ኦ ማርያም ! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ’ሞ ኣይትፍርሒ – 2015


ኦ ማርያም ! ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ’ሞ፥ ኣይትፍርሒ!

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ብበዓለ ቅዱስ ዮሓንስ
(12 መስከረም 2015) ካብ ሃገረ ፖርቱጋል ደብረ ፋጥማ ዝጸሓፉልና መልእኽቲ

 

“ጥበበይናታት ምእንቲ ክንከውንሲ እቲ ዕድመ ሓጺር ምዃኑ ምሃረና” (መዝ.90፡12)

ክቡራት ካህናት፡ ክቡራት ደናግል፡ ፍቁራን ምእመናን ክርስቶስ

ሰላም እግዚኣብሔርን ጽላል ኣዴና ኪዳነ ምሕረትን ወትሩ ኣይፈለኹም እናበልኩ ልባዊ ሰላምታይ ኣቕርበልኩም።

ሎሚዘመን፥ ነዛ መልእኽቲ ሓንሰ መስቀለ፡ ኣብ ፋጥማ፡ ሃገረ ፖርቱጋል ኮይነ እየ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። ብጸጋ ኣምላኽ ካብ ዕለት 24 ክሳዕ 31 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣኼባ ምስ ካልኦት 16 ኮምቦናውያን ጳጳሳት ኣብዚ እርከብ ኣሎኹ። እዚ ቦታ እኖና እግዚእትነ ማርያም ብ1917 ዓመተ ምሕረት ነቶም ሰለስተ ጓሶት ማለት ንሉቺያን፡ ፍራንሲስኮን፡ ጃቺንታን ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳዕ ወርሒ ጥቅምቲ 1917፡ ኣብ መበል 13 መዓልቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርኂ ተራእያቶም እያ። ራእይታት ማርያም ፋጥማ፡ ከኣ ድልዱል እምነት፡ ቀጻሊ ጸሎት፡ ሓቀይና ንስሓን መንፈስ ተጋድሎን ኣብ መጨረሽታ ከኣ ብምሉእ ልብኻ ናብ እግዚኣብሔር ምምላስ፡ ንድኅነትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘዘኻኽር መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። ሎሚ ፋጥማ፡ ናይ እምነት ቤት ትምህርቲ ተባሂላ እያ እትጽዋዕ። እዚ ከኣ ብ1917 ዓ.ም.ፈ፡ ኣብ ኤውሮጳ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገር ፖርቱጋል፣ እምነት ውሒዱሉ፣ ኣንጻር ቤተክርስትያን ዝተዋህበ ናይ ማሶኒ መንግሥቲ ነጊሡሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ፡ እግዚኣብሔር ብኣዴና ማርያም ገቢሩ ንናእሽቱ ገርሀይናታት ቆልዑት ተገልጸሎም። ኣብቲ ሽዑ ጊዜ ማዕቢሉ ዝበሃል ዝነበረ ክፍሊ ዓለም ኤውሮጳ፣ “እግዚኣብሔር ሞይቱ እዩ”፣ ወዲ ሰብ፡ ብሓቂ ክምዕብል እንተኾይኑ፡ እግዚኣብሔር ክጠፍእ ኣለዎ”፡ ዝብል ሓድሽ ፍልስፍና ነጊሡሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ፣ ቀዳማይ ውግእ ዓለም’ውን ኣብ ዝኸድካዮ ሞትን ስንክልናን ዕንወትን ዘሪኡ ነበረ። ብሓጺሩ፡ ሃምን ቀልብን ዝበዝሑ ሰባት ኣብ ገንዘብን፡ ስልጣንን፡ ጊዚያዊ ምቾትን፡ ጥራሕ ከተኩር ይርአ ነበረ። ካብዚ ዝተላዕለ ከኣ ጭካነን ህርፋንን ቅንእን ንዓይ ይጥዓመንን ገኒኑ መሰል ደቂ ሰባት ተረጊጹ፡ ኣብ ኩሉ ቦታ ከኣ ፍትሒ ጎዲሉ ነበረ።

መልእኽቲ ማርያም ፋጥማ፡ በንጻሩ፡ ቀዳምነት ንእግዚኣብሔር ምሃብ ከምዝግባእ፣ ተስፋ ቁርጸት ሓዘንን ብኽያትን ጭካነን በዚሕሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ መልእኽቲ ምሕረትን ምጽንናዕን ተስፋን ፍቅርን ሓድሕድን ዝመልኦ እዩ ዝነበረ።

እቲ መልኣኽ ብ1916 ዓ.ም.ፈ፡ “ኣነ መልኣኽ ሰላም እየ፣ ምሳይ ኮይንኩም ጸልዩ” እናበለ ነቶም ሠለስተ ጓሶት ዝመሃሮም “ኦ ኣምላኸይ፡ ኣነ ኣኣምን፡ ኣነ ተስፋ እገብር እፈትወካ። ምእንቲ እቶም ዘይኣምኑ፡ ተስፋ ዘይገበሩ፡ ዘይፈትዉኻ ከኣ ምሕረት እሓትት” ዝብል ዓብይ ናይ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ጸሎት እዩ። እግዚኣብሔር ኩሉ ጊዜ፡ ኣብቲ ዝኸፍአ ግዜ’ውን ከይተረፈ ጩራ ብርሃን ይሰደልና። ራእይ ፋጥማ’ውን ሓደ ካብዚ እግዚኣብሔር ብማርያም ገቢሩ ንዓለም ዘምጽኣሉ ናይ ተስፋ ጩራ እዩ ነቢሩ። ሕዝቢ ፖርቱጋል ካብ ውግእ ናብ ሰላም፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ምእንቲ ክሳገር ነዚ መልእኽቲ እዚ ብማርያም ኣመሓላለፈሎም። መድኃኒና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንተኸተልቱ “ደቂ ብርሃን ምእንቲ ክትኮኑ ከኣ ብርሃን ከሎኩም ብብርሃን እመኑ” (ዮሓ. 12፡36) ከምዝብሎም ንሕዝቢ ፖርቱጋል እውን ነዚ ዕድመዚ ኣቕረበሉ። ነዚ መልእኽቲ ሰላም ብልቢ ስለዝተቐበልዎ ከኣ ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከይሳተፉ ወሰኑ።

በዚ ምኽንያት ኣዴታት ፖርቱጋል ማርያም ፋጥማ ካብ ውግእን ህልቂትን ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣድሒናትና ኢለን ዝነበረን ወርቅን ብሩርን ኣልማዝን ኣኪበን እቲ ሕጂ ኣብ ቤተመዘክር ፋጥማ ብጥንቃቐ ተዓቚሩ ዘሎ ኣዝዩ ክቡር ዘውዲ ኣብ ርእሲ ምስሊ ማርያም ፋጥማ ክደፍኣ ወሰና። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ፡ ኢየሱስ ባዕሉ፡ “ኦ ኣቦይ! ጎይታ ሰማይን ምድርን እዚ ካብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ግን ስለዝገለጽካዮ፡ ኣመስግነካ ኣሎኹ። እወ፡ ኦ ኣቦይ! ኣብ ቅድሜኻ ዘሐጉሰካ ንሱ እዩ” (ማቴ. 11፡ 25-26) እናበለ ከምዝጸለየ፡ ኣብ ፋጥማ ድማ እቲ ዝሰኣኖ ዘይብሉ ልዑል እግዚኣብሔር፡ በቶም ደቂ 10፡ 8፡ 7 ዓመት ሕጻናት ገቢሩ እዩ ነዚ ዓቢይ መልእኽቲ ገሊጹ። ብሓቂ ከኣ እቶም “ንጹሓት ልቢ፡ ንኣምላኽ ክርእይዎ ኢዮም እሞ ብፁዓን እዮም” (ማቴ. 5፡8)። ኣዴና ማርያም ብመልእኽቲ ፋጥማ ናብ ምሉእ ዓለም ዘምጽኣቶ ተስፋን ሰላምን ኣብ ተግባር ምእንቲ ክርአ ግን በቶም ጓሶት ገቢሩ፣ ቀጻሊ ጸሎትን ተጋድሎን፡ ተባዕ ምስክርነትን፡ ብጽዑቕ ክዝውተሩ ከምዘለዎም ኣዘኻኺራ እያ። ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ቅድሚ ዘመናት ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፎ “ኩሉ ሳዕ ተሓጎሱ፡ ከየቋረጽኩም ጸልዩ፡ ብኹሉ ኣመስግኑ፥ ከመይ ኣብቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎኩም ሕይወት ኣምላኽ ዚደልዮ እዚ ኢዩ። ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡ፡ ትንቢት ኣይትንዓቑ፡ ንኹሉ መርምርዎ፡ ነቲ ሠናይ ኃዝዎ። ካብ ክፉእ ዘበለ ርሓቑ። ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ንኹልንትናኹም ይቐድሶ፥ በታ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸላ መዓልቲ ከኣ ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ክትርከቡ ንመንፈስኩምን ነፍስኹምን ሥጋኹምን ይሓልዎ” (1ተሰ. 5፡16-23) ዝብል ዓሚቝ መልእኽቲ፥ እቶም ዘይተማህሩ መንእሰያት ክርድእዎ ብዝኽእሉሉ ቋንቋ ከተመሓላልፈሎም ንርኢ። ተግባራውን፡ ብቀጻሊ ጸሎት ዝተደገፈን እምነት ሓቀይና ሓጎስን ቅሳነትን ዘፍሪ ምዃኑ እዚ ከኣ ንጽቡቕን ንቅኑዕን ዘበለ ኩሉ ክንቅበል፥ ንክፉእን ሓሶትን ዘበለ ከኣ ክንነጽግ ከምዝሕግዘና የረድኣና።

ማርያም ፋጥማ ብዙኅ ግዜ፥ “ጸልዩ ብዙሕ ጊዜ ጸልዩ፥ መዓልቲ መዓልቲ መቑጸርያ ድገሙ” እናበለት ኢያ ተማሕጺና። በዚ ከኣ ማርያም ናይ መቑጸርያ ተባሂላ’ውን ትጽዋዕ እያ። እቲ መዓልቲ መጸ ጸሎት መቑጸርያ ከነብጽሕ ከሎና ምእንቲ ሓጢኣተይናታት ንደግሞ “ኦ ኢየሱሰይ! ንበደላትና ይቕረ በለልና፡ ካብ ሓዊ ገሃነም እሳት ሰውረና፥ ንኹለን ነፍሳት ኣውራ ነተን ምሕረትካ ብፍሉይ ዘድልየን ንሰማይ ውሰደን” ዝብል ተደጋጋሚ ሓጺር ጸሎት’ውን፡ ኣዴና ማርያም በቶም ናእሽቱ ጓሶት ገቢራ፡ ኣብ ፋጥማ ዝመሃረትና ጸሎት እዩ። ብኃጢኣትን ክፍኣትን ዝጠሓሉ ኣኅዋትናን ኣኃትናን’ውን ክንዝክሮም ከሎና ልቢ ኢየሱስ ከምዝልስልስ፥ ሰላምን ዕርቅን ከምዝነግሥ ርጉጻት ኢና።

ኣብዚ እዋን ሓንሰ መስቀለ፡ እዚ ማርያም ኣብ ፋጥማ ዝሃበቶ ዓቢይ መልእኽቲ፡ ምስቲ ኣብ መዝሙር ዳዊት ቍ.90 እንረኽቦ ጥበብ ዝመልኦ ጸሎት’ውን ዝሰማማዕ እዩ። እቲ “ዕድመና ሰብዓ ዓመት፥ እንተ በዝሐ ከኣ ሰማንያ ዓመት እዩ። እዚ ከኣ ጻዕርን መከራን እዩ ዘምጻኣልና። ዕድመና ቀልጢፉ ይኃልፍ፡ ነፊርና’ውን ንኸይድ” (መዝ. 90) ዝብል ማዕዳ፥ ኣብ ጭቡጥ ዕለታዊ ተመክሮ ደቂ ሰብ ዝተመሥረተ ሃናጺ ትምህርቲ እዩ ክንብል ንኽእል። ዳዊት “ንሰብ ከምቲ ቀልጢፉ ዝሓልፍ ውሕጅ ገበርካዮ፡ ከም ትኽስታ ሓጺር ዕድመ ሀብካዮ፡ ከምቲ ብጊሓት ዚልምልም ሳዕሪ፥ እወ ከምቲ ንግሆ ዚዕምብብን ዚልምልምን፡ ኣጋ ምሸት ግን ተዓጺዱ ዝነቅጽ ሣዕሪ እዩ” (መዝ. 90፡5-6) ይብል። ነዚ ኩሉ እናፈለጥና ግን ብቐሊሉ ንርስዖ እሞ፡ ኣብዚ ዓለም ንዘልዓለም ከምእንነብር መሲልና ንካየድ። ከምቲ ዝግባእ፡ ኣብ ሕይወትና እግዚኣብሔር ቀዳምነት ኣይንህቦን።

ብዙሕ ጊዜ ኣብ ኣዘራርባናን ኣከያይዳናን ኣስተውዒልና ኣይንሓስብን፡ ተጠንቂቕና ኣይንመርጽን፡ ብቅንዕና ኣይንፈርድን፡ ብዓይኒ ምሕረት ኣይንጥምትን፡ ነቶም ሓገዝና ዝሓቱ ወይ ዘድልዮም ሽጉራት ኣኅዋትና ንምሕጋዝ ተጊህና ኣይንውፈን።

ብሓጺሩ እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝመጽአ ጥበብ ይጎድለና። በዚ ምኽንያት እዩ ዳዊት ኣብዚ ዝተጠቕሰ መዝሙሩ፡ “ጥበበይናታት ምእንቲ ኪንከውንሲ እቲ ዕድመና ሓጺር ምዃኑ ምሃረና” ክብል ዝርከብ።

ነዚ ሓድሽ ዓመት ክንጅምሮ ከሎና እምበኣር ቅድሚ ኵሉ፡ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ነቲ እግዚኣብሔር ዝህበና ግዜ፡ ዕድመን ንብረትን፡ ከመይ ኢልና ብጥበብን ብምስትውዓልን ክንጥቀመሉ ከምዘሎና ክንሓስብ ኣድላዪ እዩ። ግዜ ህያብ ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ምእንቲ ክንዓብየሉ፡ ምእንቲ ክንመሃረሉ፡ ክንሓስበሉ፡ ክንዕረቐሉ፡ ብሓጺሩ ነፍስና ምእንቲ ክንፈቕደሉ እዩ ዕድመ ዝውስኸና። “ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ” ከምዝበሃል ንሕና’ውን ዕድመና ሓጺር ምዃኑ ፈሊጥና ነቲ ዝተዋህበና ዕድል ብጽቡቕ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ኃቢርና ከኣ፥ “ጉይታየ! ቁጥዓኻ ክሳዕ መዓስ እዩ ዝጸንሕ? ተመለስ! ንባሮትካ ምሓሮም። ምሉእ ዕድመና ክንሕጎስን ባህ ክብለናንሲ፡ ንግሆ ንግሆ ዘለዓለማዊ ምሕረትካ ኣጽግበና፥ ብመጠን እተን ዘጨነቕካና መዓልታትን፡ ክፉእ ዝረኣናለን ዓመታት ኣሓጉሰና” (መዝ.90፡13-15) እናበልና ምስ ኣምላኽና ንዋሳእ።

ማርያም ፋጥማ፡ ዝበኸያ ኣዴታት ክጸናንዓ፡ ዝጠምዩ ቆልዑ ክዕንገሉ፡ ዝተረበሹ መንእሰያት ክረግኡ፡ ብነፍስን ብሥጋን ዝሓመሙ ክፍወሱ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዝረሓቑ ክምለሱ እያ ጸዊዓ። እታ ኣደ ምሕረት፡ ሎሚ’ውን ንወዳ “ክሳዕ ሕጂ ዝሞትዎ፡ ዝተሳቐይዎ፡ ዝበኸይዎ፡ ዝጠመዩዎ፡ ዝሓመምዎ፡ ዝተሰደድዎ፡ ይኣኽሎም” ትበለልና። እግዚኣብሔር ነዚ ዝህበና ዘሎ ሓድሽ ዓመት ዮሓንስ ወንጌላዊ፡ ዓመት ዕርቅን ኅውነትን፥ ዓመት ፍትሕን ሰላምን ክገብረልና ከኣ፡ “እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጸጋኻ ኣብ ልዕሌና ይኹን። ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና። እወ ንተግባር ኣእዳውና ንስኻ ኣስልጦ” (መዝ.90፡17) እናበልና ኣጥቢቕና ንማህለል።

+ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ሊቀጳጳሳት ዘበኣሥመራ