ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ አምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹዓን እዮም


“ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ አምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹዓን እዮም።” ማቴ.5:9

ብአባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

“ምስ ኩሉ ሰላም ግበር”
ኣብ ሕይወትና ምስ ክሉ ብሰላም ንኽነብር ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ሓደ ጥዑይ ዝኾነ ርክብ ምስ ኣኅዋትናን ኣኅትናን ክንምስርት ይግበኣና። ኣብ ሕይወትና ሓደ ሰብ በዲሉኒ፡ ጎዲኡኒ ንብል እንታይ ማለትና ኢዩ፧ እዚ ነገር እዚ ምሕረት – አይግብኦን ኢዩ አይገብረሉን ኢየውን ንብል እንታይ ማለትና ኢዩ፧ ስለምንታይከ ዝግደሰሉ፧ በዲሉኒ ጥራይ ምባል ጥቕሚ የብሉን፧ እኹልውን አይኮነን። ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦን መፍትሒ ክንረኽበሉን ነቲ ስለምታይ ዝብል ሕቶ ክንምልስ ይግበአና። ንአብነት፦ አብ መንገዲ ሓደ ሰብ ክኸትረካ ከሎ ወይ አኽብሮት ከጉድለልካ ከሎ ተሓርቕዶ፧ ትሓዝንዶ፧ ስለምንታይ፧ ስለዘኽበረካ ወይ ስለዝከተረካ ወላሓንቲ ሳ ዕቤን አብ ሕይወትካ የብሉን።
ካብቲ ናይ ምንባርካ ዘለካ መሰል ወላሓንቲ አየጉደለልካን፧ ግና የገድሰካ፡ የጨንቐካ፡ ስለምንታይ፧ አንነት – ፍርሃት – አኽብሮት – ቁጣዓ- ምውጣን ወዘተ እዚአቶም ብኸመይከ ነንሕድሕዶም ይራኸቡ፧ አብዚ እዞም ቃላት እዚአቶም አብቲ መዓልታዊ ሕይወትና ብኸመይ ንገዛእ ርእስና ከምእንርኢ ብኸመይ ምስ ዓለም አብ እንዋሳአሉ ይጸልዉና ምርዳእ የድሊ።
አብ ሕይወትና ሕጉሳት ንኽንከውንን ሓደ ሕጉስን ሱቡቕን ዝኾነ ዝምድና ክንምስርትን፣ ሚዛናዊ ዝኾነ ሰነ አእመራዊ አተሓሳስባ ንኽህልወና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጹቡቕ ስሚዒት ክህልወና አለዎ። እዚ ማለት ንገዛእ ርእስና ክነፍቕር አለና። ገዛእ ርእስኻ ምፍቃር ማለት ከአ አብ ገዛእ ርእስኻ እትተአማመን ሰብ ኢኻ ማለት ኢዩ። ርእሰ ተአማንነት እምበአር ውጺኢት ናይቲ ሕይወትካ ብኸመይ ትነብሮ ኢዩ። እዚ ከአ ገዛእ ርእስኻ ብምኽባር ኢኻ ትረኽቦ። ምኽኒያቱ ንገዛእ ርእስኻ ዘይተኽብር እንተኮይንካ ንገዛእ ርእስኻ ክተፍቅር አይትኽእል ኢኻ። ንገዛእ ርእስኻ ዘይተፍቅር ከአ ንኻልኦት ክተፍቅር አይትኽእልን ኢኻ።
ሰባት ከመይ ጌሮም ኢዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ኽብሪ ዝሕልዉ ወይ ገዛእ ርእሶም ዘኽብሩ፧
ነፍሲ ወከፍና አብ መዓልታዊ ሕይወትና ውሳኔታት ንገቢር ኢና። ክንውስን ከለና ኸአ እቲ ንውስኖ ቅኑዑ ኢዩ ኢልና ኢና እንአምን። በዚ ውሳኔ እዚ ከአ ንሕጎስ። እዚ ውሳኔ እዚ ጌጋ ምኻኑ ምስ ተረዳእና ግና ንሓዝን። እዚ ነቲ አብ ገዛእ ርእስና ዘለና ተአማንነት አኽብሮት ይጎድል፤ ተስፋ ንቖርጽ ማለት ኢዩ። ስለዚ አብ ሕይወትና ጽቡቅ ንኽስመዓና ጽቡቅ፡ ሰናይ ተግባራት ክነዘውትር – ክንገቢር ይግበአና። አብዚ ሰናይ ተግባራት መንፈሳዊ ዕባገብት ጥራይ ዘይኮነን ስጋዊ ዕግበትን ዕረፍትን አለና፣ ካብቲ ሰናይ ተግባራትና። ሓላፍነት ዝመልኦ ስራሕ ክንሰርሕ ከለና አኽብሮት ንረክብ በዚ ከአ ርእሰ ተአማንነት ነጥሪ።
ስለዚ ጽቡቕ ምግባር ነቲ ናትና አእምሮ፡ መንፈስ ይምግቦ፡ የዕግቦ፡ ሰላም ይህቦ። ርእሰ አኽብሮትን ርእሰ ተአማንነትን ተጥሪ ማለት ኢዩ። አብዚ ከአ ርእሰ አኽብሮት ገዛ እርእስካ ምቁስጻርን ይራኸቡ። ንገዛእ ርእስና ዘይነኽብር እንተኮይና፡ ሓቀኛ ፍቕሪ ርእስና ክህልወና አይክእልን ኢዩ፡ ከም ውጽኢቱ ነቲ ጎዲሉና ዘሎ ንምምላእ ፍቕሪ ካብ ካልኦት ንደሊያ፡ ማለት ካባና ወጻኢ ንደሊያ። ኢዚ ዓይነት ፍቕሪ ዘድሊየና ካብ አኽብሮት ኢዩ ዝመጻና። ካልኦት ሰባት አኽብሮት እንተሃቡና አብ ውሽጥና ገዛእ ርእስና ንኽነፍቅር ይሕግዘናን ይገብረናን። ርእሰ ተአማንነትን መሰረቶም አብ ክብረት ርእስኻ ኢዮም። ካብ ገለ ክንረኽቦም አለና። ስለዚ አብ ገዛእ ርእስና እንተ ዘይረኺብናዮም ካብ ካልኦት ክንረኽቦ ንጽዕር ወይ ንደሊ። ንገዛእ ርእስና ዘይነኽብር እንተኮይና፡ ሓቀኛ ፍቕሪ ርእስና ክህልወና አይክእልን ኢዩ። ስለዚ ፍቕሪ ካብ ካልኦት ክንረኽባ ንጽዕር” ኢልና ነርና። ካልኦት ክብረት ክህቡና እንተ ኪኢሎም ርእስና ክነኽብር ከምዘለና ይስመዓና፡ እዚ ስምዒት እዚ ከአ ንገዛእ ርእስና ከም እነፍቅር ይገብረና። ርእሰ ተአማንነት ዝለዚ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምፍታውን ካብ ክብሪ ርእስካ ኢዮም ዝነቕሉ።
እቲ ክፋል ሕይወትና ናይ ገዛእ ርእስና ክብረት ካብ ካልኦት ዝደሊ ወይ ሓሰስ ዝብል፡ እዚ ዓይነት ባሕሪ ፈታዊ ርእሱ፤ አነ በሃልይ ሰብ ኢዩ። እዚ ባህሪ እዚ ሰባት ከመይ ጌሮም ክርእዩና ከምዘለዎም እንውጥኖ፡ እንደልዮ ወይ ሃረር እንብሎ ኢዩ። አብዚ ሰባት ብዛዕባና ዘለዎም ርእይቶ አውንታዊ እንተኮይኑ ንሕጎስ፡ አብ ገዛእ ርእስና ተአማንነት ነሕድር ንገዛእ ርእስና ክነፈቅር ንጅምር። አሉታዊ ኮይኑ ከአ ሕማቅ ይስመዓና። አብ ገዛእ ርእስና ዘለና አክብሮት ይጎድል፡ ንገዛእ ርእስና ክነፍቅር ከአ የጸግመና። አብዚ ከአ ጠባይና ረቂቕ ይኸውን። ኣብ ውሽጥና ፍርሂ ንፈጥር ስለዚ ሰብ ክሓርቕ እንተረአናዮ ዝለዝፈርህ ጥራይ ኢዩ። እቲ ፍርሁ እዚ ካበይ እዩ ዝመጽእ እንተበልና፡ እቲ ናይ ምቕፅፃር ሓይሉ ደኺሙ አሎ ማለት ኢዩ።
ስለምንታይ እዩ ቁጠዓ ስምዒታዊ መልሲ ክኸውን ዝኸአለ፧
ቁጠዓ ናይዚ ኩሉ ውጽኢት ወይ መልሲ ኢዩ። መሰረት ናይ ሕርቃንን ቁጣዓን ይኸውን። ካብ ካልኦት ክብረት አቃልቦ እንተዘይረኺብና፡ ንሓርቅን ንቁጣዕን። ምኽኒያቱ ንገዛእ ርእስና ንምርአይ ዘለና ድልየትን ሃረርታን ይጎድእ። እቲ መግቢ ንአእምሮናን መንፈስናን ክምግብ ዘለዎ የቃርጸና ስለዘሎ። እዚ ሓይሊ እዚ ነቲ ናይ ገዛእ ርእስና ምቁጽጻር ዘለና ክእለት ይዘርገልና። እቲ ነዚ ድኽመት (ገዛእ ርእስና ምቁጽጻር) እዚ እንህቦ ስምዒታዊ መልሲ ከአ ፍርሂ ይኸውን። ነቲ ፍርሂ ከአ አካላትና ወይ ኢቲ አንነትና ብቁጥዓ ክክሕሶ ይፍትን። ማለት ስነ ኣእምራዊ ነቲ ርእስኻ ንምቁጹጻር ኣጢፊኢካዮ ዘለኻ ክእለት ወይ ዓቕሚ ንምትካእ ዝግበር ፈተነ ኢዩ። ብቁጠዓ ወይ ሕርቃን ክትኽሕሶ ወይ ክተዕግሶ ትጽዕር ወይ ትፍትን።
ናይዚ ኩሉ መሰረታዊ አሉታዊ ስምዒት፤ ማለት ቅንኢ፡ ህርፋን፤ ቁጠዐ ወዘተ ፍርሂ ኢዩ። መሰረት ናይ ፍርሂ ኸአ ትሑት ዝኾነ ርእሰ ተአማንነት ኢዩ። ዝለዚ ኢና እቶም እንቁጣዕ ሰባት ትሑት ተአማንነት ገዛእ ርእስና ዘለና። ስለዚ ተኻታዕቲ፡ ነቓጻት ኮይና ንነብር። ንሰባት ንምምሓር የጽግመና። ቁጠዓ ሓያላት ኮይና ከም ዝስመዓና ይገብር። ነጻ፡ ነብስና እንቆሳጸር ዝኾነ ስምዒትን ሕልምን የሕድረልና፡ በንጻሩ ግና ካብ ገዛእ ርእስና ወጺና ርእስና አብ ዘይንቃጻጸረሉ ኩነታት ኢልና ዘለና።
እዞም ሰባት እዚአቶም እምበአር ናይ ገዛእ ርእሶም አኽብሮት ንምርካብ፡ እታ መጀመርታ ዝገብሩዋ እንታይ ኢያ ሰባት ምውንጃን፡ አብ ምፍራድ ይተግሁ። አብ አሕዋቶም አውንታዊ ነገራት አይረአዮምን። እዚ ብምግባር ከአ መሊሶም ክብረቶም የጥፍኡ። አብዚ ክንርድኦ ዘለና ግና ብሓቂ ነሕዋትና አኃትና አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክነውድቅ እናጸዓርና ካብ ሰባት ክብሪ ክንረክብ ሓጎስ ክነርክብ ኢልና አይንሕሰብ። ዝያዳ እካ ደአ ካብ አኅዋትና አኃትና ተነጽሎ የጋጥመና። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ገዛእ ርእስና ከም እንጸልእውን ይገብረና። ስለዚ ካብ አኃዋትናን አኃትናን ክብሪ እንረክብ ሰናይ ተግባራት ብምግባር ኢዩ። አብ ሕይወትና ብዙሕ ጽልእን ዘይምስምማዕን ክንኣሊ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ናትና ምስ ሰባት ዘለና ኣቀራርባ ይውሰን። ኣብ ሕይወትና ንነገራት ወይ ጸገማት ካብ መጀመርትኦም ክንኣሊዮም ክንጽዕር ይግበኣና። ሓደ ጸገም ወይ ኩነት ቅድሚ ምጅማሮም አተሓሕዛ እንተ አሰቢቕናሎም ቅድሚ ጸግም ቅድሚ ምልዓሉ ክንዓጽዎን ንኽእል ኢና ማለት ኢዩ።
ዝኸበርኩም አኅዋት አኃት ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና ዝምድና ወይ ጥዑይ ርክብ ሰላም ዝምስረት ኣብ እምነት፡ ሓቅነት/ ቅንዕና፡ ክብሪ ወዲሰብ ብምሕላውን ኢዩ። እግዚአብሔር አምላኽ፡ እግዚአብሔር አምላኽ እንዳበልካ አይኮነን። እንታይ ፍቓድ እግዚአብሔር እናፈጸምካ።
አብ ዝኾነ ኩነታት ሕይወት ሃሉ ምስ ገዛእ ርእስካን ምስ አኅዋትካን ብሰላም ንኽትነብር ካብ ባእስን ክርክርን ክትርሕቅ አለካ። ነቶም ዘጋኑፉኻ ጸጋማት ከይ ወዓልካ ከይ ሓደርካ ክትፈትሖም ጸዓር። “ኣብ ክራኹም ጸሓይ ኣይ ዕረብኩም” ውልቃዊ ጠባያትካ አብ ሓጺር ግዜ ፍትሓዮም፡ ብኸመይ እንታይ መገዲ ንጠቀም፡ ሓደ መምህር ነይሮም – ሰባትሲ ይንዕቑኒ አነ ከምዝንዕቖም ግና ዘይፈልጡ። እቲ ዘሕዝነኒ ኸአ እዚ “አነ ከም ዝንዕቖም ዘይምፍላጦም ኢዩ ይብሉ ኔሮም።
ሓፈሻዊ መምርሒ ክኾኑና ዝኽእሉ እዞም ዝስዕቦ ክንርኢ ንኽእል። ንአብነት ሰባት ብዘይ ዝኾነ ምኽኒያት ክጸልኡኻ ክርከቡ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ግና ክንፈልጦ ዘለና ዝለ ዘይደለዩኻ ወይ ስለ ዝጸልኡኻ አይኮኑን፡ ንገዛእ ርእሶም ከምቲ ዝግባእ ስለ ዘይፈተዉ ዝለዘየፍቅሩን ጥራይ ኢዩም። ሓደ ሰብ ዕቡይ፡ ምኩሕ፡ ዘይእሩም፡ ንሰባት አኽብሮት ዘይብሉ፤ ከም ሓቂ ንገዛእ ርእሱ ክብርን ፍቕሪን ዘይብሉ ሰብ ኢዩ። እቲ ንኻልኦት ክብረት ዘይህብ ወይ ዘይብሉ ንገዛእ ርእሱ ዘየኽብር ጥራይ ኢዩ። እቲ ንኻልኦት ሰላም ዝኸልእ ንገዛእ ርእሱ ሰላም ዘይብሉ ጥራይ ኢዩ። ውሽጣዊ ሰላም ሓደ ካብቶም ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንውንኖም ክንጽዕር ዘለና ኣድለይቲ ህያብ እግዚኣብሔር ኢዩ።
እዚ ሕያብ እዚ ብምርካብ ኢና ንሕና ኣብቲ ሓቀና ፍቕሪ ርእስናን ኃውናን ክነብር እንኽእል። በዚ ጥራይ ኢና ነቲ ትእዛዝ ኣምላኽናን ጎይታናን ኣብ ግብሪ ክነውዕሎ እንኽእል። ሰላም አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሓጎስ፡ ቡራኬ፡ ኢዩ። ኢየሱስውን እንተኾነ እታ ቀዳመይቲ ካብ ሞት ምስ ተንሥአ እታ ቀዳመይቲ ቃል ንሓዋሪያቱ ዘስምዖም “ ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን”። ዝለዚ ምንጪ ሰላምና ሓጎስናን እንታይ ኢዩ እመነትና ኢዩ። እቲ ጎይታና አምላኽና ምንጪ ሰላምና ኢዩ። ሰላም አብ መንጎ አሕዛብ ንምትካል ከአ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ አብ መንጎና ሓዲሩ ሰላም ገበረ። “አምላኽ በቲ ወዱ አብ መስቀሉ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፥ ነቲ አብ ምድሪ ዘሎን አብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ኹሉ ኸአ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ”። ቆላ.1:20
ጎይታይ ናይ ሰላምካ መሳሪሒ ግበረኒ ይብል ቅዱስ ፍራንቸስኮ። ብዙሕ ግዜ ሰባት በዲሎሙና ኢልና ብዙሕ ንሓዝን ንጭነቕ፡ ሰባት ኢና ስለምንታይ ኢልና ንገዛእ ርእስና ንሓትት መልሲውን ንስእነሉ ግዜ አሎ። ግና እቲ በዳሊና ካባና ንላዒ ከም ዝጭነቕ ምርዳእ የድሊ። ካባና ንላዕሊ ድቃስ ከም ዝስእን ምርዳእ የድሊ።አይድቅስን ኢዩ፡ ውሽጣዊ ቅልውላው አለዎ። ከምውጽኢት አብ ዕግርግር ይነብር። ስለዚ ንሕና አብ ቅድሚ እዚ ሰብ እዚ ሞራላዊ ሓላፍነት አለና ክንሕግዞ። ከመይ ነዚ አንበሳ ዝስምዖ ዘሎ ሓውና ወይ ሓፍትና ናብ ሓደ በጊዕ ክንቅይሮ ንኽእል ኢና። ብተግባራትንን ብምስክርነትና። ሸለል ብምባልና። ሓደ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ዘይፈቱ እንተኮይኑ፡ ፍቕሪ ገዛእ ርእሱ ይኹን አበ ገዛእ ርእሱ ተአማንነት ክህልዎ አይክእልን ኢዩ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ብስክፍታ ይነብር። ሰላም ናይ ካልኦት ክዘርግ ይነብር። ፈቲዩ አይኮነን አብ ውሽጡ ሰላም የብሉን። ውሽጣዊ ሰላም የድሊዮ።ፍርሂ እምበኣር መሰረት ናይ ሕርቃንን ቁጣዓን ውጺኢት ኢዩ። ነቲ ፍርህና መልሲ ኸአ ቁጠዓ ኢዩ።
ስነ ኣእምራዊ ነቲ ርእስኻ ናይ ምቁጹጻር ኣጢፊኢካዮ ዘለኻ ክእለት ወይ ዓቕሚ ንምትካእ ዝግበር ፈተነ ኢዩ። ብቁጠዓ ወይ ሕርቃን ክትኽሕሶ ወይ ክተዕግሶ ትጽዕር ወይ ትፍትን። ስለዚ ሕይወት ወዲ ሰብ ከምዚ ከም ዝኾነ እንተ ተረዲኢና ክንሕግዞ ጥራይ ኢዩ ዘለና። ዝኾነ ሰብ ገዛእ ርእሱ ጽቡቕ ንኽስምዖ፡ ናጽነት ክስምዖ ወይ ክህልዎ ኣለዎ። እዚ ገዛእ ርእስኻ ዘይምቁጽጻር እምበኣር ንሰብ እቲ ናጽነቱ እቲ ናይ ምቁጻጻር ክእለቱን ይሰርቆ። ከምውጽኢት ከኣ ጽግዕተኛን ፈራህን ይገብሮ። “እምበአር ብእምነት ካብ ጸደቕና፥ ብጎይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ አምላኽ ሰላም አሎና። ብእኡ ኸአ ናብዚ ሕጂ ዘለናዮ ጸጋ ብእምነት አቶና፥ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ አምላኽ ስለ ዝኾናውን ንምካሕ አለና”። ሮሜ.5፡ 1-2
ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ሰላም ክንዛረብ ከለና፡ ሰላም አብ መንጎ አሕዛብ፡ ሃገራት፡ አብ መንጎ ሃይማኖታት ወዘተ ኢና ንሓስብ። ቃል አምላኽ ግና እቲ ቀዳማይ መሰረታውን ሰላም ክንዛረበሉን ክንሓስበሉን ዘለና ብዛዕባ ሰላም አብ መንጎ ሰማይ ምድርን፤ አብ መነጎ እግዚአብሔር ደቂ ሰባትን ዘሎ ርክብን ሰላምን ክንሓስብ ይጽወዓና።
ሎሚ ኸአ ነዚ ክነስተንትን ኢና ንዕደም ዘለና። ካሊእ ኩሉ ካብኡ ኢዩ ዝምንጩ። አብዚ ታሪኽ አዳምን ሔዋንን ክንርኢ ንኽእል። ስጋብ አብ ትሕቲ እግዚአብሔር ተአዚዞም ዝነበሩ ሰላምን ቅሳነትን ነበሮም። ንትእዛዝ እግዚአብሔር ሸለል ኢሎም ክጎዓዙ ምስ ጀመሩ ግና ሰላሞም ይዝረግ። ምስ እግዚአብሔር ዝነበሮም ሓሊዮትን ርክብን የጥፍኡ፡ አብ መንጎኦም ክካሰሱ ይጅምሩ። ሓው አብ ሊዕሊ ኃው መቕተልቲ ንርኢ። ሰላም ብመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበና ህያብ አምላክ ኢዩ።
እግዚአብሔር አብ ቅድሚ እምቢይታ ወይ ዘይምእዛዝ ናይ ደቂ ሰባት ንፍጡራቱ ክድርቢዮም አይርከብን። እንታይ ደአ ምስ ፈጣሪኦም ንኸዓርቆም መገዲ ይፈጥር። ሓደ ምሳሌ እሞ ንውሰድ፦ Navigatore እሞ ንውሰድ ናብቲ እንደሊዮ ቦታ ንኽንበጽሕ አድራሻ ንህባ፡ በዚ አድራሻ ከአ ንጸጋም ንየማን እንዳበለት ትመርሓና። ንየማን እንዳበለትና ንጸጋም ምስ እንኸይድ። ንተፍእ። ግና ካብቲ ዝጠፋ እናዮ ጀሚራ እንደገና ንጸጋም ንየማን እንዳበለት አብቲ ቦታና ተብጸሓና። ልክዕ እግዚብሔር አምላኽናውን ከም ኡ ኢዩ። አነ መንገዲን ሓቅን ሕይወትን ኢየ ኢሉና ኢዩ። ግና ደቂ ሰባት ድኹማት ስለዝኾና ነዚ መገዲ እዚ ንስሕት። አምላኽና ግና ብዝተፈላለየ መገዲ እንደገና ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ ንኽንምለስ ይመርሓና። እግዚአብሔርውን ወዲ ሰብ አብ ኃጢአት ምስ ወደቀ ነቲ ሓደ ወዱ ብምልአኽ ናይ ድሕነት መአዲ ሰርዓልና።
ክርስቶስ “ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ አምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹዓን እዮም።” ገበርቲ ሰላም፡ ንኽንከዊን ጥራይ አይመዓደናን፡ አይጸወዓናን። እንታይ ደአ ብሕይወቱ ቃላቱንውን ብከመይ ገበርቲ ሰላም ንከውንውን ከም ዘለናውን ምሂሩና ኢዩ።
ንሓዋሪያቱ ከምዚ በሎም “ሰላም እኃድገልኩም አሎኹ፥ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ አነ ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ አይኮነን፤ አይትሸበሩ፥ አይትፍርሁ”። ዮሓ.14፡27 ሰላም ክርስቶስ ልዕሊ ኩሉ ኢዩ። ዕርቂ ምስ ኣምላኽን ምስ ኣኅዋትን ኢዩ። ሓደ ካብቶም ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ህድአት ናይ ሓንጎልና ኢዩ። ዕርፍቲ ነፍስና ኢዩ። ፍቕሪ፡ የውሃነት ናይ ልቢ፡ ሕብረት ኢዩ። “ንሱ ነቲ አብ መንጎ ዝነበረ፥ ናይ ጽልኢ ከልካሊ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ፥ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ፥ ሰላምና ኢዩ”። ኤፌ.2:14 ዝለዚ ከምቲ አቀዲማን ዝበልናዮ ንሱ ሰላምና ኢዩ። ክርስቶስ አብዚ መገዲ ሰላም ይምህረና። እቲ ናቱ ሰላም ውጽኢት ዓወት ኢዩ ነሩ። ወታሃደራዊ ዓወት ዘይኮነ መንፈሳዊ ዓወት፣ እቲ ንሱ ዝምህሮ መገዲ ሰላም እምበአር ዓወት አብ ርእሲ ገዛእ ርእስና ደአምበር ዓወት አብ ርእሲ ካልኦት አይኮነን። ንገዛእ ርእስና ምምላኽ ኢዩ። “አብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፥ ንኽልቲኦም ድማ ሓደ ብምግባር ከአ ብመስቀሉ ምስ አምላኽ አተዓረቖም። ኤፌ. 2፡16
ቀጺሉ ኸአ “ንአኻትኩም ነቶም ርሑቓት ዝነበርኩም ሰላም አበሰረኩም፥ ነቶም ቀረባ ዝነበሩ ኸአ ሰላም አበ ሠሮም”። ኤፌ.2:17 ብዙሕ ግዜ ምስቶም አቀረባና ዘለዉ ሰላም ንምግባር እቲ ዝበርተዓ ኢዩ ካብቶም ዝረሓቁ። ብኸመይ ኢና እምበአር ንሕና ከም ክርስቶሳውያን መሳርሕቲ ሰላም እንኸውን፡ አየናይ አብነት ንከተል፧ “እቶም ዝአምኑ ኹላቶም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነበሩ” 4፡32 አብዚ ግና ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ይድሊየና።
ቅዱስኣጎስጢኖስ፡ ካብዚ ቃል አምላኽ ተበጊሱ ከምዚ እናበለ ይምህር፦ ዘፍ.11,3-4ግ.ሓ.2:11 አብ ዓለም ክልተ ከተማ አለዋ ይብል፦ ሓደ ባቢሎን ተባሂላ እትጽዋዕ ናይ ሰይጣን ከተማ፡ እታ ካልኤይቲ ድማ ኢየሩሳሌ ተባሂላ እትጽዋዕ ናይ እግዚአብሔር ከተማ። እታ ቀዳመይቲ አብ ፍቕሪ ርእሲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተሃንጸት፡ ስጋብ ንእግዚአብሔር ምንዓቕ ዝበጽሐት ክትከውን ከላ፡ እታ ካልኤይቲ ግና አብ ፍቕሪ እግዚአብሔር ዝተሃንጸት ኮይና ስጋብ ገዛእ ርእስካ መስዋዕቲ እትሓትት ኢያ። እዘን ክልተ ከተማታት ስጋብ ምጽአት ዓለም ንነፍሲ ወክፍና ክፉታት ኢየን፡ ነፍሲ ወከፍና ከአ አየነይቲ ተቐቢሉ ሕይወቱ ከምዝመርሕ ናቱ ምርጫ ይከውን።

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር