መዓርገ ዱቁና ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዲነ ምሕረት 


Image may contain: one or more people, people standing and indoorመዓርገ ዱቁና ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዲነ ምሕረት 

ብዕሇት 7 ሚያዜያ 2019 መንእስይ ኣማኑኤሌ ገብረትንሳኤ ጳውልስ ካብ ገዲም ዓቢ ዘርኣ ክህነት፣ ብዘሓት ውለዯ ክህነትን ምእመናንን ተምሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ፈተውትን ወሇደን ኣብ ዜተረኽብለ፣ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዲነ ምሕረት ብኢድ ብፁዕ ሉቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥትኣብ ተስፋማርያም መዓርገ ዱቁና ተቀቢለ።
ኣብቲ ብዕሇቱ ዜዓረገ መስዋዕቲ ቅዲሴ፣ ድሕሪ ንባብ ወንጌሌ፣ ብፁዕ ሉቀጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ ቃሌ ስከት። “ፍቑራን ሕዜበ እዙኣብሔር ብጾምን ብጸልትን ብምጽዋትን ናብ ፋሲካ እናቀረብና ንኸይድ ኣልና። ክሳብ ኣብዙ ዘብጽሓና እግዙኣብሔር ይመስገን፣ ነቲ ተሪፉ ዘል ከኣ ከሰንየናን እምነትና እናገሇጽና ጉዕዝና እንቅጽሇለ ሓይሉ ይሃበና። ናብ ብርሃነ ስትንሳኤኡ ብድሓነ ሰሊም የብጽሓና።
እዚ ሰንበት እዙኣ ገብረሔር ትብሃሌ። ትርጉሙ ድማ ሕያዋይ ኣገሌጋሉ ማሇት እዩ። መበገሲኡ ድማ ካብዙ ሕጂ ዜተነበ ወንጌሌ ማቴዎስ እዩ። እቶም ሰሇስተ ኣገሌገሌቲ በብጽሒቶም ምስ ወሰደ፣ እቶም ክሌተ እሙናት ኮይኖም ተመስጊኖም። እቲ ጎይትኦም ንነፍሲ ወከፍም “ኣታ ሕያዋይ እሙን ኣገሌጋሉ ኣብ ሒዯት እሙን ኮይንካ ኢኻሞ ኣብ ብዘሕ ክሸመካ እየ እናበሇ ዘጸናንዕ ቃሊት የስምዖም። ህያብ ጎይትኦም ተቀቢልም ስሇ ዜረብሑለን ዜተጠቅሙለን ተመስጊኖም።
ኣምሊኽ ንነፍሲ ወከፍና ክፍጥረና እንከል ዜተፈሊየ ጸጋታት ወይ ዉህበታት ይህበና እዩ። ብናኣሽቱና መንፈጠረና ክንምሃር እንከልና፣ ኣምሊኽ ክንፈትዎን ክንፈሌጦን ንሱ ዜኣዘዘና ስራሕ ክንፍጽምን ፈጢሩና ዜብሌ ተማሂርና። ስሇዙ ንሱ እንተዘይሓጊዘና እዙ ማሇት ጸጋኡ እንተዘይሂቡና ክንፈሌጦን ክንፈትዎን ክንእዘዝን ኣይንኽእሌን ኢና። ግድን ብህያባቱ ክሕግዘና ኣሇዎ።
ነቲ ኣብ ወንጌሌ ዜርኣናዮ ብዓሌ ሓዯ መኽሉት ነፋግ ኮይኑ ሰሇ ዘይረብሓሊ ወይ ስሇ ዘይተጠቅመሊ፣ ጎይታኡ “ኣታ ክፉእ ሃካይ” ይብል። ነቶም ክሌተ ቀዲሞት ግና እሙናትን ሕያዎትን ይብልም። ንሕናውን ብዘሕ ግዛ ነፋጋትን ሃካያትን ኢና። ነቲ ኣምሊኽ ዜሃበና ጸጋ ኣይንሰርሓለን ኢና ዘልና። ንርእስና ጥራይ ንሓስብ፣ ንርእሰይ ጥራይ ይጥዓመኒ ንብሌ። ኩሌና ከምኡ ኢና፣ እዙ ግና ኣብ ጸገም እዩ ዘእትወና። ኣነ መን እየ፣ ካበይከ መጺአ፣ እዙ ዘልኒ ጥዕና፣ ንብረት፣ ሃብቲ፣ ዕድመ፣ ዘፍቅሩ ቤተ ሰብ፣ ውለድ መን ሂቡኒ ኢሌና ክንሓስብ ይግብኣና። እዙ ኩለ ኣምሊኽ እዩ ሂቡና። ንሱ ኩለ ግዛ ሇስጋስ እዩ። ንሕና ዯቂ እቲ ሇጋስ ኣቦ ስሇ ዜኾንና ድማ ንዕኡ ክንመስሌ ይግብእና። “ኦጎይታ ዜሃብካና ጸጋ ከንቱ ከይከውን ክንረብሓለ ናይ ትብዓትን ሇጋስነትን ጸጋ ሃበና” ንበል።
እዙ ልሚ ዱቁና ዜቅበሌ ዘል ወድና ኣማኑኤሌ መኽሉት ተቀቢለ እዩ። ነታ ሓንቲ እኳ ድሮ ተጠቁሙሊ ኣል። ኣምሊኽ ጸዋዕታ ምስ ሃቦ፣ ሕራይ ጎይታይ ኢለ ክሳብ ልሚ ብጽቡቅ ተጓዒዘ፣ ኣብዙ መዓርግ በጺሑ። ንኣምሊኽ ከነመስግኖ ይግባእ። ኣምሊኽ ንሕዜቡ ብዘይ ጓሶት ኣይገድፎምን እዩ። ብሌቢ ነመስግኖ። ንስኻ ድማ መኽሉት ተቀቢሌካ ኢኻ። ክንድቲ ዜሃበካ ተጊህካ ከተገሌግሌን ክትቅዯሰለን ኢለ እዩ ሂቡካ እሞ፣ እቲ ዜሃበካ ከምዘይገድፈካ ፈሉጥካ “ጎይታ ብሌግስነትካ መኽሉት ሂብካኒ ኢኻሞ ሇጋስን፣ ትሑትን፣ እሙንን ኣገሌጋሉኻ ግበረኒ” እናበሌካ ተንበርኪኽካ ክትጽሉ እንተኺኢሌካ ብሓቂ ነቲ መኽሉትካ ብግቡእ ክትረብሓለ ኢኻ።
ክቡራት ሕዜበ እግዙኣብሔር፣ ዱያቆን ማሇት ቃሌ ብቃለ ካብ ግሪኽ ዜመጸ ኮይኑ፣ ኣገሌግልት ማሇት እዩ። እንታይ እዩኽ እቲ ኣገሌግልቱ፣ ብፍሊይ ነቶም ድኻታት፣ ሕሙማት፣ ሽማግላታት፣ ነቶም ሰብ ዘይብልምን ሰብ ዘይርእዮምን ዘይፈሌጦምን ድምጺ ኮንይና ክትሌኣኾም እንከልኻ እዩ። ፣ ንካህናትን
ንጳጳሳትን ኣብዙ ዜተረስዏ ሰብ ኣል፣ ኣብ ሆስፒታሌ ሕሙም ኣል፣ ኣብ ገዚኡ ዜዯቀሰ ኣል፣ ድራር ዕሇት ዜስኣነ ሰብ ኣል እናበሌካ ከተገሌግሌ እንከልኻ እዙ እዩ ዱቁና ማሇት። ክሳብ ዕሇት ክህነትካ ትበጽሕ ትጉህ ኣገሌጋሉ ካህናት ክትከውን፣ ነቶም ድምጺ ዘይብልም ድምጺ ክትኮኖም ተጸዊዕካ ኣልኻ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ግብሪ ዱቁና፣ ማሇት መስዋዕቲ ቅዲሴ፣ ብመንፈሳውነትን ብትግሃትን ከተገሌግሌ፣ ንባባት ቃሌ እግዙኣብሔር ኣቐዱምካ ከተንብብ፣ ክትዲል፣ ንሕዜቢ እግዙኣብሔር ከተንብበልም፣ ቃሌ ኣምሊኽ ከተስምዕ፣ ስጋን ዯምን ክዕዯሌ እንከል ንካህናት ክትሕግዜ፣ እዙ እዩ ዱቁና ማሇት እሞ እቲ ሕያዋይ ጓሳ መድኃኒና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከምቲ ኣብ ወንጌሌ ነቶም እሙናት “ሕያዎት ኣገሌገሌቲ” ዜበልም ንዓኻ ድማ ሕያዋይን እሙንን ኮይንካ ኢኻ እሞ ናብ ዯስታ ጎይታኻ እቶ ክብሇካ እዩ፣
እምብኣር ፍቁር ወድና፣ “ናብ ክህነት በጺሕካ ብዜዓበየ ከተገሌግሇኒ ኢኻ እሞ ነዙ ዱቁናኻ ከም ዓቢ ጸጋ ተቀበል” እናበሇ ዜምዕዯካ ዘል እግዙኣብሔር፣ ባዕለ ኢደ የንብረሌካ፣ ኣብዙ ናይ ዱቁናኻ ከኣ ወትሩ ብጸጋኡ ይዯግፍካ። እታ ኣዯ ኣገሌገሌቲ ዜኾነት ኪዲነ ምሕረት ከኣ ወትሩ ምሳኻ ትኹን ኣናበሌና ንምርቐካን ኣብ ጸልትና ከኣ ንዜክረካን ኣልና።
ፍቁራን ሕዜበ እግዙኣብሔር፣ ህያባት እግዙኣብሔር ኣይከብድን እዩሞ ንሕና ኸኣ ነቲ ዜተዋህበና ህያባት ብምስጋና ተቐቢሌና ክንዓየለ ጥበብ ይሃበና፣ ወሇዱ ወድኹም ኣብዙ ብምብጽሑ እንቋዕ ሓጎሰኩም፣ ኣሕለቅ ገዲም ዘርኣ ክህነት፣ ካብ ንኡስ ዘርኣ ክህነት ጀሚሩ ክሳብ ልሚ ክንዯይ ዓመት ዜኾስኮስክምዎ እንቋዕ ነዙ ኣርኣየኩም፣ ሰበኻና ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ዲዕሮና በሲሊ ተሓጉስና፣ እግዙኣብሔር ምለእ ይግበረሌና። እግእዙኣብሔር ዜተባረኸን ዜተቐዯሰን መዓሌቲ ይግበረሌና” እናበለ ቃሌ ስብከቶም ዚዘሙ።
(ነጋ ኣየሇ)