ክብረ በዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት


ኪዳንኪ ኮነ ቤዛነ፡ መድኃኒተ ነፍስነ
ክብረ በዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት
ርእሰ ኣድባራት ኣሥመራ፡ ፲፮ ለካቲት ፳፻፲፣ 23 ለካቲት 2018

ክቡራትን ክቡራንን፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝነገድኩም ፈተውቲ ኣዴና ኪዳነ ምሕረት፡ ቅድሚ ኲሉ፡ ሎምዘመን እውን ነዚ ክብረ በዓላ፡ ከነብዕል ንእግዚኣብሔር ብዝሃበና ዕድል ብልቢ ነመስግኖ። እንቋዕ ነዚ ኣብቅዓና፡ ንግደትና ከኣ ንግደት ኢየሩሳሌም ይግበረልና። ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተቃልሐ ቃል ወንጌል ካብ ወንጌል ሉቃስ 1፡39-56 ዝተወስደ እዩ። ንሱ ከኣ ድሕሪ ብሥራት ገብርኤል መልኣክ፡ እኖና እግዝእትነ ማርያም ንቅድስቲ ኤልሳቤጥ፡ ክትበጽሕ ካብ ናዝሬት ኣይን ካሪም ናብ እትበሃል ናይ ይሁዳ ቊሸት ምኻዳን፡ ኣብኡ ምስ በጽሐት ከኣ ንቅድስቲ ኤልሳቤጥ ከምዝረኸበታን፡ መዝሙር ምስጋና (ታዐብዮ ነፍስየ) ከምዝዘመረትን፡ ንሠለስተ ወርኂ ዝኣክል ነታ ብጽሕቲ ወርኂ ዝነበረት ኣደ ዮሓንስ መጥምቕ ዘመዳ ከምዘገልግለታን ዝነግር እዩ። ማርያም፡ ነቲ ኣብ ማኅጸና ሥጋ ዝለበሰ ወልደ እግዚኣብሔር፡ ማለት ንመድኃኔ ዓለም ተሰኪማ ከምዝመጸቶም ዝፈለጡ ኤልሳቤጥን እቲ ኣብ ማኅጸና ዝነበረ ዮሓንስ ሕጻንን ብዓብይ ሓጐስ ከምዝተሰራሰሩ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ከኣ ንእምነት ኣዴና ማርያም ብምድናቕ፡ “እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተነግረኪ ቃል ከም ዚፍጸም ስለዝኣመንኪ ብጽዕቲ ኢኺ” (ሉቃ 1፡45) እናበለት ከምዘመስገነታ ወንጌል ሉቃስ ባዕሉ ይገልጸልና።

ኣብቲ ተዐብዮ ነፍስየ ለእግዚኣብሔር ዝብል ናይ ምስጋና መዝሙራ፡ እኖና ማርያም በቲ ንኣኣን ንመላእ ሕዝቢ እስራኤልን ዝገበሮ ዓብይቲ ነገራ ንኣምላኽ ተመስግን። “ትሕትና ባርያኡ ርእዩ እዩ እሞ እንሆ ኲሎም ወለዶ ብጽዕቲ ኪብሉኒ እዮም” እናበለትውን ነዚ ሎሚ ንክብራ እንገብሮ ዘሎና በዓልውን፡ ብትንቢት ኣበሠረቶ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እኖና እግዝእትነ ማርያም፡ እግዚኣብሔር ኪዳኑ ዘይጠልም፣ ኣምላኽ ፍትሕን ርትዕን ከምዝኾነውን “ብቅልጽሙ ኃይሊ ገበረ፡ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም፣ ንኃያላት ካብ ዙፋናቶም ኣውረዶም፣ ንዝተዋረዱ ከኣ ልዕል ኣበሎም፣ ንጥሙያት ብበረኸት ኣጽገቦም፣ ንሃብታማት ጥራይ ኢዶም ሰደዶም” ብምባል ክትምስክርን ክተበሥርን ንሰምዓ። እኖና ማርያም ብእምነታን ብተኣዝዞኣን ጸዋሪትን ወላዲትን መድኃኔ ዓለም ኮይና ንወዳ ንዓለም ኣቕረበቶ። ሎሚውን ገና ተቕርቦ ኣላ። በዚ ምኽንያት፡ ቅዱስ ኢረነኦስ በዓል ልዮን ብዛዕባ እግዝእትነ ማርያም ኣብ ታሪኽ ድኅነት ደቅ ሰብ ዘለዋ ዓብይ ተራ ክዛረብ ከሎ፣ ማርያም፡ “ስለዝተኣዘዘት ንርእሳን ንምሉእ ዓሌት ሰብን ምኽንያት ድኅነት ኮነት” ይብል። ብሓቂ ከኣ እኖና ማርያም “ብናጽነት ብዝተኸተለቶ መደብ እምነትን ተኣዝዞን ድንግል ማርያም ኣብ ድኅነት ደቅሰብ ተሓባበረት (ብርሃን ኣሕዛብ 56)። ብስም ኲሉ ፍጥረት ሕራይ ዚብል ቃላ ሃበት (ቅዱስ ቶማስ በዓል ኣኲኖ) ብተኣዝዞኣ ከኣ ሓዳስ ሔዋን፡ ኣደ ኲሎም ሕያዋን ኮነት”(መ.ሃ. 511)።

መጽሓፍ ቅዳሴና እውን ነዚ ፍሉይ ጸዋዕታ ማርያም ክገልጽ ከሎ “በኣማን ነጸረ እግዚኣብሔር ኣብ፡ እምሰማይ፣ ምሥራቀ ወምዕራበ፣ ሰሜነ ወደቡበ፣ ውስተ ኲሉ ኣጽናፍ ኣስተንፈሰ ወኣጼነወ፣ ወኢረከበ ዘከማኪ ወሠምረ መዓዛ ዚኣኪ ወኣፍቀረ ስነኪ ወፈነወ ወልዶ ኅቤኪ ዘያፈቅር” ብሓቂ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ካብ ሰማይ ንምብራቕን ንምዕራብን ንሰሜንን ንደቡብን ኣነጺሩ ጠመተ፣ ኣብ ኲሉ ወገን ኣተንፈሰን ኣሸተተን፣ ከማኺ ዝበለት ግና ኣይረኸበን። ንመዓዛኺ ፈተዎ፡ ንግርማኺ ኣፍቀሮ፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ነቲ ዘፍቅሮ ወዱ ናባኺ ለኣኾ (ቅዳሴ ዘድንግል ማርያም ፡ጐስዐ)ብምባል ዕቤት ኣዴና ማርያም ወላዲት ወልደ ኣምላኽ ንኽትከውን ካብ ኲለን ኣንስቲ ንላዕሊ ተሓርያን ተባሪኻን እያ። ከምቲ ወዳን መድኃኒኣን ክርስቶስ እሙን ዝኾነ ንሳ ከኣ ኪዳና ዘይትጠልም እምንቲ ኣደና እያ። ነቲ ኣዴና ሔዋን ዘበላሸወቶ ማርያም ኣዓረየቶ፡ ነቲ ኣዴና ሔዋን ዘጥፍኣቶ ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ረኸበቶ፣ በዚ ምኽንያት ከኣ፣ “ኪዳንኪ ውእቱ ማርያም ለኃጥኣን ተስፋነ”፣ ኦ ማርያም ኣዴና፡ ኪዳንኪ ንኣና ንኃጥኣን ተስፋና እዩ፣ “ኪዳንኪ ኮነ ቤዛነ፡ መድኃኒተ ነፍስነ”፣ ኪዳንኪ በጃናን መድኃኒት ነፍስናን ኮይኑ እናበልና ብተስፋ ክንዝምር ሓዲርና።

ፍቁራን ሕዝበ እግዚኣብሔር፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ለይቲ መዛሙር ነዚ ድሮ ጀሚርናዮ ዘሎና ናይ ጸሎትን ጾምን ምጽዋትን ክቡር ጊዜ ዘዘኻኽረና እውን ይርከቦ እዩ። “ጾም ትፌውስ ቊስለ ነፍስ፡ ወታጸምም ኲሉ ፍትወታተ ዘሥጋ፡ ትሜህሮሙ ለወራዙት ጽሙና፡ እስመ ሙሴኒ ጾመ በደብረ ሲና”(ዚቅ ዘኪዳነ ምሕረት)። ከምቲ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝጾሞ፥ ጾም ንቊስሊ ነፍሲ ትፍውስ፣ ንኲሉ ናይ ሥጋ ፍትወታት ትሕክም፣ ነባጽሕ ጽሙና ትምህሮም እያ እሞ ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ዘመነ ጾም ብልቢ እናጾምና ቊስሊ ነፍስና ነሕዊ፡ ፍትወታት ሥጋና ነሸንፍ፡ ብጽሞና ከኣ ነቲ ሕያው ቃል እግዚኣብሔር ንስማዕ ሕማማት መድኃኒና ነስተንትን ብኃጢኣትና ንነሳሕ። ወንጌል ከምዝብለና ኣዴና ማርያም ኣብ ምስማዕ ቃል እግዚኣብሔርን ኣብ ኣስተንትኖ ምሥጢራት ድኅነትን ዝቕድማ ኣይነበረን። ቅዱስ ሉቃስ ክልተ ጊዜ “ማርያም ግና ነዚ ነገር እዚ ኲሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት” (ሉቃ 2፡19)። “ኣዲኡ ድማ ነዚ ኲሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት፣” (ሉቃ 2፡51) ብምባል ክሳዕ ክንደይ ነቲ እግዚኣብሔር ዝብሎን ዝገብሮን ጥንቅቕትን ክፍትን ከምዝነበረት ይገልጸልና። በዚ ምኽንያት “ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቑመትን ብጸጋን ዓበየ” (ሉቃ 2፡52)። ኣዴና ማርያም ከም ሕያወይቲ ወላዲት ነቲ ኣብ ልባ ተዋህሎሎን ትሓስቦን ዝነበረት በብቊሩብ ነቲ ፍቁር ወዳ ተካፍሎን ትኲስኲሶን ከምዝነበረት የርድኣና። እዚ ኣዴና ማርያም፡ ንኲልኽን ናይ ሎሚ ኣዴታትውን ዓብይ ኣብነት ከምዝኾነት ዘረጋግጽ እዩ። ኣብ ጊዜ ጾም፣ ቅድሚ ኲሉ ልብና ከፊትና ኣእምሮና ጠርኒፍና ጽን ኢልና ቃል እግዚኣብሔር ክንሰምዕ ይግባእ። መጀመርያ ትርጉም ጾም ከኣ፣ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ስምዒታትካን ሕዋሳትካን ተቖጻጺርካ ምኽኣል ማለት እዩ። ብቃል እግዚኣብሔር ዝተተንከፈ ሕይወት ከኣ ናብ ንስሓን ለውጢ ሕይወትን ኣቢሉ እዩ ዘምርሕ። “ሽዑ እዚ ምስ ሰምዑ ልቦም ተወግአ እሞ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሓዋርያትን ‘ኣቱም ኣኅዋትና እንታይ ንግበር’? በልዎም። ጴጥሮስ ከኣ ከምዚ በሎም። ‘ተነስሑ፣ ኅድገት ኃጢኣት ምእንቲ ክትረኽቡ ከኣ ነፍስ ወከፍኩም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይጠመቕ፣ እግዚኣብሔር ዚህቦ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ክትቅበሉ ኢኹም”(ግ.ሓ. 2፡37-38)። ጾም ንሰውነትና ክንመልኽ ስለዝሕግዘና ንመንፈሳውነትናን ንጸሎትናን እውን የበርትዖን ይሕግዞን እዩ። እምነት ፍቕሪ ተስፋ ክዕምብባን ክፈርያን ይኽእላ።

እቲ ካልኣይ ትርጉም ናይቲ ንጾሞ ጾም ፍቕሪ ብጻይ እዩ፡ ኣብዚ ጊዜ እዚ ዝደጋገም መዝሙር “ንጹም ጾመ ወናፍቅር ቢጸነ” ጾም ንጹም ንብጻይና ከኣ ነፍቅር ዝብል እዩ። ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ ዝብሎ “እምነት ተግባር እንተዘይብላ ንርእሳ ምውቲ እያ” (ያዕ 2፡17)። ብቅንዕና እስኪ ንዛረብ። ብዙኅ ጊዜ፡ ካባይ ጀሚርካ፡ ምሕረት ንደሊ፡ ዘምሕር ግን ኣይንገብር፡ ምሕረት ንደሊ ዘምሕር ግን ኣይንዛረብን፡ ምሕረት ንደሊ ንብጻይና ክንምሕር ግን ድልዋት ኣይኮናን። ሰብ ክድንግጸልና ንደሊ ንሕና ግን ኣዚና ንካልኦት ንጭክነሎም። እዚ እዩ ንእግዚኣብሔር ጸጊሙዎ ዘሎ። ንምሕረት ቅልጡፍ ንኲራ ደንጓይ ክንሱ ብሰንኪ ግብርና ክምሕረና ምሕረት ንስእን። ቅኑዕ ጾም ግን ንልብና የረስርሶ፡ ንመንፈስና የሓድሶ፡ ነእምሮና ይኸፍቶ፡ እዩ ኣሞ ቃል እግዚኣብሔር ንስማዕ ንሱ ዝብለና ንቀበል። ብልቢ፡ ብሓቂ፡ “ንዝበደሉና ይቕረ ከምእንብል በደልና ኅደገልና”(ማቴ 6፡11)እንተበልናዮ ድኅነትናውን ርሕቕቲ ኣይክትከውንን እያ። እዮኤል ነቢይ ፣ “እግዚኣብሔር ‘እምበኣርሲ ሕጂ’ውን ብጾምን ብብኽያትን ብቚዘማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ። ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቅደዱ’ ይብል ኣሎ። ንሱ ንዂራ ደንጓዪ፡ ብምሕረት ከኣ ምሉእ፣ ካብ ኪቐጽዕ ኪርኅርኅን ኪምሕርን እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ተመለሱ። ምናልባሽ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ተጣዒሱ ይምለስ ይኸውን፡ በረኸት ይኃድገልኩምን ዘራእትኹም የብዝኃልኩምን ይኸውን፣ ሽዑ መስዋዕቲ እኽልን መስዋዕቲ መስተን ክተቕርቡሉ ክትክእሉ ኢኹም”(ኢዩኤል 2፡12-14) ይብለና። ነቢይ ሆሴዕ እውን “ካብ መስዋዕቲ ከተቕርቡለይሲ ምሕረት ክትገብሩ እፈቱ። ካብ ዚሓርር መስዋዕቲ ከተቕርቡለይ ከኣ ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ እፈቱ” (ሆሴዕ 6፡6) ይብል። ኢየሱስ ባዕሉ እውን ንሆሴዕ እናጠቐሰ፡ “ምሕረት ደኣ እምበር መስዋዕቲ ኣይኮንኩን ዝደሊ (ማቴ 9፡13) ኢሉና እዩ። መጽሓፍ ምሳሌ ከኣ ኣነጺሩ “እግዚኣብሔር መስዋዕቲ ካብ እተቅርበሉስ ጽድቅን ቅንዕናን ክትገብር እዩ ዜፈቱ” (ምሳሌ 3) ይብል። ኢሳይያስ ነቢይ ድኅነት እንተ ደሊኹም፡ “ፍትሒ ሓልዉ፡ ቅኑዓት ከኣ ኲኑ፣ ከመይ ምድኃነይ ቀሪቡ እዩ፣ ጽድቀይ ድማ ቀልጢፉ ኪግለጽ እዩ” (ኢሳ 56፡1) ይብለና። “ተመልሱ ናብ እግዚኣብሔር ጸልዩ፡ ቀረባ ከሎውን ጸውዕዎ፡ ኃጥኣን መንገዶም፡ ዓመጸይናታት ከኣ ሓሳቦም ይኅደጉ፣ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽናውን ይመለሱ፣ ንሱ ኪምሕሮም ኣዝዩ ከኣ ይቕረ ኪብለሎም እዩ” (ኢሳ 55፡6-7)ዝብል ጥዑምን ዘጸናንዕ ቃላት የስምዓና።

ምምላስና ንእግዚኣብሔር ኣዝዩ ዘሓጒሶ እንተኮይኑ፡ እቲ ዘሕዝኖን ዘዀርዮንከ እንታይ እዩ? እንተበልና፡ ኣብዚ እውን ቅዱስ መጽሓፍ ንጹር እዩ። ንኣብነት ነቢይ ኣሞጽ ሕዝቢ እስራኤል፡ ፍትሒ ምስ ኣጥፍኡ፡ ዓመጽ ምስ ኣብዝኁ፡ እንታይ ዝብሎም ብኑጹ ይነግረና። “ንስኻትኩም ነቲ ኣብ ባይቶ ፍትሒ ምእንቲ ከውጽእ ዚቃወም ትጸልእዎ፣ ነቲ ብቕንዕና ዚዛረብ ከኣ ትፍንፍንዎ። ንድኻ ስለዝረገጽኩምዎ፣ ነቲ ዘፍረዮ ስርናይ ከኣ ስለዘግደፍኩምዎ፡ ብጽሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኩም፡ ግናኸ ኣይክትነብርዎን ኢኹም። ዜብህግ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፣ ግናኸ ነቢቱ ኣይክትሰትዩን ኢኹም። ኣነስ ግህሰትኩም ብዙኅ፣ ኃጢኣትኩም ከኣ ብርቱዕ ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ። ነቲ ጻድቕ ተጽብቡሉ፣ መማለዲ ትቕበሉ፣ ነቲ መስኪን ኣብ ባይቶ ትገፍዕዎ ኣሎኹም። ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፣ እቲ ለባም በዚ ከምዚ ዘመሰለ ዘመን ሱቕ ይበል”(ኣሞጽ 5፡10-13)። ሎሚኸ፡ እዚ ናይ እግዚኣብሔር ክሲ ንኣና ዝምልከትዶ ይኸውን። ብርግጽ ሎሚ’ውን ዓመጽ፡ ጭቆና፡ ብልሽውና፡ ስእነት ፍትሒ፡ ምትላል ሓድሕድ፡ ምጭኽኻን፡ ጠፊኡ ክንብል ኣይንኽእልን። ሓድሓደ ጊዜስ ሳዕሪሩን ከም ቅቡል ተወሲዱን ኮይኑን ስለዘሎ፡ መዓቱ ደኣ የቚርረልና እምበር፡ ንእግዚኣብሔር ዘቖጥዕን ዘሕዝንን እዩ። ሕማቕ ዘበንሲ ካብቲ ዝገብረካ እቲ ዝገድፈልካ ከምዝበሃል ሕማቕን ጽቡቕን፡ ሓቅን ሓሶትን ፈሊና ክሳዕ ምስኣን በጺሕና ኣሎና። ስለዚ ንነሳሕ ንማህለል።

ምስ ኤርሚያስ ነቢይ ኮይንና “ጥልመትና ብዙኅ እዩ፣ ንኣኻውን በዲልና ኢና፣ ስለዚ ኦ እግዚኣብሔር፣ ኣበሳና እኳ እንተኸሰሰና፣ ስለ ስምካ ኢልካ ርድኣና። ተስፋ እስራኤል ንስኻ በይንኻ ኢኻ። ብጊዜ ጸበባ እተድኅነና ድማ ንስኻ ኢኻ። ስለምንታይ ደኣ ኣብ ሃገር ከም ጋሻ፣ ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራይ ዚኅድር ኃላፍ መንገዲ እትኸውን? ስለምንታይ ከም ቀባሕባሓ፣ ከምቲ ኬውዕል ዘይኽእል ጅግና ትኸውን? ንስኻ ኦ እግዚኣብሔር፣ ብርግጽ ኣብ ማእከልና ኣሎኻ። ንሕና ሕዝቢ እግዚኣብሔር ተባሂልና ብስምካ ዝተሰመና ኢና እሞ ኦ እግዚኣብሔር ኣይትኅደገና”(ኤር 14፡7-9)ንበሎ። ኣዴና ኪዳነ ምሕረት’ውን ክሕግዘኩም ንዑ ተማህለሉ እያ ትብለና። ንሳ ንኩላትና ኣብነት ናይ ተኣዝዞን እምነትን ቅድስናን እያ። ኣብ ወንጌል ሉቃስ “ኢየሱስ ክዛረብ ከሎ ሓንቲ ሰበይቲ ካብቶም ሕዝቢ፣ ድምጻ ዓው ኣቢላ፣ ‘ዝጾረትካ ከርሥን ዝጠበኻየን ኣጥባትን ብጹዓት እየን’ በለቶ። ንሱ ግና ‘ብጹዓንሲ እቶም ንቃል ኣምላኽ ዚሰምዑዎን ዚሕልዉዎን ደኣ እዮም’ በላ” (ሉቃ 11፡27-28)። ኣዴና ማርያም “ፍቓድካ ይኹን” ብምባላ ብሓቂ ፍቓድ እግዚኣብሔር ብምሉእ ልባ ስለዝፈጸመት ዓብይ ክብሪ ረኸበት። በዚ እዩ ኢየሱስ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ኲሉ፣ ንሱ ኃወይን ኃውተይን እኖይን እዩ’ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ ‘እኖይን ኣኅዋተይንሲ እንሆው’ በለ (ማቴ 12፡50)ዝበለ። ካብ መጀመርታ ክሳዕ መጨረስታ ንወዳ ስለዝተኸተለት፣ ማርያም እታ ቀዳመይትን ኣብነታዊትን ጓል መዝሙር ወዳ እያ። መድድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዘረባ ሰዓብቲ ኣይኮነን ዝደሊ። ሓቁ እዩ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፣ ጐይታይ! ጐይታይ! ዚብለኒ ኲሉ ናብ መንግሥተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ” (ማቴ 7፡21)ክብለና ። ሓቁ እዩ “ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ ስለምንታይ ኢኹም ጐይታይ! ጐይታይ! እትብሉኒ?(ሉቃ 6፡46) ዝበለ። ሎሚ ግን ብኣማላድነት ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ናይ ግብሪ ሰዓብቱ ክንከውን ንተዓጠቕ።

ቅዱሳን ኣበው ኣቀዲሞም፡ “እቲ ናይ ሔዋን ናይ ዘይምትእዛዝ ቊጻር ብናይ ማርያም ተኣዝዞ ተፈቲሑ፣ ድንግል ሔዋን ብዘይምእማና ዝኣሰረቶ ማርያም ብእምነታ ዘርዘረቶ” ኪብሉ ብደስታ ይገልጽዎ። ምስ ማርያም ብምንጽጻር ድማ ንማርያም ኣደ ኲሎም ‘ሕያዋን” ይብሉዋ። ወትሩ ከኣ ‘ሞት’ ብሔዋን፣ ‘ሕይወት’ ብማርያም መጺኡ ከብሉ ተረኽቡ። (መ.ሃ. 494)። መርገም ብሔዋን ድኅነት ከኣ ብማርያም ከምዝመጸና ይገልጹ። በዚ እዮም ካብ ጥንቲ “ኣንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለኣዳም ኣመ ይሰደድ እምገነት” ኣዳም ካብ ገነት ክስጐግ ከሎ ሓንቲ ተስፋ ዝኾንክዮ ንስኺ ኢኺ” ዝበልዋ። ሎሚ’ውን እዛ ኪዳና ዘይትጠልም ኣደ ተስፋና እያ። እቱ ኃያል ዓይኑ ስለዘውደቐላ፣ ኣደ ወዱ ክትከውን ስለዝኃረያ፡ ብሓቂ ብጽዕትን ዕውትን ፍጥረት እያ። ስለዚ “ኣንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለኣዳም ኣመ ይሰደድ እምገነት”፣ ብዓንተቦ ኣዳም ካብ ገነት ክስጐጒ ከሎ ተስፋ ዝኾንክዮውን ንስኺ ኢኺ እሞ ሕጂውን፡ ንኣና ነዞም ኣብ ናይ ንብዓት ቆላ እንጐዓዝ ድኹማት ድቅኺ ኣይትረስዕና፡ ካብ ወድኺ ምሕረት ለምንልና ኦ ርኅርኅቲ፡ ኦ መሓሪት፡ ኦ ጥዕምቲ ድንግል፡ ኣብ ቅድሚ ወድኺ ወትሩ ኣማልድልና ክንብላ ንደፍር።