ዓውደ-መጽናዕቲ ንሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብ ዓቢይ መብጽዓ


ብምኽንያት ዓመተ ውፉይ ሕይወት ብምትሕብባር ኣተግባሪት ኮሚቴ ካልኣይ ሰበኻዊ ሲኖዶስን ኮሚተ ኣነቓቓሕቲ መምህራን ስነ-መዕበያን ዝተመደበ፣ ኣባላት ውፉይ ሕይወት፣ ኣባላት ማሕበራት ደቂ ተባዕትዮን ደቀኣንስትዮን ሰብ ዓቢይ መብጽዓ ዝተሳተፍዎ፣ “ውፉይ ሕይወት፡ ጥዑም መኣዛ ክርስቶስ” ብዝብል ኣርእስቲ ቀዳም 05 ታኅሣስ 2015 ዓ.ም.ኣብ ኣዳራሽ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ፣ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተኻይዱ።

ናይዚ ዕለት ዕዱም መምህር ሊቀጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኮይኖም፣ ብዛዕባተን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እዚ ዓመት  ውፉይ ሕይወት ዝጸሓፍወን “ተሓጎሱ”፤ “ንቕሑ” ዝብላ ክልተ መልእኽታትን ዘትኰረ፡ ኣብ ክልተ ክፋል ዝተመቕለ ሰፋሕቲ ኣስተምህሮታት ሂቦም።

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል፣ “. . ኣብ ማእከል እቶም ዚድኅኑን እቶም ዝጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና ” ዝብል ቃል ቅ.ጳውሎስን ኣብነት ናይ እግዝእትነ ማርያም ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወትን ጠቒሶም፥ከምቲ እግዚእትነ ማርያም ነቲ ብሥራት መልኣኽ ተቐቢላ፡"ተዓብዮ ነፍስየ” ቢላ ናይ ሓጎስን ናይ ምስጋናን መዝሙር ዝዘመረትን፥ ነቲ ዝተቐበለቶ ድኅነት ንኤልሳቤት ዝመስከረትን፡ ንሕና’ውን ወላ ኣብ ከቢድ ግዜ ናይ ምስጋና መዝሙር ክንዝምር፡ ከምቲ ምሉእ ቅዱስ መጽሓፍ ብቐጻሊ ክንሕጎስ ዝምህረና፥ ቅዱስ ኣቦና’ውን፡ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሓንቲ ቃል ክብለኩም ንሳ ከኣ “ተሓጎሱ” እያ ዝበልዎም፥ ንኩልና ከኣ “ውፉያት ኣብ ዘለውዎ ሓጎስ ኣሎ፡ ሓጎስ ጽባቐ ውፉያት ኢዩ”፡ዝብሉና፡ እቲ ካብ ምስ ክርስቶስ ዘሎና ጥቡቕ ርክብ ዝብገስ ምንጩ ክርስቶስ ዝኾነ ታሕጓስ ክንውንን፡ ከምኡ’ውን መኣዛ ክርስቶስ ኮይና፡ ነቲ ዝተመባጻዕናሉ ምኽርታት ቅዱስ ወንጌል እሙናት ኮይንና፡ ኣንጻር ፍትወት ስጋን ሃብትን ፍትወት ርእስናን  እናተቓለስና፡ ክንምስክርን ይግባእ ብምባል፥ ምንጪ ሓቀይና ወንጌላዊ ታሕጓስ ብዘይተኸፋፈለ ልቢ ብንጽሕናን ድኽነትን ተኣዝዞን ምንባርን ምግልጋልን ምዃኑ ንትሕዝቶ እታ ‘ተሓጐሱ” እትብል ሰነድ ብምውካስ፤ ትርጉም ሓጎስ ኣብ ውፉይ ሕይወት፣ ብሰፊሑ ገሊጾም።

ቀጺሎም ነታ “ንቕሑ፣ ጠምቱ” እትብል ሰነድ ካልኤይቲ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እንኪትንትኑ፤ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ኣብታ ንደቂ እስራኤል ብመዓልቲ ጽላል፣ ብለይቲ ከኣ ብርሃን፣ ኮይና እትመርሖም ዝነበረት ዓንዲ ደመና፣ ኣተኩሮም ሕዝቢ እስራኤል እቲ ዓንዲ ደመና እንተዘይተላዒላ ኣይብገሱን፡ ንእኣ ይእዘዙ ነይሮም፣፣ ስለዚ እቲ ደመና ናይ ተበገሱ ፣ናይ ጉዕዞ መዘኻኸሪ መልእኽቲ ኢዩ ነይሩ። እቲ ጉዕዞ፣ ጉዕዞ ሓርነት ስለዝኾነ፣ ጻዕርን ድኻም እውን እንተለዎ ባዕሉ ኣለዎ፣ ንሱ ይፈልጥ ኢልካ፣ ቆላሕታኻ ኣብ እግዚኣብሔር ብምግባር እትጐዓዞ ጉዕዞ’ዩ። እንተኾነ ነዚ ኩሉ ጊዜ ንቁሕ ክትክትውን የድሊ ኢሎም። ብፍላይ ድንግልናዊ ተዓቕቦ ሕይወት ውፉያት ብዝምልከት ከኣ ብመሰረቱ  ድንግልናዊ ተዓቅቦ፡ ምእንቲ መንግሥቲ ኣምላኽ፡ ነቲ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ብምሉእ ልብካን ብኩሉ ሓይልካን ከምኡ’ውን ንብጻይካ ከም ነፍስካ ኣፍቕር ዝብል ትእዛዝ ኣምላኽ ብምሕላው ዝንበር፡ ናይ ፍቕሪ ስራሕ፡ ናይ ዘለኦኣለማዊ ሕይወት ምልክት፡ ፍጹም ሃብቲ ጸጋ ኣምላክ ክትቕበል ሃምካን ቀልብካን ናብ ክርስቶስ ብምግባር ውሽጣውን ደጋውን ምናኔ ምዃኑ፤ ነዚ ክትነብሮ ከኣ መንፈሳውነት፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ተስፋ፡ ማሕበራውን ብሕታውን ጸሎት፡መንፈስ ተጋድሎ፡ ማሕበራዊ ሕይወት፡ ምስክርነት የድሊ ክብሉ፡ ብጥቕስታት ቅ.መጽሓፍ ኣሰንዮም፣ ምስ ዕለታዊ ሕይወት ውፉያት፣ ኣዛሚዶም ግብራዊ ኣብነታት እናጠቐሱ ሃናጺ ኣተምህሮኦምን ኣባታዊ ምኽሮምን ሂቦም። ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት’ውን መሊሶም።

ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ !!

(ግርማይ ኣስፍሃ)