ዓቢይ መብጽዓ ኣብ ደናግል ኦርሰሊነ


ዓቢይ መብጽዓ ኣብ ደናግል ኦርሰሊነ 

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ ቤት. . .ኣሓት ወይ ወለዲ . . .ዝሓደገ፡ ኣብዚ ዓለም እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዘይረክብ የልቦን” (ሉቃ.18፡ 29-30) ቢሉ ከም ዘተስፈወና፣ ነዚ ጸዋዕታ’ዚ ብምቕባል በብጊዚኡ ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዝውፈዩ ዉፉያት ኣምላኽ ይህበና ኣሎ። ሓደ ካብኡ ከኣ 30 ሓምለ 2017 ኣብ ቁምስና ደብረ በኣታ ማርያም ኣሥመራ 10 ኣሓት፥ ደናግል ኦርሰሊነ እናቴ ወርቁ ተ/ብርሃን፣ እናቴ ሓዋርያት ተስፋጊዮርጊስ፣ እናቴ ሉቺያ ፍረዝጊ፣ እናቴ ሳባ ኤማን፣ እናቴ ሺሻይ የማነ፣ እናቴ ዋለት ተስፍይ፣ እናቴ ይርጋኣለም ድራር፣ እናቴ ረድኤት ሰሎሞን፣ እናቴ ሰምሃር ሴፉ፣ እናቴ ሮዛ ኣብርሃ፣ ብዓቢይ መብጸዓ ንኣምላኽ ተወፊየን። ከምኡ’ውን እናቴ ብርኽቲ ክፍለን እናቴ ጽገወይኒ ሰሎሞንን ናይ 25 ዓመት ውፉይ ሕይወተን ብምስጋና ዘኪረን።

ተመባጻዕቲ ኣብቲ ብብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ዝተመርሔ 22 ካህናት ዝተሳተፉዎ መስዋዕቲ ቅዳሴ ማሕለአን ፈጺመን። ብኣሕሉቐንን ኹለን ዓበይትን ናእሽቱን ኣሓተንን ወለደንን ቤተሰበንን ተሰኒየንን ተዓጂበንን ከኣ መብጸዓአን ጸምቢለናኦን ኣሐዲሰንኦን ዊዒለን።

ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ወንጌል፥ ነቲ ኢየሱስ ብሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሕዝቢ ብተኣምራት ከም ዝመገበ ዝዛረብ ክፍሊ ቅዱስ ወንጌል ጠቒሶም፣ ኩልና ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ፍሉይ ህያብ ኣሎና። ነዘን ኣሕዋትና ከኣ ኣምላኽ ክጽወዐን ከሎ ገሊኣን ናይ ምምሃር፣ ገሊኤን ናይ ጥበብ፣ ገሊአን ናይ ጽሬት በብዓይነቱ ህያብ ኣለወን። ኩሉ ከኣ ነናቱ ኣበርክቶ ኣለዎ። ነዚ ዘሎና ህያብ ንኣምላኽ እንተሂብናዮ ኣምላኽ ባዕሉ ኢዩ ብተኣምራት ዘብዝሖን ዘዕበዮን። ሓዋርያት ኢየሱስ ብማየማይ ከኸይድ ምስረኣይዎ ፈሪሖም ሰንቢዶም። ምስኦም ምስ ኮነ ከኣ ኩሉ ሃዲኡ፣ ንሕና’ውን ኣብ ጉዕዞና ማዕበል፣ ፈተና ኩሉ ግዜ ኣሎ፣ ምስ ክርስቶስ እንተ ተጓዒዝና ግን ኩሉ ባዕሉ ጸጥ ከብሎ ኢዩ።

መብጽዓ- ወፈያ ናይ እምነት ስራሕ ኢዩ። ንመብጽዓና ንምናኔናን ተወፋይነትናን ብእምነት ንግበሮ።ንስኻትክን ውፋያት ኮይንክን ክተገልግላ ከለክን ንሱ ባዕሉ ከብዝሖ ኢዩ። ንሕና ምስ ቅ.ጳውሎስ ኮይና ኢና። “ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፣ ናብቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ ኣቢለ እናተመጣጠርኩ፣ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፣ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ሰማይ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ እጐዪ ኣሎኹ እንብል”። ድሕሪ ምባል፡ ንማሕበር ንወለዲ ንመላእ ቤተክርስቲያን እንቋዕ ሓጐሰና ኢሎም። ድሕሪ ቅዳሴ ምስ ኩሎም ቀዳስያንን ደናግልን ዕዱማትን ቤተሰብን ምእመናንን ኣብ ቀጽሪ ቁምስና ብሓባር ኣብ ናይ ቁርስን ምሳሕን መደብ፡ ግጥምታትን ናይ እንቛዕ ሓጐሰክን መልእክታትን ተንቢቡ። ኣብ መጨረሻ ድማ ወኪል ሓለቓ እ.ሮዚና ኢዮብ፡ ብመጀመርያ ንተመባጻዕቲ፡ ንማሕበርን ንወለድን ብሓባር እንቋዕ ሓጐሰና ኢለን፡ ንተሳተፍቲ ኣመስጊነን።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ መዕጸዊ ጸሎት ገይሮም፡ ኩሉ ዕዱም ነናብ ቦቱኡ ተሰናቢቱ ።
ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ!!
ግርማይ ኣስፍሃ