሌ ሉያ! እቲ ንዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ነጊሡ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱ’ውን ተዳልያ ኣላ፥ ስለዚ ንተሓጐስ ባህውን ይበለና፥ ንኣኡ ድማ ክብሪ ንሃቦ” (ራእ. 19፡6-7)።

4. ሓቀይና ጸዋዕታኻ ምልላይ፡

መንእሰይ ማለት ገና ዝዓቢ ዘሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ ሕይወቱ ዝምርምር ተጐዓዚ ሰብ እዩ። ስለዚ በየናይ ጸዋዕታ ወይ መንገዲ ንክርስቶስ ዝኽተሎን ዘገልግሎን ክምርምርን ከለልን ክጽዕር ኣለዎ። ብቃል ኪዳንዶ ወይስ ብክህነት ወይስ ብድንግልና ክነብር እዩ ተጸዊዑ? ጸዋዕታ ክቡር እዩ። ስለዚ ብተገዳስነትን ብእምነትን ጸዋዕታና ክነለሊ ክንጽልን ክንማኸርን ኣሎና። በቲ ኢየሱስ ዝደልዮ መንገዲ እንተተጐዓዝካ ሕጉስን ዕዉቱን ሕይወት ክትነብር ትኽእል ማለት እዩ። እቲ መንእሰይ ናብ ኢየሱስ መጺኡ፥ “ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክረክብ እንታይ ክገብር ኣሎኒ” ቢሉ ምስ ሓተቶ፣ ኢየሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፥ “ሓንቲ ጐዲላትካ ኣላ፥ ኪድ ዘሎካ ኵሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፥ ኣብ ሰማይ ድማ ሃብቲ ክትረክብ ኢኻ እሞ (መስቀልካ ተሰኪምካ) ነዓ ሰዓበኒ” በሎ። ንሱ ግና ብዙኅ ጥሪት ስለዝነበሮ በዚ ቃል እዚ ኃዘነ፡ እናጐሃየውን ከደ” (ማር. 10፡21)። ጸዋዕታኻ ምልላይ ቀሊል ነገር ኮይኑ ክረኣየና የብሉን። መንፈስ ቅዱስ ከብርሃልና ክንልምን ምስ ኣቦ ነፍስና ክንማኸር ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ኢየሱስ ባዕሉ “ኣነ እየ ዝኃረኹኹም እምበር ንስኻትኩም ኣይኃረኹምንን” (ዮሓ. 15፡16) ክብል ከሎ ንሱ ጥራይ እዩ መንገድና ክሕብረና ዝኽእል እምበር፣ ንበይንና ከምዘይንኽእሎ የረድኣና። “ብጀካይ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” (ዮሓ. 15፡5)። በዚ ምኽንያት እዩ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ጸዋዕታኡ ምስተረጋገጸ “ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘሎኹ” (ገላ. 2፡20) ክሳዕ ምባል ዝበጽሐ።
ምእንትዚ፣ ኢየሱስ ካባና እንታይ ከም ዝደሊ፣ ከመይ ከነገልግሎ ከምዝደሊ ክንፈልጥ ክንጽዕር ኣሎና። እንተዘይኮነ ከም ማርታ ኣተኵሮና ኣብቲ ዘየድሊ ነገራት ክዓልብ ይኽእል ኣዩ። “ማርታ ማርታ፡ ብብዙኅ ነገር ትጭነቕን ትስህርን ኣሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ነገር ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ካብኣ ዘይውሰድ ሠናይ ግደ ኃርያ ኣላ” (ሉቃ. 10፡42)። “ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተደኣ ኣሎ ኮይኑ፡ ንሱ ሓዲሽ ፍጥረት እዩ” (2ቆሮ. 5፡17)። ንሓቂ ኣብ ምድላይ ከነዕርፍ ወይ ክንዛነ ኣይግባእን። ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከምዝብሎ ንእግዚኣብሔር ኢና ተፈጢርና፡ ኣብኡ ክሳዕ ንዓርፍ ከኣ ሓቀይና ነባሪ ዕረፍቲ ኣይንረክብን ኢና።
መንእሰያት ሓቅን ፍትሕን ትፈትዉ ኢኹም። ብዝከኣለኩም መጠን ከኣ ክትደልዩዋን ክትስዕብዋን ኣሎኩም። እንተኾነ ሓቂ’ውን ብቐሊሉ ኣይትርከብን እያ። ፍትሒ ከኣ ዝገደደ! ስለዚ ሓገዝ ናይ መንፈስ ቅዱስ ናይ ግደን የድልየና እዩ። ባዕሉ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንመንፈስ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ ወይ መጸናንዒ ኢሉ ይጽውዖ፥ “ኣነ ከኣ ንኣቦ ክልምኖ እየ፥ ንሱ ድማ ንዘለዓለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኪህበኩም እዩ። ንሱ ከኣ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ብምዃና ክትቅበሎ ዘይትኽእል መንፈስ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዚኃድር ኣባኻትኩም’ውን ዚነብር ስለዝኾነ ትፈልጡዎ ኢኹም” (ዮሓ. 14፡16-17) ይብለና። “ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ትዕግሥቲ፡ ልግሲ፡ ሕያውነት፡ እሙን ምዃን፡ ርእስኻ ምግታእ እዩ” (ገላ. 5፡22)። ንሕና ዓደልቲ እምበር ተቖጻጸርቲ ጸጋ እግዚኣብሔር ኣይኮናን (ር.ሊ. ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፣ ወንጌል ፍስሓ ቊ. 47)።
5. ፍቕርን ርኅራኄን መለለይኹም ይኹን
ፍቁራትን ፍቁራንን መንእሰያት፡ ኣብ መጨረሽታ ክብለኩም ዝደሊ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ፍቕሪ ብጻይን መለለይኹም ይኹና። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን “ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ ኣነውን ኣፍቂረኩም እየ፣ ኣብ ፍቕረይ ንበሩ” (ዮሓ. 15፡9) እናበለ እዩ ነዚ ዓቢይ ለበዋ ገዲፉልና።
መንፈሳውያን ማኅበራትኩምን ቊምስናታትኩምን ናይ ፍቕርን ኅብረትን ምትሕግጋዝን ማእከላትን መናሃርያታትን ክኾና ኣለወን። ማኅበር እታ ቀዳመይቲ ትእመን ብሥራተ ወንጌል እያ። “ዘይሕጉስትን፣ ስምምዕ ዘይብላን ማኅበር፡ ትመውት ዘላ ማኅበር እያ። ሕጉስቲ ማኅበር ህያብ መንፈስ ቅዱስ እያ። ሥጋኡን ደሙን እትምገብ ማኅበር ኣብ መኣዲ ወልደ እግዚኣብሔር ተኣኪባ ብቓሉ ተመሪሓ ጉዕዞ እምነት እትካፈል ማኅበር ኅውነት እያ (ር.ሊ. ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ)። ሕያውነት ቅዱስ ቁርባናዊ ሕያውነት ንኣና’ውን ኣዝዩ ይጠቕመና እዩ። ከም መደምደምታ እዛ መልእኽተይ እምበኣር ነታ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝደረሳ ዓባይ ማኅሌት ኣቕርበልኩም። መዓልቲ መዓልቲ መምርሒ ሕይወትኩምን መምርሒ ስራሕኩምን ትዅነልኩም።

“ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን እያ፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን እያ፡ ኣይትዕበን እያ። ፍቕሪ ስዲ ኣይኮነትን፣ ንኣይ ይጥዓመኒ ብዚብል ኣይትምራሕን እያ። ፍቕሪ ኣይትቝጣዕን፡ ኣይትቕየምን እያ። ብሓቂ ትሕጐስ እምበር ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ፍቕሪ ንዅሉ ትጸውር፡ ንኹሉ ትኣምን፡ ብዅሉ ድማ ተስፋ ትገብር፣ ንዅሉ ትዕገሥ” (1ቆሮ. 13፡ 4-7)።

ወትሩ ብማርያም ናብ ኢየሱስ የብጽሓና! ኣሜን።

+ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ሊቀጳጳሳት ዘበኣሥመራ