ኣብዚ ናይ ክልተ ሺሕ ልደት ጳውሎስ እነብዕለሉ ጊዜ፤ መን እዩ ጳውሎስ? እንታይከ ይብለኒ? ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ኢዩ፣፣ ንሱ ይብሉና ር.ሊ.ጳ.በነዲክቱስ 16 ሓዋርያን ሰራቒ ክርስቶስን መምህር ኣሕዛብን መምህርናን ኢዩ፣፣ ኣብ ስነ ሓሳብ ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ ኣብ ልቡ ዝተመኮሮ ፍቕሪ ክርስቶስ ዘንጸባርቕ ዓሙቕ እምነት፤ ንሰይፊ ቃል ኣምላኽ ኣልዒሉ ዚዋጋእ (1ጢሞ 2፣2.5) ምእንተኣ ዝስዋዕን […]