ኣስተምህሮ ብዛዕባ ክህነት


ኣስተምህሮ ብዛዕባ ክህነት

ኣብ ከውሒ ዝተመስረትኩም ምኳንኩም ፍለጡ።

ብ እ. ለተምሕረት ተስፋይ 10/01/2012

“እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፣ ኣንቱም ንጽድቂ እትስዕቡ ክረድኣኩም ከኣ ናባይ እትመጹ ጽን በሉኒ። ካበየናይ ከውሒ ተጸሪብኩም ከም ዝመጻእኩምን ካበየናይ ጉድጓድ ከም ዝተፈንቀልኩም ኣስተብህሉ። (ኢሰያስ ነቢይ 51.1)

ኢየሱስ ብኸውሒ ይምሰል ከምኡ ነቲ ምስሌነኡ ገይሩ ዝሸሞ ጴጥሮስ ብኽውሒ ክምስሎ ኢና እንረኽቦ። ኢየሱስ ንጴጥሮስ ከምዚ ይብሎ፤ ከምቲ ኣቦይ ብዛዕባይ ዝገለጸልካ፣ ሕጂ ከኣ ኣነ ብዛዕባ ኣንነትካ ክገልጸልካ ኢየ። ንስኻ ከውሒ ኢኻ። ኣነ እንተ ደኣ ከም እምኒ ኩርናዕ ነቶም ክልተ ሕዝቢ ዝነበሩ ኣብ ሓደ ዝጥርንፍ ኮይነ (ኤፈሶን 2፡ 2.14) ብኻልእ ክትካእ ዘይኽእል መሰረት እንተደኣ እየ፡ ንስኻ ከኣ ከውሒ ኢኻ ሓይለይ ከኣ ጽኑዕ ከውሒ ክገብረካ ኢዩ። ኣብቲ ናተይ ስልጣንን ፍሉይ ህያባትን ከኣ ተሳተፊ ኢኻ፣ ስለዚ ከኣ ንስኻ ከውሒ ኢኻ ወላ ሓደ ዘሸንፈካ ከኣ የለን። (ማቴዎስ 16፡18) ነታ ክሳብ ሰማይ ክትንክፍ ዝተመስረተት ቤተ ክርስትያን ኣብዚ ጽኑዕ እምነት እትጽጋዕ ኢያ። ኩሎም ኣብ ግራት ኣምላኽ ዝሰርሑ ነዚ ይሳተፍዎ።

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ከውሒ ብዙሕ ጊዜ ኢዩ ዝዛረብ “ንቓለይ ሰሚዑ ዚፍጽመን ቤቱ ኣብ ከውሒ ዚሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናብ ዘነበ ወሓይዝ ወሓዙ፣ ንፋሳት ነፈሱ፣ ነቲ ቤት ደፍእዎ፣ ኣብ ከውሒ ስለ ዝተመስረተ ድማ ኣይወደቐን። ነዘን ቃላተይ ሰሚዑ ዘይፍጽመን ኩሉ ከኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሐ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ወሓይዝ ወሓዙ፣ ንፋሳት ነፈሱ፣ ነቲ ቤት ደፍእዎ ወደቐውን ኣወዳድቑ ድማ ዓቢይ ኮነ። (ማቴዎስ 7፡ 24-27) ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብዛዕባ’ዚ እንክዛረብ ከምዚ ይብል። ኣብ ብዙሕ ጠቕስታት ከም ዝርከብ እቲ ከውሒ ክርስቶስ ባዕሉ ኢዩ እቲ ንቓሉ ሰሚዑ ዝፍጽሞ ኣብ ክርስቶስ ይምስረት፤ ንሱ ጽውጽዋይ ዝመልኦ ዘፍርሕ ነገራት ከም ዝናብ ይምስሎ፣ ዝኾኑ ክፉእ ነገራት ወይ ካብ ፍልስፍና ደቂ ሰባት ዚመጽእ ንንፋስ ዝመስል ትምህርቲ ወይ ከም ወሓይዝ ዝፍኖ ናይ ስጋ ስሚዒት ክፈርሕ ኣይኽእልን ይብል። ዝኾነ ትእዛዝ ይወሃብ ኣብ ከውሒ ዝኾነ ክርስቶስ ክንህነጽ እንተደኣ ኮይንና ካብ ጎይታ ዝሰማዕናዮ ቃላት ጥራይ ክንፍጽም ኣሎና። ቅዱስ ጴጥሮስ ብወገኑ፡ “ናብቲ ብሰብ ተናዒቑ ዝተደርበየ ብኣምላኽ ግን ሕሩይን ክቡርን ዝኾነ ሕያው እምኒ ናብ ጎይታ ቅረቡ። ንስኻትኩምውን ቅዱሳት ካህናት ኢኹም ነቲ ሳላ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋዕቲ ኮንኩም ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነጹ። ከመይ ቅዱስ መጽሓፍ “እነሆ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን እገብር ኣሎኹ እቲ ብኣኡ ዚኣምን ከኣ ኣይክሓልፍን ኢዩ” ይብል። እምበኣርከስ ንዓኻትኩም ነዞም እትኣምኑ ክቡር ኢዩ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና “እቲ ነደቕቲ ዝነዓቅዎ እምኒ ንሱ ርእሲ መዓዝን ኮነ። ከምኡውን እምኒ መዕንቀፍን ኣንደልሂጹ ዜውድቕ ከውሕን እዩ። 1ጴጥሮስ 2፡4ይ)

ቤተ ክርስትያን ምስ ኩሎም ኣባላታ ከም ሕያዋን ኣእማን መንፈሳዊ ቤትን ኣብቲ ሕይወት ናይቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ክርስቶስ ይሳተፉ። ፍቕርናን እምነትናን ከኣ ከም መስዋዕቲ ነቕርበሉ። እምበኣር ኣሕዋተይ ሰብነትኩም ሕያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መስዋዕቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ ብምሕረት ኣምላኽ እልምነኩም ኣሎኹ። እዚ ማለት እቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም ኢዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ፍጹምን ዝኾነ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምኳኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ ኣእምረኹም ብምሕዳስ ተለወጡ። ሮሜ 12፡ 1-2)
ለውጢ ምግባር ቀሊል ኣይኮነን። ጸሎትን ጣዕሳን ተጋድሎን ዝሓትት ኢዩ። ድሕነትና ደም ክርስቶስ ዝሓተተ ስለ ዝኾነ ቅዱስ ጳውሎስ “ብፍርሓትን ራዕድን ምእንቲ ናይ ገዛእ ርእስኹም ድሕነት ስርሑ። ከመይ ነቲ ኣምላኽ ብፍቕሪ ዝመደበ ምእንቲ ክትደልዩን፡ ክትገብሩን፣ ኣምላኽ ባዕሉ ኢዩ ኣባኻትኩም ዚዓይዪ። (ፊሊጲስዩስ 2፡12-13) “ከመይ ብዘሎ መዝገብን ጥበብን ፍልጠትን ኣበይ ኢዩ ተሰዊሩ ዘሎ። እዚ ዝብል ዘሎኹ ሓደ እኳ ብምጥባር ከየሰሓሕተኩም ኢለ ኢየ።…. ስርኦኣትኩም ኣብ ክርስቶስ ዘሎኹም ጽኑዕ እምነትን እናረኣኹ እሕጎስ ኣሎኹ። (ቁላስያስ 2፡3-5)
ብዘሎ መዝገብን ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ እንተሃልዩና ነዚ ጥበብን ፍልጠትን ብኸመይ ንርከቦ? መስራትት መሕበርና ሮዛ ጋቶርኖ ብዛዕባ ኣብ ጸሎት ዝነበራ ዓሙቅ ርድኢት ክትገልጽ “ጸሎትናይ ጸጋታት መዛግብቲመፍትሕ ኢያ ትብል። ስለዚ ከኣ ነቲ ናይ ድሕነትናን ጸዋዕታናን ዝግባእ ክንነብር ክንጽሊ የድልየና። ከምቲ ዘማራይውን ዝብሎ፦ ጎይታይ ንገጽካ እደሊ ኣሎኹ ገጽካ ኣይትሕብኣለይ፣ ገጽካ ክርኢ ሃረር እብል ኣሎኹ ንበሎ።
“እነሆ ከረምቲ ሓሊፉ ዝናብ ጽሕዩ ዕንባባታት ኣብ ምድሪ ተራእዩ ጊዜ መዝሙር በጺሑ ድምጺ ባረቶ ከኣ ኣብ ምድርና ይስማዕ ኣሎ። ኣቲ ከም ርግቢ ኣብ መንቀራቕሮ ከውሒ ኣብ መሕብኢ ጸድፊ ዘሎኺ እቲ ጥዑም ድምጽኺ ኣስምዕኒ፣ እቲ ጽቡቕ ገጽኪውን ኣርእይኒ። (መኃልየ መኃልይ 21፡1-13)
ኦርጌንስ ዘእስክንድርያ፤ ነዚ ትጠቅሲዚ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፣ እታ ኣብ ምንቀራቕር ከውሒ እትነብር ንፍሲ ኢያ። ከረምቲ ከኣ ዝኾነ ነታ ነፍሲ ዝፈታተን ክፉእ ነገራት ካብ ሰይጣን ዓለምን ሥጋን ዝመጹ ፈተናታት ኢዮም። ብጊዜ ፈተና እታ ነፍሲ ኣብቲ ከውሒ ተሓቢኣ ትነብር እቲ ከውሒ ከም እንፈልጦ ክርስቶስ ኢዩ። እታ ነፍሲ ኣብቲ ጽኑዕ ከውሒ ዝኾነ ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ጸኒዓ ትርከብ ኣብኡ ኮይና ከኣ ንኩሉ ፈተናታት ተሸንፍ።
“ኣምላኽ ነዓይ ከውሒ ጽኑዕ ዕርዲ ኢዩ። ንመንገደይ ከኣ የቕንዖ (መዝ 18፡ 32) ብኸምዚ ዝበለ እምነት ዝቐንዔት ነፍሲ ንጽሕነኣ ዝሓለወት ነፍሲ ኣብ መጨረሻ ቃል ኣምላኽ ንዓኣ ገጽኪ ኣርእይኒ እናበለ ይዕድማ። ገጻ ወላ ሓንቲ ዕጣር ዘይብላ ኮይና ከይፈርሔት “ጸጋን ሓቅን መሊእዋ ንኢየሱስ ከምቲ ነብኡ ሓደ ወዱ ዝኾነ ክብሪ ኮይኑ ርኣናዮ ኣንበለት ክትምስክር ኢያ። (ዮሓንስ 1፡14)ከምቲ ሙሴ ንጹሕ ብምኳኑ ንእግዚኣብሔር ክዛረቦ እንከሎ እግዚኣብሔር ዝምልሰሉ ዝነበረ፦ ነዛ ንፍሲ እዚኣ ከኣ ቃል ኣምላኽ እቲ ጥዑም ድምጽኺ ኣስምዕኒ ክብላ ኢዩ። ብሓቂ እታ ንጽሕቲ ነፍሲ ቃል እግዛብሔር ክትዛረብ እንከላ ንእምነትን ንሓቀይና ትምህርትን ከተስተንትን እንከላ ናይ እግዚኣብሔር ስርሓትን ርትዕን እናዕሞቐት ክትከይድ እንከላ ድምጻ ብሓቂ ጥዑም ኢዩ። ልብና ዝሕጎስ መንፈስ ኣምላኽ እንተሃለወና ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንሕይወትና ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ዝኾነ ክርስቶስ ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ኣብ ዝተሃንጸት ቤተ ክርስትያንን ኮይንና፣ ነቲ እግዚኣብሔር ብቤተ ክርስትያን ገይሩ ዝህቦ ቃልን ትምህርትን ማዕዳን እናነበርና ቅድስናና ክነረጋግጽ ዘእለና ኢዩ።
ታሪኽ ሓደ መንእሰይ
ኣብ ዓዲ ፈረንሳይ ሓደ ፍራንቸስኮ ፐትራርካ ዝበሃል ካብ 1304 ክሳብ 1374 ዝነብር ዝነበረ ኢዩ። ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ካርዲናል እንከሎ፣ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኩሉ ጊዜ ኣብ ርእሱ እትመላለሶ ዝነበረት ሓሳብ ነይራቶ፤ እዚኣ ከኣ ኣብ ሓንቲ ቨንቶ እትበሃል ጎቦ ክሳብ ጫፋ ምድያብ ኢዩ። ወዲ 32 ዕድመ ምስ ኮነ ምስ ሓውን ካልኦት ክልተ ብጾቱን ክድይብዋ መደቡ። ክድይብዋ እንከለዉ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ይርእዮም እሞ፣ እዞም ደቀይ እዚ ጎቦ ምድያቡ ኣዝዩ ብርቱዕ ኢዩ። ኣእማንን ሸታሕታሕ ዝመልኦ ኢዩ። ስለዚ ክበርትዓኩም ኢዩ ክትድይብዋ ከኣ ኣይትኽእሉን ኢኹም ይብሎም። ንሳቶም ግን ኣይሰምዕዎን። ቀልጢፎም ግን ድኻምን ተስፋ ቁርጸትን ይሓድሮም። ብፍላይ ብሓዉ … ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሓንቲ ሓሳብ ትመጾ “ብጽዕቲ ሕይወት ኢልና እንጽውዓ ኣብ ጫፍ ናይታ ጎቦ ኢያ እትርከብ ናብኣ እትወስድ መንገዲ ግን ጸባብ ኢያ። ናብ ዝዓበየ ነገር ክትበጽሕ ብዘልቀምቀመ ኣይኮነን ዚብጻሕ፣ ሰብ ኣብ ዚደልዮ ክበጽሕ ኣንተ ደኣ ኮይኑ ዓቢይ ሃረርታ ክህልዎ ኣለዎ።” ዝብል ኢዩ ነይሩ። ኣዛ ሓሳብ እዚኣ ሓይሊ ሃበትኒ በዚ ተደጊፈ ከኣ ኣብ ጫፍ በጻሕኩ። ኣብኡ ኮይነ እንሓሰብኩ እንከሎኹ መጽሓፍ ናይ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ገንጸልኩ፣ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ከኣ ኣንበብኩ፦ “ሰባት ንጫፍ ጎቦታት፣ ንሰፊሕ ጽፍሒ ባሕርታት፣ ንዛራ ማይን ወሓይዝን ውቅያኖሳትን ንኽዋኽብቲ ሰማይን ከጽንዑ ክብሉ ንገዛእ ርእሶም ይርስዑ።” ትብል ኢያ ነይራ። ካብ ጫፍ ጎቦ እናወረድኩ ብዛዕበኣ ብዙሕ ኣስተንቲነ፤ ሰባት ማዕረ ክንደይ ዓያሹ ምኳና ከኣ ተረዲአ። ነቲ ዝበለጸ ናይ ገዛእ ርእስና ህያብ ኣምላኽ ገዲፍና ንብዙሕ ነገራት ንሓስብ ብብዙሕ መንገድታት ንጓዓዝ፣ ኣብ ብዙሕ ምርኢታት ንሳተፍ። ነዚ ከምዝን እናሓሰብኩ ነቲ ጫፍ ጎቦ ተመልከትኩ ምስቲ ኣባና ዘሎ ዓቢይ ህያብ ኣምላኽ ኣነጻጺረ ከኣ ኣዚዩ ንእሽቶ ወይ ሓጺር ኮይኑ ረኸብክዎ።”
እዛ መልእኽቲ ንዝጽሓፈሉ ሰብ ብተወሳኺ ከምዚ ይብሎ ፦ ንሕቡእ ሓሳባተይ ሓንቲ ብሓንቲ ጸልየለይ። ምኽንያቱ ኣብ ዝኾነነን ንዝኾነን ክሓስብ ዝጸንሔኢየ። ሕይወተይ ኣብቲ ሓደን ዝበለጸን ክቊማ ብጸሎት ሓግዘኒ ይብሎ።
ናባኻትኩም ብቀጥታ ኣትኩርና ክንዛረብ እንተ ደኣ ኮይንና፣ እግዚኣብሔር ጸዋዕታ ክህነት ብስምኩም ጸዊዑ ስለ ዝዕድለኩም ብሓቂ ዓቢይ ነገር ገቢርልኩም ኢዩ። ካህን ንሰማይን ምድርን ከራኽብ ዝኽእል ድልድል ኢዩ። ካህን ንክርስቶስ ምስዓብ/ምኽታል ብወንጌል ዝሕተቶ ናይ ቅድስና መንገዲ ቀሊል ኣይኮነን። ኣንተኾነ ኣብ ሓይሊ ሰብ ዘይኮነ ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ምእማንን ኣብ ጸሎትን መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍን ኣተኩርካ ክትሰርሕ ከም ዘሎካ ሓንጎፋይ ኢልካ ምቕባልን ኣድላዪ ኢዩ። “ልሳን መነኮሳት ቅድስቲ ኢያ ምኽንያቱ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎም ርክብ ቀጻሊ ስለ ዝኾነ።” ዝበልዎ ቅዱሳን ኣቦታት ኣባኻትኩም ክፍጽም ኣለዎ፣ ምስ ቅዱስ መጽሓፍ ቀጻሊ ዝኾነ ርክብ ክህልወኩም ሓሳባትኩም ኣዘራርባኩም ኣተኣራርማኹም ብኣኡ ዝተቀለሰ ኪኸውን ይግባእ። ንሕይወት ክህነትኩም ክሕግዘኩም ይኽእሉ ዝበልክዎም ሓሳባት ኣስዒበ ዘርዚረዮም ኣሎኹ።
ኦ ስጋ ዝለበስካ ጎይታ፣ ጉዕዞ ቅድስና ክህነተይ ዚውሰን፡ በቲ ኣነ ንተኣማንነት፣ ንፍቕሪ፣ ንኣምላኽ ንምስማዕ ዘሎኒ ሃረርታ ኢዩ። ነታ ሰጋ ዝለበሰት ኣካል ናይ ወዲ ኣምላኽ ንሳ ኢያ ሃገረይን ሕይወተይን። እዚ ነዓኻ ክመስል ካብ ዝወስዶ ውሳኔ ኢዩ ዝብጻሕ። ክርስቶስ መድሓኒየይ ኣብ ቅድስና ክበጽሕ ዘሎኒ ሃረርታ የበርትዓኒ እምበር ኣየድክመንን፣ የኽብረኒ ኣምበር ኣየሕስረንን የሓጉሰኒ እምበር ሕዙንን በዓል ስቓይን ኣይገብረንን ኣብ መጨረሻ እኳ ደኣ ሰዓርን ወናኒን ክብርን ይገብረኒ።
ምኽንያቱ፦ ንስኻ ጽባቔ ናይ ክህነታዊ ኣገልግሎተይ ኢኻ። ንስኻ ናይ ጸዋዕታይ ብርእሱ መልኽዕ ኢኻ፣ ንህያብካ ብነጻ እትህብ ዘይውዳእ ጸጋ ዘሎኻ ናይ ጽባቔ ነጸበራቕ ፍጽምና ኢኻ። ኣብ ኩሉ ሕይወተይ እትዝርጋሕ ብጽዕነት ኢኻ። ከም ኣገልጋሊ ክርስቶስ ኣብ ሕይወተይ ሃረር ዝብሎ እንተሎ ብዝተማለኤ መንገዲ ንኹሉ ጊዜ ክሳብ መጨረሻ ነዓኻ ዝመስለሉ ይኹነለይ። (ካርዲናል ኣናስታስዮ ባለስትረሮ)
ካህናት ዓበይትን ቅዱሳንን ኩኑ
ሃደ ኪጽሕፍ እንከሎ ከምዚ ይብል፡ ካህናት ኣነ ካህን ኣይኮንኩን ንኣኡ ዘተገባእኩ ኮይነ ከኣ ኣይፈልጥን። ንስኻትኩም ቅድሴ ድሕሪ ቀዲስኩም ብድሕሪኡ ከመይ ኢልኩም ትነብሩ? ኩሉ መዓልቲ ወልደ እግዚኣብሔር ኣብ ኢድኩም ኣሎ። መዓልቲ መዓልቲ ሊቀ መላእኽቲ ሚካኤል ዘይብሉ ስልጣን ትውንኑ። ንስኻትኩም ብቓላትኩም ንእንጌራ ባህርያቱ ቀይርኩም ስጋ ክርስቶስ ከም ዝኸውን ትገብሩ፣ ንወልደ እግዚኣብሔር ካብ ሰማያት ናብ መንበረ ታቦት ክወርድ ትግድዱ።
ንስኻትኩም ኣዚኹም ዓበይቲ ኢኹም ዘይትብጽሑ ፍጡራት ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝለዓለ ስልጣን ዘለኩም ኢኹም።
ስለዚ ኣንቱም ካህናት ቅዱሳን ኩኑ ንብለኩም ኣሎና። ምኽንያቱ፣ ንስኻትኩም ቅዱሳን እንትደኣ ኮንኩም ንሕና ክንድሕን ኢና እንትዘይተቐደስኩም ግን ክንጠፍእ ኢና።
ካህናት ንሕና ንዓኻትኩም ኣብ ትሕቲ መንበረ ታቦት ኢና ክንርእየኩም እንደሊ ሥራሓት ምክፋት፣ ህንጻታት ምህናጽ፣ መጽሔታት ምጽሓፍ፣ ካብን ናብን ምጉያይ ናባና ግደፍዎ ምክንያቱ ንሕና ንዕኡስ ንኽእሎ ኢና። ንጸሎት ግን ንስካትኩም ኢኹም እትኽእልዎ። ስለዚ ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ቅሙ። ንኢየሱስ ጎር ኩንዎ። ካብ ጸሎት ናብ መንበረ ታቦትን ምጉያይ ይኹን ስራሕኩም። እዚ ኢዩ ካባካትኩም እንደልዮ። ምኽንያቱ ጎይታና ንብይኑን ተረሲዑን ኢዩ ዘሎ።
ኣብያተክርትያና ኣብ ቅዳሴ ጥራይ ኢየን ብሕዝቢ መሊኤን ዝረኣያ። ዘገርም ኢዩ፣ ኢየሱሱ ግን 24 ሰዓት ኣብኡ ኣሎ፣ ን24 ሰዓት ከኣ ነፍሳት ይጽውዕ፣ ካህናት ይጽውዕ፣ ነዓና ይጽውዕ። “ሓንቲ ቃል ተዛረበኒ፣ ክምስ በለኒ፣ ከም ዘፍቕረካ ዘክር ወላ እናሓለፍካ እፈትወካ በለኒ፣ ኣነ ከኣ ምጽንናዕን ትብዓትን ክመልኣካ ኢየ።” ይብል ኣሎ።(ኤንሪኮ መዲ ፊዚሻን)
ናይ ካህናት ዓሰርተ ቃላት
1. ካንህ ካብ ከም ካህን ዚገብሮስ ከም ካህን ዚነብሮ ይበልጽ።
2. ካብቲ ኣነ ዝገብሮስ ክርስቶስ ብኣይ ዝገብሮ ይበልጽ።
3. ካብ ንበይነይ ክሰርሕ ኢለ ዝጽዕር ምስ ብጾተይ ካህናት ሕብረት ክህልወኒ እንከሎ ይበልጽ።
4. ካብ ኣብ ስራሕ ምጽማድ ኣብ ጸሎትን ቃል እግዚኣብሔርን ምጽማድ ይበልጽ
5. ካብ ንብሕተይ ብዙሕ ስራሕ ምስራሕ ነመሳርሕተይ ብመንፈሳውነት ምኩስኳስ ይበልጽ።
6. ካብ ኣብ ዝተፈላለየ ብዝሒ ስራሕ ኣፋሪቓ ምስራሕ፣ ኣብ ውሑድ ንሕይወት ዘማእከለ ምስራሕ ይበልጽ።
7. ክእለት ኣሎኒ ኢልካ ካብ ምእማንን በይንኻ ምስራሕን፡ ሓቢርካ ምስራሕ ይበልጽ።
8. ካብ ብሰብኣውን ብባሕርያውን ጻዕርን ፍልጠትን ዝፍጸሙ ዝረኣዩ ስራሓት
ብመስቀል ዝመጹ ፍረ ዘለዎም ስራሓት ይበልጹ።
9. ካብቶም ብናይ ግሊ ኣረኣእያ ኣድለይቲ ኮይኖም ዝረኣዩ ናይ ግሊ ርእይቶታት፡ ኣብ ናይ ማሕበር ሰበኻ ቤተ ክርስትያን ዝጠቅሙ ክፉት ምኳን ይበልጽ።
10.ካብ ንኩሉ ባህ ዘብል ክገብር ኢልካ ምሕላን ንኩሎም እምነት ምምስካር
ይበልጽ። (ሞንሲኞር ክላውስ ሄመርለ)
ናይ ፍቕሪ ስራሕ (ጸሎት ናይ ዮሓንስ ማርያ ቪያኒ)
 ኣምላኽይ እፍትወካ አፍቅረካ ሃረርታይ ክሳብ እታ ናይ መጨረሻ እስትንፋስ ሕይወተይ ነዓካ ምፍቓር ኢዩ፣
 ኣምላኸይ መወዳእታ ዘይብሉ እትፍቶ ኢኻሞ አፍቕረካ ወላ ንሓንቲ ካሊኢት ትኹን ካብዘይ ምፍቓር እናፍቐርኩኻ ክመውት እመርጽ።
 ኣምላኸይ እፈትወካ፣ ሓንቲ ጸጋ ክሓተካ ዝደሊ ንዘለዓለም ንከፍቅረካ ኢየ።
 ኣምላኸይ አፍቅረካ-ንሰማይ ከኣ ሀረር እብል-እዚ ከኣ ብፍጽምና ናይ ምፍቃርካ ሓጎስ ንኽረክብ ጥራይ ኢዩ።
 ኣምላኸይ ወላኳ ብኸናፍረይ ጸጸኒሔ አፍቅረካ ኢየ ክብል እንተዘይከኣልኩ፣ ልበይ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምትንፋስ ክትደግመልካ እምነ።
 ምእንታይ ስለ ዝተሰቐልካን ኣብዚ ዓለምዚ ምሳኻ ከም ስቑል ስለ እትሕዘንን ኦመለኮታዊ መድሕነይ አፍቕረካ ኣሎኹ።
 ኣምላኻይ እናፈተኹኻን ከም ዝፈትወካ ኣናፈለጥኩን ከም ዝመውት ግበረኒ።

ክህነትኩም ብሓቂ ፍረ ዘለዎ ክኽውን እምበኣር ቃል ኣምላኽ መሊእኩም ይሕደር ንኩሉ ድሕሪ ክህነታዊ ስራሕኩም ርኣይዎ። መሰረታዊ ለውጢ ክትገብሩ ንኣምላኽ ኩሉ ጊዜ ጸውዕዎ። ነታ ቅንዕቲ መንገዲ ዝተከተለትን መንገድኹም ክተቕነዕልኩም ሙሉእ ክእለት ዘለዋ ማርያም ከኣ ናይ ሕይወትኩም መሪሕ ግበርዋ።

እናቴ ለተምሕረት ተስፋይ
ማሕበር ደናግል ደቂ ቅድስቲ ሓና