ኦ ማርያም! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ’ሞ፣ ኣይትፍርሒ -2018


ኦ ማርያም! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ’ሞ፣ ኣይትፍርሒ!

ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ኣባ ፍራንቸስኮስ

መልእኽቲ ንመበል 33 ዕለት መንእሰያት ዓለም (11 የካቲት 2018)

(ትርጒም፦ ኣባ ግርማይ ኣብርሃ፣ ዘማኅበረ ሲታውያን)

ኦ ማርያም!! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ’ሞ፣ ኣይትፍርሒ!

ፍቁራን መንእሰያት!

እቲ ብ2018 ዓ.ም.ፈ. ዚኸብር ዕለት መንእሰያት ዓለም፣ ኣብ ፓናማ ብወርሒ ጥሪ 2019 ንዚኽበር ዕለት መንእሰያት ዓለም ንምስንዳው ሓደ ስጒሚ እዩ። እዚ ናይ ንግደትና ሓድሽ መድረኽ ድማ፣ “መንእሰያት፦ እምነትን ናይ ጸዋዕታ ምልላይን” ብዚብል ኣርእስቲ፡ በቲ ዓመት’ቲ ምስ ዚካየድ ሥሩዕ ኣኼባ ሲኖዶስ ኣቡናት ይገጥም ኣሎ። ጽቡቕ ኣጋጣም እዩ። ምእንት’ዚ ከኣ ናይ ቤተክርስትያን ኣተኲሮን ጸሎትን ኣስተንትኖትን ኲሉ ናባኻትኩም መንእሰያት ዘቕንዐ ኪኸውን እዩ፤ ንስኻትኩም ንኣምላኽ ኮነ፡ ንቤተክርስትያንን ንዓለምን፡ ሓደ ብሉጽን ምሩጽን ህያብ ብምዃንኩም፣ ነዚ ብሉጽ ህያብ ንምቕባልን ንምሕቋፍን ምስ ዘሎ ባህጊ እዩ።

ድሮ ተገንዚብኩምዎ ከምዘሎኹም ኣብ’ዚ ንግደትና፣ ብኣብነትን ኣማላድነትን ማርያም ዝተሰነና ክንከውን መሪጽና ኣሎና። እዛ ጓል ናዝሬት መንእሰይ ሰበይቲ፣ ኣደ ወዱ ንኽትከውን ኣምላኽ ዝሓረያ ሰብ እያ። ንሳ’ምበኣር ምሳና ኾይና ናብ’ቲ ሲኖዶስ ኮነ፡ ናብ’ቲ ኣብ ፓናማ ዚኽበር ዕለት መእሰያት ዓለም እትጐዓዝ እያ። “እቲ ሓያል ዓበይቲ ነገራት ገይሩ ኣሎ” (ሉቃ 1፡49) ብዚብል መዝሙር ውዳሴኣ ተመሪሕና፣ ነቲ ዝሓለፈ ንኽንዝክር ካብኣ ተማሂርና፣ በዚ መንፈስዚ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ሰጊርናዮ እንተኾይንና፣ በዚ ዓመት’ዚ ድማ “ኦ! ማርያም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺሞ ኣይትፍርሒ!!” (ሉቃ 1፡30) ንዚብል መጸዋዕታኡ ምላሽ ንምሃብ፣ ጸጋን ትብዓትን ንዚህብ ድምጺ-ኣምላኽ፡ ምስ ማርያም ኮይንና ጽን ኢልና ኣብ ምስማዕ ከነሕልፎ ተዓዲምና ኣሎና። እዘን ቃላት’ዚኣተን እተን ገብርኤል ሊቀመላእክት፡ ልኡኽ ኣምላኽ ኮይኑ ንማርያም፡ ኣብታ ንእሸተይ ዓዲ ናይ ገሊላ ንእትነብር ትሕቲ ጓል ዘስመዐን ቃላት እየን።

1. ኣይትፍርሒ!

ከምዚፍለጥ እቲ ሃንደበት ዝኾነ ናይ’ቲ መልኣኽ ምምጻኡን፣ “ሰላም ነኣኺ ይኹን! ጸጋ ዝመልኣኪ ኣምላኽ ምሳኺ’ዩ” (ሉቃ 1፡28) ዚብል ምሥጢራዊ ሰላምታኡን፣ ንማርያም ኣዝዩ ከናውጻ ተረኺቡ። ምኽንያቱ እቲ ክሳብ ሽዑ ዘይፈለጠቶ ናይ መንነታን ተልእኮታን ግልጸት ዝተፈጸመ ሽዑ ንፈለማ ጊዜ ነበረ። ከም’ቶምኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እንረኽቦም ካልኦት ኲሎም፣ ማርያም’ውን እንተኾነት ምስ’ዚ ምሥጢራዊ መጸዋዕታ ኣምላኽ ምስ ተጠማመተት፣ ብፍርሃትን ረዓድን እያ ዝተወርሰት። ምኽንያቱ ኸኣ በታ ሰዓት’ቲኣ ኣምላኽ ነቲ ዘይልካዕ መደቡ ኣግሂዱ፣ ንሳ’ውን ትሕቲ ፍጥረትን ኢምንትን ምዃና ዝተረደኣትሉ ጊዜ ነበረ። ነቲ ኣብ መዓሙቚ ልባ ዚኸውን ዝነበረ ዘስተውዓለ መልኣኽ ድማ “ኣይትፍርሒ!” በላ። ኣምላኽ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልባትና ዚኸውን የንብቦ እዩ። ኣብ ጒዕዞ ሕይወት ዘጋጥመና በዳሂ ኩነታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ’ዚ ዓለምዚ ንእንሕዞ መንነትና፣ ወይ ንእንፍጽሞ ተግባራትና ንዚውስን መሠረታዊ ምርጫታት ኣብ እንገብረሉ ኹሉ ንዘጋጥመና ሃለዋት ኣምላኽ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። እዚ ድማ ብዛዕባ መጻኢና ኮነ፡ብ ዂነታት ሕይወትና ወይ ብጸዋዕታና ንምውሳን ኣብ እንግደደሉ ጊዜ ዚስመዓና ሃንደበታዊ ነውጺ እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ እዋናት ብፍርሃትን ረዓድን ክንውረስ ንቡር እዩ።
ንስኻትኹም መንእሰያትከ ከመይ ዝበለ ፍርሃት’ዩ ዘሎኩም? እቲ ኣብ ሕይወትኩም ብዕምቈት ዘስግኣኩምን ዘጨንቐኩምንሲ እንታይ እዩ? ኣብ መብዝሕትኹም ዚረአ፡ መሠረታዊ ዝኾነ ፍርሒ ወይ ስግኣት፣ ፍቕሪ ምስኣን፣ ከም’ቲ ዝኾንካዮን ዘሎኻዮን ዚቕበለካን ዘፍቕረካን ብዘይምርካብ ፍርሕን ስግኣትን የሓድረኩም። ሎሚ ከም ሎሚ ብዙሓት መንእሰያት መንነቶም ሓቢኦም፣ ካልእ ኪኾኑ ዚግደዱሉ፣ኪጭበጥ ዘይከኣልን፡ ባሕርያዊ ዘይኮነን ደረጃ ኪሕዙን፡ ካልእ ኪመስሉን ዚጽዕሩሉ እዋን እዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ምስልታቶምን ሓሳዊ መንነቶምን ብምሕባእ፣ ቀጺሎም “ስእሎም” ብምልውዋጥ፡ ዘይንሳቶም ወይ “ዝተተምየነ” መንነት ኪለብሱ ይረኣዩ። ብዙሓት ድማ ንገለ “መሲልካ” ክትረአ ብዚብል ሓሳብ ዝተወጠሩ እዮም። ካብ ከም’ዚ ዝበለ “ኣይብቑዕን’የ” ዚብል ስምዒትን ርድኢትን ከኣ፣ በብዓይነቱ ፍርሃትን ዘይርግጽነትን ኣምሰሉነትን ይምዕብል። ካልኦት’ውን እንተኾኑ ብስምዒቶም ርግጽነት ወይ ውሕስነት ኪረኽቡ ከምዘይኽእሉ ብምሕሳብ ከይንጸሉ ይፈርሑ። ብዙሓት ወገናት ብናይ ስራሕ ዝመጽአ፡ ርግጽነት ዘይብሎም ንሞያኦም ዚበቅዕ ቦታ ስራሕ ምርካብን፣ ሕልሞምን ባህጎምን ዚፍጸመሉ ኩነት ዚረኽቡን ዘይረኽቡን ብምሕሳብ ኣብ ፍርሃት ይወድቁ። በዚ ሎሚ ጊዜ ኣዝዮም ብዙሓት ዝኾኑ ኣመንትን ዘይኣመንትን መንእሰያት ኣብ ፍርሓት ተሸሚሞም ይርከቡ። እቶም ጸጋ እምነት ዝተዓደሉን፡ ጸዋዕታኦም ብዕቱብ ዚኽተሉን’ውን ከይተረፉ፣ ካብ’ዚ ፍርሃት’ዚ ኣየምለጡን፣ መን ይፈልጥ ኣምላኽ ብዙሕ እዩ ዚሓተኒ፣ ወይ ድማ ኪሓተኒ ይደሊ ይኸውን፣ንዝሓንጸጸለይ መገዲ ክኽተል ደኾን ይደልየኒ? በሓቂ በኣኡ እንተዘይተሓጐስኩኸ? ወይ ከኣ ነቲ ካባይ ዚደልዮክፍጽም እንተዘይከኣልኩኸ እንታይ ይፍለጥ ዚብሉኣለዉ። ገለ ኸኣ ነቲ ኣምላኽ ዝሓበረለይ መንገዲ ሒዘ እንተኸድኩ ክሳብ መወዳእታ ከምዝቕጽልስ መን’ዩ ውሕስነትን ርግጽነትን ኪህበኒ ዚኽእል? ኣብ መንጎኡደኾን ተስፋ እቘርጽ? ድልየት ደኾን እስእን? ክሳብ መወዳእታ ንምሉእ ሕይወተይ ክጸንዕዶ እኸውን?

ልባትና ብኸም’ዚ ዝበለ ፍርሃትን ስግኣትን (ጥርጣረን) ኣብ ዝተሓመሰሉ፣ ሽዑ በሓቂ ተኵርና ክንጥምትን ክንመምን ከድልየና እዩ። እዚ ትኩር ጠመተ ድማ ነቲ ኣብ ተበታቲኑ ዚርከብ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ስርዓትን መልክዕን ኣትሒዙ፣ ጥበብ ብዝመልኦ ቅኑዕ ኣገባብ ንምስራሕ ከኽእለና እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ መስርሕ’ምበኣር ፍርሃት ንምስዓር እቲ ቐዳማይ ስጉሚ ነቲ ዘፍረሃካ ፈሊኻን ኣለሊኻን ምኽኣል እዩ፤ ስለ’ዚ ከኣ ባዶን መልክዕ ብዘይብሉን ምትሃታዊ መንፈስ ኣንፈትካ ከይሰሓትካ፣ ጊዜን ጉልበትካን ከየጥፋእካ፣ ነቲ ዘፍረሃካ ቀልጢፍካ ከተለልዮየድሊ። ስለ’ዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ኵነታት ተኵርኩም ብምጥማት፣ ነቲ ፍርሃትኩም ኣለሊኹም ኣነጺርኩም ናቱ “ስም” ሃብዎ፡ ፍለጥዎ። ኣብ’ዚ ፍሉይ ዝኾነ ናይ መደብ ሕይወተይ እዋን፣ እቲ ኣዝዩ ዘፍርሃንንዘስግኣንሲ እንታይ እዩ? ክትብሉ ንርእስኹም ሕተቱ፣ ንቕድሚት ካብ ምስጓም ዚኽልክለልን ዚዕንቅጸንንሲ እንታይ ወይ ኣየናይ እዩ? ክገብሮ ንዘሎኒ ኣገዳሲ ውሳኔን ናይ ሕይወት ምርጫን ንምግባር ስለምንታይ እየ ትብዓትን ቈራጽነትን ዝስእን ዘሎኹ? እናበልካ ምሕታት የድሊ። ነዚ ኣባኹም ዘሎ ፍርሃት ገጽ ንገጽ እሞ ብቅንዕና ብግልጽነት ንምግጣሙ ኣይትፍርሑ። ህላዌኡ ተኣሚንኩም ተቐቢልኩም’ውን ምስኡ ንምንባር፡ ብኸመይ ከም እትሕዝዎ (ከምእትኣልይዎ) ንምብልሓት ኣይትፍርሑ። ቅዱስ መጽሓፍ’ውን እንተኾነ ነዚ ናይ ሕይወት ወድሰብ ኣካል ዝኾነ ፍርሃትን በብዓይነቱ ጠንቅታቱን ከምዘሎ እዩ ዚቕበሎ። ኣብርሃም ፈሪሑ (ዘፍጥ. 12:10 ረአ) ያዕቆብ ርዒዱ (ዘፍጥ. 31፡31 32፡7 ረአ) ሙሴ (ዘጸ 2፡14 17፡4) ጴጥሮስ (ማቴ 26፡69 ረአ) ሓዋርያት’ውን (ማር. 4፡38-40 ፤ ማቴ 26፡56) ከምኡ ፈሪሆም፣ ምስ’ዚ ዘይመዛዘን እኳ እንተኾነ ኢየሱስ’ውን ፍርሃትን ረዓድ ከምዝወረዶ ይፍለጥ (ማቴ.26፡37 ሉቃ 22፡44 ረአ)።

“ስለምታይ ትፈርሑ? እምነት የብልኩምን ዲኹም? (ማር. 4፡40) ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከተባብዕ እንከሎ እቲ ንእምነት ዚዕንቅጽሲ ፍርሃት ደኣ’ምበር “ጥርጥር” ከምዘይኮነ የረድኣና። ምእንት’ዚ እምበኣር በዚ ርድኢት’ዚ በቲ ናይ መመያ መስርሕ ልብና ንሕይወት ከነርሑን፡ ኣብ መንገድና ንዘጋጥመና ብድሆታት ብህድኣት ንምግጣምን ዕድል ይህበና። ንፍርሃት ኣለሊና ንኽንስዕሮን ክንሰግሮን ከኣ የኽእለና። ብፍላይ ነኣና ንኽርስትያን እሞ ኸኣ ፍርሃትሲ፣ ኣብ ኣምላኽ ብዝበለጸ ንምእማንን፡ ንሕይወት ንምቕባልን ዕድል ዚኸፍተልና ደኣ’ምበር ናይ መወዳእታ ቓል ኪኸውን ፈጺሙ ኣይኽእልን። እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ህላዌ ብመሠረቱ ጽቡቕ ምዃኑ ምእማን፣ ናብ’ቲ መወዳእታ ሠናይ ዕላማኡ’ውን መሪሑ ከምዘብጽሐና ብምትእምማን፣ ኣብ መንጎ’ቲ ዘናውጸናን ዘጨንቐናን ኵነታት’ውን ክንኣምን ማለት እዩ። ንፍርሃት ኣብ ውሽጥና ኣዕቝብና ነሓንቅቖ እንተደኣ ኮይንና፣ ኣብ ውሽጥና ተዓጺና፣ ርእስና ካብ ኵሉ ኣብ ምክልኻል ጥራሕ ነድህብ፣ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ለሚስና ንተርፍ። ክንሰርሕ ክንቀሳቐስ ኣሎና፣ ተዓጺና ተዓምጺጽና ዘይምትራፍ!! እዚ “ኣይትፍራሕ!” ዚብል ቃል ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መጠን 365 ጊዜ ተደጋጊሙ ዘሎ ቃል እዩ፤ ብዝተፈላለየ መልክዕ ይቕረብ’ምበር፣ ነፍስወከፍ ዕለት ናይ’ታ ዓመት፣ ካብ ፍርሓት ሓራ ኮይንና ከነሕልፋ ድላይ ኣምላኽ ምዃኑ ዚመልክት ቃል እዩ።

ኣብ ሕይወት እትኽተሎ ጸዋዕታ ሃሰስ ክትብል ከሎኻ፣ መሚኻን ኣለሊኻን ምኽኣል ኣገዳስን ወሳንን እዩ። ብዙሕ ጊዜ እዚ መደብ ጸዋዕታና ንጹርን ግልጽን ኮይኑ ኣይረኣየናን ይኸውን፣ እኳ ደኣ ቀስ ኢልና በብስጉሚ እንርድኦን እንብበጽሖን ኪኸውን ዚከኣል እዩ። ኣብ’ዚ ከም’ዚ እምበኣር ውሽጣዊ ኵነትና ብዝበለጸ ንምርዳእ፣ ደልዲልና ሚዛናዊ ንምዃን ዚሕግዝ፣ ብውልቅና ናብ ውሽጥና እነኣትወሉ ተግባር ገቢርና ክንሓስቦ የብልናን። ብርግጽ እቲ ወይ እታ ሰብ ዝበርተዐን ዝጸንዐን ንምዃን ይሕግዞ ይኸውን፣ እንተኾነ ጋና ኣብ’ቲ ድሩት ርድኢቱን ዓቕምታቱን ጥራሕ ተሓጺሩ ኪተርፍ ዚከኣል እዩ። ጸዋዕታ ካብ ላዕሊ (ካብ ኣምላኽ) ዚመጽእ እዩ፤ ኣብዚ እምበኣር መመያ ማለት ነቲ ዚጽውዕ ዘሎ ካልእ ኣካል ወይ ወገን፣ ልብኻን ኵለንትናኻን ርሑው ተቐባሊ ምግባር እዩ። ኣብ ውሽጢ ሕሊናና ንዜቃልሕ ድምጺ-ኣምላኽ ንምስማዕ፣ ጸሎት ዝዓዘዞ ጽሙና ኪህልወና የድሊ። ከም’ቲ ኣብ ማርያም ዝገበሮ፣ ኣምላኽ ኣብ ልባትና’ዩ ዚዅሕኵሕ ዘሎ፣ ብጸሎት ገቢሩ ምሳና ምሕዝነት ኪተክል ይብህግ፣ ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ምሳና ኪዛረብ ይደሊ፣ ብምሥጢረ ንስሓን ዕርቅን ምሕረቱ ከወፍየልና፣ ብቅዱስ ቍርባን ድማ ምሳና ኪወሃሃድ ይደሊ። ምስ ካልኦት ዝኸማኻ ሰባት ክትላዘብን ክትራኸብን’ውን ኣድላይን ኣገዳስን እዩ። ንሳቶም ብእምነት ኣኅዋትን ኣኃትን ዝኾኑ፡ ካባና ሕልፊ ተመክሮን ትዕዝብቲ ሕይወትን ዘለዎም ብምዃኖም ኣብቲ ዚቐርበልና ምርጫታት፡ ነቲ ዝበለጸ ክንርእን ብጥበብ ክንሓርን ዚሕግዙና እዮም። እቲ ንኡስ ሳሙኤል ድምጺ-ኣምላኽ ምስ ሰምዐ፣ ብኡብኡ ከለልዮን ካብ ካልእ ኪፈልዮን ኣይከኣለን። ስለ’ዚ ድማ ሠለስተ ጊዜ ናብ’ቲ ሽማግለ ካህን ኤሊ ከደ፣ ንሱ ድማ “እንተ ጸወዓካ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ’ሞ፡ ኦ! እግዚኣብሔር ተዛረብ” በሎ (1 ሳሙ. 3፡9) ዚብል፡ ንጸዋዕታ ኣምላኽ ዚወሃብ ቅኑዕ ምላሽ ኣቕረበሉ። ኣብ’ቲ ዘጠራጥረኩምን ዘስገኣኩምን ኵሉ፡ ተኣማሚንኩም ኣብ ቤተክርስትያን ክትጽግዑ ትኽእሉ ኢኹም። ንፉዓትን ሕያዎትን ካህናት፣ ውፉያት ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን፣ ርዱኣት ምእመናን፣ ካብኣታቶም’ውን ገሊኣቶም ብዕድመ መንእሰያት፡ ከም መጠን ዓበይትን ለባማትን፡ ብእምነት ኣኅዋትን ኣኃትን ኮይኖም ኪድግፉኹም ዚኽእሉ ከምዘለዉ እፈልጥ እየ።

ካብ’ቲ ስግኣትን ጥርጥራትኩምን ትርጉም ንኽትረኽቡ፣ እዞም ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ዝበርሁ ዝተጠቕሱ ወገናት ኪሕግዝኹም እዮም። እቲ “ካልእ ወገን” ኪበሃል ከሎ እቲ መንፈሳዊ መራሒ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣምላኽ ንዚህበና መወዳእታ ዘይብሉ ሃብቲ-ሕይወት ልብና ከፊትና ንኽንቅበሎ ዚሕግዘና ሰብ እዩ። ነቲ ሓዲስ ኣድማስ ክንሓልምን ኣማዕዲና ክንጥምትን ማኅበራትና ዚዓብየሉ ዚምዕብለሉ ባይታ ኣብ ከተማታትና ክንፈጥር ኣድላዪ እዩ። ምስ ካልኦት ብምሕዝነትን ኅብረትን ምንባር ኣይነቋርጽ! ብናይ ሓባር ባህግን ምንቅስቓስን ምጕዓዝን ከሰልክየና ኣይግባእን። እቶም ኡነተይናታት ክርስትያን ርእሶም ንኻልእ ንምርሓው ኣየፍርሖምን፣ ምስኣቶም ሓቢሮም ንምኻድ፣ ናይ ሕውነት ባይታ ምፍጣር’ውን ኣየጕህዮምን እዩ።

ፍቁራት መንእሰያት! ነቲ ኣብ ጸልማት ዜብርህ ማሕታ ንእስነት ኣይተጥፍእዎ፣ ብኮምፒዩተርን በዘን ብሉጻት ተለፎናትን (“ስማርትፎን”) ጥራሕ ምስ ወጻኢ ዓለም ዜራኽብ መስኮት ኣብ ዘለዎ ዝጸልመተ ክፍሊ ተዓጺኹም ኣይትትረፉ። ንመዓጹ ሕይወት ጋህ ኣቢልኩም ኣርሕዉዎ። ጊዜኹምን ቦታኹምን ባይታኹምን እምበኣር ትርጉምን ዕላማን ብዘለዎ ርክባትን ናይ ዕለታዊ ሕይወት ተመክሮን ኡነተይና ትዕዝብትን፣ መኻፍልትኹም ብዝኾኑ ሕያው ሰባትን ዝተመልአ ይኹነልኩም።

2. ማርያም!

“ብስምካ ጸዋዕኩኻ” (ኢሳ. 43፡1)። እቲ ንፍርሃት እንድርብየሉ ወይ ፈጺምና ዘይንፈርሃሉ ቀዳማይ ምኽንያትና፣ ኣምላኽ ብስምና ስለዝጸወዓና እዩ። እቲ ልኡኽ ኣምላኽ መልኣኽ ንማርያም ብስማ ጸዊዑዋ። ስም ምሃብን ምስማይን ሥልጣን ኣምላኽ እዩ። ኣብ’ቲ ስራሕ ፍጥረት ንነፍስወከፍ ፍጡር ብስሙ እናሰመየ እናጸወዐ ናብ ህላዌ ኣምጺእዎ። ስም ማለት ናይ ሓደ ነገር ወይ ሰብ መንነት ወይ እንታይነት እዩ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰብ ወይ ነገር ፍሉይ መንነትን ፍሉይ ስምን ኣሎ፣ እዚ ዓሚቝን ረቒቕን መንነት ከኣ ንኣምላኽ ጥራሕ’ዩ ፍሉጥ ዚኸውን፣ ኣምላኽ ጥራሕ’ዩ ብሓቂ ኪፈልጦ ዚኽእል። እዚ መለኮታዊ ሥልጣን ናብ ሰብ ዚመሓላለፈሉ ጊዜ እንተልዩ፡ ኣምላኽ ንሰብ ጸዊዑ ንእንስሳታታ ንኣዕዋፍን ንውሉዱን (ዘፍጥ. 2፡19-21 ፤ 4፡1) ስም ከውጽኣሎም፣ በብስሞም ኪጽምዖም ኣብ ዝመደበሉ እዩ። ኣብ ብዙሕ ካልእ ወገናት ኅብረተሰብ ድማ እዚ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ኣረኣእያ ተንጸባሪቑ ይርከብ፣ ስም ኪበሃል ከሎ ንምሥጢር ሕይወትን፡ ንትርጕም ህላዌን ብዓሚቑ ዚገልጽ ምዃኑ ይእመኑ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ብስሙ ኪጽውዖ ከሎ፣ ነቲ ሰብ’ቲ ጸዋዕታኡ እዩ ዚገልጸሉ፣ ነቲ ናይ ቅድስና መደቡን ኣገባቡን የግህደሉ፣ እቲ ሰብ ድማ በዚ ጸዋዕታ’ዚ ኣቢሉ ንኻልኦት ሓደ ህያብ ይኸውን፣ ፍሉይ ኮይኑ ከኣ ይጥመት። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነቲ ኣድማሳት ሕይወት ኣጸቢቑ ከስፍሖ ምስ መደበ፣ ከም’ቲ ንስምዖን “ጴጥሮስ” ኪበሃል ዝሰመዮ፣ ነቲ ዚጽውዖ ዘሎ ሰብ ሓዲሽ ስም ይህቦ። ኣብ ናይ ውፉይ ሕይወት ማኅበር ኪእቶ ከሎ፣ ሓዲሽ ስም ናይ ምልባስ ልምዲ ካብ’ዚ ዝማዕበለ እንኪኸውን፣ ሓዲሽ መንነትን ሓዲስ ተልእኮትን ዜመልክትድማ እዩ። እዚ መለኮታዊ ጸዋዕታ ፍሉይን ነቲ ኡነተይናን ዘይትካእን ህያብ፣ ንኣምላኽን ንቤተክርስትያን ንኹሉ ምእንቲ ኽንከውን ርእስና ናጻ ክንገብርን ካብ ተጽዕኖታት ክንወጽእን የድሊ።

ፍቁራን መንእሰያት! በብስምና ዝተጸዋዕና ምዃን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዘሎና ዓቢይ ክብርን ግርማን እንኬመልክት ናይቲ ኣብ ልዕሌና ዝፈሰሰ ፍቕሩ መርኣያ’ውን እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንነፍስወከፍኩም በብስሙ እዩ ዚጽውዖ። ኵልኻትኩም ኣምላኽ “ንስኻ ንስኺ” እናበለ ዚጽወዓኩም ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብርቂ ኢኹም፣ ፍቕሩ ዝዓሰለኩም ክብረትን ግምትን (ኢሳ. 43፡4) ዝረኸብኩም ኢኹም። ነዛ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዘወፈየልኩም ዘሎ ምስኡ ዚግበር ዝርርብ ብታሓጓስ ተቐበልዎ በብስምኩም ጸዊዑ የቕርበሎም ኣሎ።

3. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ!!

ማርያም ክትፈርሕ ዘይብላ ምዃና፣ ካብ ምንታይ’ዩ እንተተባህለ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ዝረኸበት ምዃና እዩ። “ጸጋ” ዚብል ቃል ነቲ ብናጻ ብኸምኡ ዝመጽአ፣ ይግበኣኒ እዩ ዘይትብሎ ፍቕሪ ዘመልክት እዩ። ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅርበትን ረድኤትን ንምርካብ ናይ ዓወትናን መንፈዓትናን ዝርዝር ሓበሬታ ከነቕርብ እንሕተተሉ ኣገባብ የልቦን። እቲ መልኣኽ ንማርያም ኪገልጸላ ከሎ እቲ ጸጋ ሞገስ ጋና ብሕጂ ወይ ንሓዋሩ ኪመጽእ ዘለዎ ዘይኮነስ፣ ድሮ ከምዝተረኸበ ከም ዝመጽአ እዩ ዜራኢ። እቲ ቃላት መልኣኽ ካልእ ዜረድኦ እንተ’ልዩዎ ድማ ጸጋ ኣምላኽሲ ቐጻሊ ደኣምበር ቀልጢፉ ዚሓልፍ ወይ ዚሃፍፍ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት’ዚ ኸእ ኣይጐድልን እዩ። ንመጻኢ’ውን ከይተረፈ ጸጋ ኣምላኽ ብፍላይ ኣብ ግዜ ፈተናን ጸልማትን ሓይሊ ብርታዐ ንኺህበና ወትሩ ምሳና እዩ ዘሎ።

ናይ መለኮታዊ ጸጋ ቀጻሊ ምሳና ምህላው፣ ነቲ ጸዋዕታና ብምትእምማን ክንቅበል ዘተባብዓና እዩ። በብዕለቱ እናተሓደሰ ብዚኸይድ ተኣማንነት ንጸዋዕታና ውፉያት ክንከውን ንሕተት። እዚ ናይ ጸዋዕታና ጉዕዞ መስቀል ዘይብሉ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ፈለማ ዜጋጥም ጥርጥር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ መንገዲ ወይ ጉዕዞ እናናሳዕ ዚቀላቐል ፈተና እውን ኣሎ። ብቑዕ ኣይኮንኩን ዚብል መንፈስን ስምዒትን፣ ነቲ ተኸታሊ ክርስቶስ ክሳብ መወዳእታ መኻይዱ ኮይኑ ምስ ኣሰነዮ እዩ። እንተኾነ ረድኤት ጸጋ-ኣምላኽ ከም ዘይፍለዮ ይፍለጥ። እቲ ናይ መልኣኽ ቃላት ኣብ ልዕል’ቲ ሰብኣዊ ፍርሃትና ወሪዱ፡ ብሓይል’ቲ መበሠርቱ ዝኾንና ጥዑም ዜና ገቢሩ ይብትኖ። ሕይወትና ናይ ኣጋጣም ነገር ኣይኮነን፣ ወይ ድማ ንኺነብር ጥራሕ ዚቃለስ ዘይኮነስ፣ነፍስወከፍና ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዓዘዞ መደብ ዘለዎ እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ጸጋ-ሞገስ ዝረኸብና ምዃን፣ ፈጣሪ ዓለም ብፍሉይ ጠሚቱ፡ ኣባና ኣብ ህላዌና ፍሉይ ጽባቔ ዚርእየሉ፣ ኣብ ሕይወትና’ውን ዘደንቕ መደብ ከም ዘለዎ ዜመልክት እዩ። እዚ ርግጽነት’ዚ ብምጭባጥና ግን፣ ነቲ ግድላትና ኣብኡ ከሎ ብኸምኡ ፍታሕ ይኾኖ፣ ንናይ ሕይወት ጥርጥራትን ዘይርግጽነትን ምጽእ ኢሉ ይብትኖ ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ንሕይወትና ብሡረ መሠረቱ ኪልውጦ ሓይሊ ክእለት ከምዘለዎ ግን ፍሉጥ እዩ። እቲ ናይ ጽባሕ ዘይፍሉጥ ሃለዋት፣ ሓደ ክንስዕሮ ዘሎና ጸልማታዊ ሓደጋ ብሕቱ ዘይኮነስ፣ ነቲ ፍሉይ ዝኾነ ጸዋዕታና ብፍሉይ ኣገባብ ንኽንነብሮ ዝተዋህበና ምቹእ እዋን፣ ምስ ኣኅዋትና ኣኃትናን ኣብ ቤተክርስትያን ኮነ ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ክንሳተፈሉ ዝቐረበልና ዕድል እዩ።

4. ኣብዚ እዋን’ዚ ትብዓት የድሊ

ጸጋ ኣምላኽ ምሳና ምህላዉ ዘሎና ርግጽነት፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ትብዓት ንኸነሕድር ሓይሊ ይህበና። ኣብዚ ቦታ’ዝን ኣብዚ እዋን’ዝን፣ ኣብ ኹሉ መዳይ ሕይወትና ኣምላኽ የሓተና ንዘሎ እናፈጸምና ንቕድሚት ንኽንስጉም የተባብዓና። ኣምላኽ ንዝገለጸልና ጸዋዕታ ንኽንሓቁፍ የበርትዓና ከይተሰከፍናን ንእምነትና ከየህሰስናን ንኽንነብሮ ይሕግዘና።

ርእስና ንጸጋ ኣምላኽ ምስ ኣርሓውና፣ እቲ ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ግሁድን ክዉንን ይኸውን፣ ብርግጽ’ውን “ኣምላኽ ምሳና እንተደኣ ኮይኑ መንዩ ተጻይና ኪኸውን ዚኽእል” (ሮሜ 8፡31)። እቲ “ሕጂ” እንብሎ ኩነታት ሕይወትኩም፣ ብጸጋ ኣምላኽ ምስተተንከፈ፣ ነቲ “ዝኾንኩምዎ” ኣምላኽ ይዓትሮ፣ ምስኡ ድማ ነቲ ኹሉ ፍርሃትኩም ደረትኩም ይዕብልሎ፣ ምስ’ዚ ማዕረ ማዕረ ከኣ ነቲ ዘደንቕ መደቡ ይገልጽን የግህድን። ንስኻትኩም መንእሰያት ኣባኻትኩም እምነቱ ዘሕደረ ኣካል ከምዘሎ ክትፈልጡ የድሊ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት’ውን ኣባኹም ከምዚተኣማመኑ፡ ቤተክርስትያን ኣባኹም እምነት ከምዘለዋ ክትፈልጡ የድሊ፤ ብወገንኩም’ውን ኣብ ቤተክርስትያን እምነት ኣሕድሩ።

ነታ መንእሰይ ማርያም፣ ብርግጽ መንእሰይ ብምንባራ ሕድሪ ዝተዋህባ ኣገዳሲ ዕማም ነይሩ። ንስኻትኹም መንእሰያት በቲ ሓይሊ ዘይስእን መድረኽ ሕይወትኩም ክትከዱ ከሎኹም፣ ሓይሊ ትረኽቡ ኢኹም። በቲ ናባኹም ዝቐረበ ኹነታት ኣቢልኩም፣ ነዚ ዓለም’ዚ ንምምሕያሽ ነዚ ሓይልኹምን ብርታዐኹምን ተጠቐሙሉ። ነኣኻትኩም ቦታ ዜጣጥሕ ትብዓት ምእንቲ ኪህሉ፣ ንስኻትኹም እውን ሓላፍነት ንምልባስ ድልዋት ምእንቲ ክትኮኑ፣ ኣብ ቤተክርስትያን ኣገዳሲ ቦታን መዝነትን ኪወሃበኩም ድላየይ እዩ።

ሕጂ’ውን እንተኾነ ነቲ ሓላዪን ሓያልን ጭቡጥን ዝኾነ ናይ ማርያም ፍቕሪ ተኲርኩም ክትጥምቱ እዕድመኩም። እዚ ፍቕር’ዚ ትብዓት ዝመልኦ ኮይኑ፣ ኣብ ርእሰ-ወፈያ ዘተኰረ እዩ። ከም’ዚ ብዝበለ ማርያማዊ መልክዕ ዝተመልአት ቤተክርስትያን ወትሩ ንቕድሚት እትግስግስ፣ ክንየው’ቲ ደረታን ዓቕምታታን ብምኻድ’ውን፡ እቲ ዝተቐበለቶ ጸጋ ኣምላኽ መሊኡ ከምዚፈስስ ትገብር። በዚ ኣብነት ማርያም እንተደኣ በሓቂ ተተንኪፍናን ተንቀሳቒስናን፣ ነቲ መደብ ፍቕሪ ብቅኑዕን ግቡእን ኣገባብ ክንነብሮ ኢና። እዛ ፍቕር’ዚኣ ድማ ልዕሊ ዂሉን ብምሉእ ኲለንትናናን ንኣምላኽ ከነፍቅር እትድርኸና፣ ነቶም ኣብ ዕለታዊ ሕይወት መኻፍልትና ዝኾኑ ኲሎም ከነፍቅር እትግድደና ንሳ እያ። ኪፍቀሩ ዘለዎም ኮይኖም ንዘይተራእዩና’ውን ከምነፍቅር ዚገብረና እዩ። እዚ ፍቕር’ዚ ናብ’ቶም ዝደኸሙን ዝደኸዩን ወገናት ዘቕነዐ ኣገልግሎትን ተወፋይነትን እዩ። ንምስልናን ገጻትናን ለዋዊጡ’ውን ብሓጐስ ዚመልኣና ፍቕሪ እዩ።

በተን መስተንክር ዝኾና ቃላት ቅዱስ በርናርዶስ ክዛዝም። እዚ ቅዱስ’ዚ ነዘን ቃላት’ዚኣተን ዝበለን፣ ኣብ’ታ ንምሥጢረ ብሥራት ድኅነት ዚትንትነላ ውርይቲ ስበከቱ እዩ። ንናይ ማርያም ምላሽ ዚገልጽ፣ መላእ ዓሌት ሰብ ኣቐዲሙ ዝምበሎ ቃላት እዩ። “ኦ! ድንግል ወዲ ክትጸንስን ክትወልድን ምዃንኪ ተነጊሩኪ፣ እዚ ኸኣ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ደኣ’ምበር ብናይ ሰብ መደብ ከምዘይኮነ ሰሚዕኪ፣ እነሆ እምበኣር እቲ መልኣኽ ምላሽኪ ይጽበ ኣሎ. . . .ንሕና’ውን እንተኾንና እምበይትና፡ ነቲ ናይ ርኅራኄ ቃልኪ ክንሰምዕ ሃንቀው ንብል ኣሎና። . . . . በቲ ሓጺር ምላሽኪ እምበኣር፣ ናብ ሓዳስ ሕይወት ንምእታው፡ ከምበሓዲሽ ዝተፈጠርና ክንከውን ኢና. . . . መላእ ምድረ-ዓለም ኣብ እግርኺ ድፍእ ኢሉ ነዚ እዩ ዚጽበ ዘሎ፣. . . . ስለዚ ብዝቐልጠፈ ምላሽኪ ሃቢ።” (Sermon 4:8-9 Opera Omnia)

ፍቁራት መንእሰያት፣ ነፍስወከፍኩም ኣብ’ዚ ሕይወት’ዚ ንዝተቐበሎ ፍሉይ ጸዋዕታ ምላሽ ክትህቡሉ፣ ጐይታ ብቐንዱ፣ ቤተክርስትያን ከምኡ’ውን ዓለም ይጽበዩኹም ኣለዉ። እቲ ኣብ ፓናማ ዚኽበር ዕለት መንእሰያት ዓለም እናቐረበ እንኪመጽእ፣ በቶም ኣብ’ዚ ዓቢይ መደብ ኪሳተፉ ዝመጽኡ ብናቶም ሓጐስን ህንጡይነትን ንኽትሳተፉዎ፣ ምእንቲ ክትሰናደዉሉ እዕድመኩም ኣሎኹ። እዚ ዕለት መንእሰያት ዓለም ናይ’ቶም ተባዓት ደኣ’ምበር፣ ናይ ውልቆም ጣዕምን ምቾትን ጥራሕ ሃሰስ ናይ ዚብሉ፣ ጸገማት ምስተቐላቐለ ናይ ዚግለሉ ኣይኮነን። ነዚ ብድሆ’ዚ ትቕበልዎዶ?

ካብ ቫቲካን 11 የካቲት 2018

4ይ ሰንበት ዝክረ በዓል ብጽዕት ድንግል ማርያም ዘሉርድ
ፍራንቸስኮስ ር.ሊ.ጳ.

(ትርጕም፦ ኣባ ግርማይ ኣብርሃ ዘማኅበረ ሲታውያን)