ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት 2021


ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት
፲፮ የካቲት ፳፻፲፫፣ 23 የካቲት 2021

ኃዘን ዝፈተነ/ዝጠዓመ እዩ፣ ኃዘን ዝርድኦ

ክቡር ሕዝበ እግዚኣብሔር፣
ሰላም እግዚኣብሔርን፣ ጽላል ኣዴና ኪዳነ ምሕረትን ወትሩ ኣይፈለኹም እናበልኩ ልባዊ ሰላምታይ ኣቕርበልኩም።

ዝሓለፈ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤል ርእሰ ኣድባራት ሕንጻ ቤተክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ፣ ከነብዕል ክንደይ ዓጀብን ዋዕዋዕታን ነቢሩ። ሎምዘመን ግን ከም ጊዜኡ፣“በለሆሳስ፣ ማለት ብትሑት ድምጺ” ኢና ነብዕሎ ዘሎና። ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይሩስ ናይ ብዙኅ ጸገማት ምኽንያት ኮይኑ ከምዘሎ ኣብ ዘሎና ንሃሉ፣ እንዕዘቦን እንነብሮን ዘሎና ጉዳይ እዩ። እዚ ክቡር በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት፣ ኣብዚ ዝኅለፈ ውርኂ ታኅሣሥ ብብፁ ወቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮስ ተኣዊጁ ክሳዕ ዝመጽእ ወርኂ ታኅሣሥ ዝቕጽል ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ይበዓል ስለዘሎ ግን ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ። ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ፣“ብሳድሰይቲ ወርኂ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት ኣትበሃል ዓዲ ገሊላ፣ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ካብ ቤት ዳዊት፣ ንዮሴፍ ዝስሙ ሰብኣይ ተሓጽያ ነበረት፣ ስም እታ ድንግል ከኣ ማርያም እዩ”(ሉቃ 1:27) ብምባል እዩ ንመጀመርያ ጊዜ ምስቶም ኣብ ናዝሬት ዝነብሩ ዝነበሩ፣ ኣዴና ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ዘላልየና። እቲ መልኣኽ ንማርያም “ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፣ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፣ ንስኺ እንካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ በላ” (ሉቃ 1:28)። እዚ ዓይነት ሰላምታን ሞገስን ብዘይካ ንማርያም ንዝኾነ ካልእ ሰብ ተዋሂቡ ኣይፈልጥን እዩ። “ምልእተ ጸጋ፣ እግዚኣብሔር ምሳኺ እዩ፣ እንካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” ዝብሉ ቃላት ቀዲሕካ ዘይውዳእ ዔላ እዮም። ኣብ ወዳሴ ማርያም ናይ ዕለተ ሮቡዕ ከምዝብሎ ”ነጸረ ኣብ እምሰማይ ወኢረከበ ዘከማኪ፣ ፈነወ ዋሕዶ ወተሰብኣ እምኔኪ፣ እግዚኣብሔር ኣቦ ካብ ሰማይ ጠሚቱ ከማኺ ኣይረኸበን፣ ነቲ ሓደ ወዱ ሰዲዱ ካባኺ ከኣ ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ”፣(ውዳሴ ማርያም ናይ ሮቡዕ) ይብለና።

በዚ ቃላት እዚ ኣዴና ማርያም ሽዑ ሰንቢዳ፣ ሎሚውን ንሕና ብምግራም ነንብቦን ንሰምዖን ኣሎና። ብሓጺሩ እቲ ምሥጢር፣ እግዚኣብሔር ንእኖና እግዝእትነ ማርያም፣ ኣብቲ ካብ ጥንቲ ዝመደቦ እሞ፣ ጊዜኡ ምስ በጽሐ ክፍጽሞ ዝመደቦ እሞ ዝፈጸሞ፣ ብስምና ኣብ ናይ ክርስቶስ ናይ ድኅነት ስራሕ ተሳታፊት ክገብራ ስለዝመረጻ እዩ ነዚ ብሥራት እዚ ዘበሠራ። “ጊዜኡ ምስ በጽሐ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ከድኅን፣ ንሕናውን ናይ ውሉድነት ሥልጣን ምእንቲ ክንረክብ፣ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ፣ ኣብ ትሕቲ ሕጊ እውን ዝኃደረ ወዱ ለኣኾ”(ገላ 4:4-5)። ንሳ፣ ንኩልና ደቂ ኣዳምን ሔዋንን ወኪላ እያ፣ ካብ እግዚኣብሔር ንዝቐረበላ ሕቶ፣ “ይኩነኒ በከመ ትቤለኒ” ብምባል ሕራይ ዝበለት፣ ንኲልና ወኪላ ኣያ ንወልደ እግዚኣብሔር ኣብ ማኅፀና ዝተቐበለቶ። ቅዱስ ዮሴፍ ከኣ ምስኣ ኮይኑ ነቲ ንሳ ዝወለደቶ መድኃኔ ዓለምን ንኣኣን መጋቢ ኣቦ ኮይኑ ኣፍቂሩዎም፣ ተኸናኪኑዎም፣ ተኸላኪሉሎም፣ ተላኢኹዎም፣ ሓልዩሎም፣ ሓብሒቡዎም ክንብል ንኽእል። እምበኣር በዚ ምኽንያት ኢና ኣብ መጽሓፈ ቅዳሴና ነዛ ካብ ኲለን ኣንስቲ ዝተባረኸትን ዝተመርጸትን ጓል ኢያቄምን ሃናን ድንግል ማርያም፣“ኦ ንኣማኑኤል ዝወለድክልና፣ ናይ ወገንና ትምክሕቲ፣ ተሓጐሲ” (መጽሓፈ ቅዳሴ፣ ተፈሥሒ—-) ብምባል ብኲርዓት ንሕበነላ።
ነዛ ብሰንኪ፣ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይሩስ፣ ኣብ ገገዛና ተዓጺውና ኣብ ዘሎናሉ እዋን፣ እንብዕላ ዘሎና ዓመታዊት ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ዘመረጽኩዎ ንባብ ወንጌል ዮሓንስ 19:25-27 እዩ። እዚ ጠቕሲ ወንጌል’ዚ ከኣ ኣዴና ማርያም ኣብ ትሕቲ መስቀል ደው ኢላ ትበኽየሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፣ እቲ ፍቁር ወዳ፣ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብዓብይ ውሉዳዊ ፍቕሪ“ብእሲቶ! ነዋ ወልድኪ፣ ኣቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ!” ምስ በላ፣ ኣደ ነፍስ ወከፍ ተኸታሊ ክርስቶስ፣ ኣደ ነፍስ ወከፍና ገቢሩዋ እዩ። እዚ ናይ ኢየሱስ ቃላት ንኣና ኣዝዩ ዘጸናንዕ ናይ ፍቕሪ ስራሕ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ኢየሱስ ንቅዱስ ዮሓንስ፣ “ነያ እምከ፣ እንሆት ኣዴኻ!” ምስ በሎ፣ ንነፍስ ወከፍና ዘይትጠልም ኣደ ሂቡና ማለት እዩ። ዮሓንስ ድማ ናብ ቤቱ ወሰዳ ይብለና ቅዱስ ወንጌል። እዚ ከኣ ነፍስ ወከፍና ኣብ ትሕቲ ጽላላ ክንመላለስ፣ ከምቲ ብዙኃት ቅዱሳን ዝብሉና ከኣ ብማርያም ናብ ኢየሱስ ክንቀርብ ፍሉይ ዕድል ተዋሂቡና ማለት እዩ። ንሳ ኲሉ ጸገምና ትፈልጥ ስለዝኾነት ንወዳ ከተስምዓልና ድልውቲ ምዃና ኣይንጠራጠር። ኣብቲ ሰቆቃወ ድንግል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓጺር ጽሑፍ ሃገርና ከምዝብሎ፣ ብፍላይ ከምዚሎሚ፣ ሕማም፣ ሽግር፣ ስቓይ ከጋጥመና ከሎ፣ ንሳውን ሓዘንን፣ ስቓይን ስደትን ፈቲና እያ እሞ ብውሉዳዊ ፍቕርን እምነትን፣“ተማኅፀንኩ በዝባንኪ ዘኣግመረ ርስነ መለኮታዊ እሙነ፣ ሓውፅኒ ድንግል ወናዝዝኒ ፍጡነ፣ በእንተ ንግደትኪ ደብረ ቊስቋም እንዘ ትፀውሪ ሕፃነ፣ ኃዘነ ዘፈተነ የኣምር ኃዘነ፣ – ኦ ድንግል ፣ ስለ’ቲ ሕፃን ሓዚልኪ ናብ ደብረ ቊስቋም ዝተጐዓዝክዮ ከቢድ ጉዕዞ፣ ሓዘን ዝጠዓመ/ዝፈተነ እዩ ሓዘን ዝርድኦ ኣሞ፣ ብቅልጡፍ መጺእኪ ክትበጽሕንን ከተጸናንዕንን እልምነኪ ኣሎኹ” (ሰቆቃወ ድንግል) እናበልና ምእንቲ ርእስናን ሕዝብናን ናብኣ ቀሪብና ነእዊ። በዚ ምኽንያት እያ ኣዴና ቅድስቲ ቤተክርስትያን እውን ኣብቲ ሊጣንያ ናይ ጸሎተ መቚጸርያ “ኦ ናዛዚተ ኅዙናን፣- ኦ መጸናንዒት ዝኃዘኑ” እናበልና ክንጽውዓ ዝመሃረትና።

ኣብዚ ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረትውን፣“ኣንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለኣዳም፣ ኣመ ይሰደድ እምገነት፣ ኣዳም ካብ ገነት ክስጐጒ ከሎ ተስፋ ዝኾንክዮ ንስኺ ኢኺ” ፣ እሞ ሎሚ’ውን ነቲ ጸጊሙዎ፣ ጸቢቡዎ፣ ሓሚሙ፣ ጠምዩ፣ ቆሲሉ፣ ርሒቑ፣ ናፊቑ ዘሎ ሕዝብኺ ብዓይኒ ምሕረት ቊሊሕ በልዮ እናበልና ብዘይ ምቊራጽ ንማሕጸና። ብማርያም ኣቢልና ናብ መድኃኔ ዓለም ክንቀርብ ከሎና ሽዑ ኢና ዝዓዘዘ ፍቕርና ዝገልጽ።“ከመ ሶዶም እምኮነ፣ ወከመ ገሞራ እመሰልነ፣ እግዚኣብሔር ኪያኪ እመ ኢያትረፈ ለነ፣ በትረ ተኣምር ማርያም እንተ ጸገይኪ መድኅነ፣ ዘይቤ ኢመጻእኩ እጸውዕ ጻድቃነ ኣላ ለንስሓ ኃጥኣነ፣ – ኦ ነታ ተኣምራዊትን ዓምቢባ ንኃጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ/ከድኅን ኣይመጻእኩን ዝበለ መድኃኒ ዝፈረየትልና በትሪ ዝተመሰልኪ ድንግል ማርያም፣ እግዚኣብሔር ንኣኺ ብዘይ ናይ ኣዳም ኃጢኣት እንተዘየትርፈልና ነቢሩ፣ ከም ሶዶም ምጠፋእና፣ ከም ጎሞራ’ውን ምኾንና ነቢርና”፣ (ማኅሌተ ጽጌ)። ወረደ ምሕረት፣ በጸሎታ/በማርያም ወረደ ምሕረት ዝብል ወረብ ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዘረጋግጽን ዘመርግድን። ከምቲ ንሳ ኣብ ቃና ዘገሊላ ነቶም ኣሳሰይቲ ዝበለቶም፣ ሎሚውን ንኩልና እዚ ጽንኩር ጊዜን ለበዳ ሕማምን ብቅልጡፍ ከሕልፈልኩም፣ ጸበባኹም ከርኅወልኩም ከምቲ ፍቁር ወደይ ኢየሱስ ዝብለኩም ግበሩ እያ ትብለና ዘላ። ንሕና ከኣ ብወገንና፣ ኣዴና ማርያም እትብሎን ትፈትዎን ንግበር። ናብ ወዳ ንመለስ፣ ንሱ ዘይፈትዎን ዘይደልዮን ኩሉ ካብ ሓሳብናን፣ ዘረባናን፣ ግብርናን ነርሕቕ፣
ብተወሳኺ፣ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት፣ ብዝበዝኅ ኣብ ድሮ፣ ወይ ኣብ ምጅማር፣ ጾም ኣርብዓ ስለዝውዕል ብዛዕባ ጾም ቊሩብ ምስትንታን እውን ሓጋዚ እዩ። ኢየሱስ ባዕሉ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይቲን ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ጽምዋ ከይዱ ከምዝጾመ ወንጌል ይነግረና። ንምንታይ ጾይሙ? ንኣና ኣርኣያ ክኸውን። ብጾምን፣ ብጸሎትን ብምጽዋትን እንተዘይኃይልና ስምዒት ሥጋናን፣ ትዕቢትናን፣ ሰይጣንን ተዘራርዮም ካብ ክርስትያናዊ ሕይወትና ከዘናብሉና ስለዝኽእሉ፣ ኣቦታትና፣“ጾም ትፈውስ ቁስለ ነፍስ ወታጸምም ኩሉ ፍትወታተ ዘሥጋ፣ ትምህሮሙ ለወራዙት ጹሙና ኣስመ ሙሴኒ ጾመ በደብረ ሲና፣ ጾም ንቊስሊ ነፍሲ ትፍውስ/ተሕዊ፣ ንኩሉ ፍትወታት ሥጋ ተዝሕል/ተህድእ፣ ነባጽሕ ከኣ ሱቕታ/ጽሞና ትምህሮም። ሙሴ’ውን ኣብ ደብረ ሲና ጾይሙ እዩ” (ማኅሌት ናይ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት)ብምባል ዓብይ ትርጉም ናይዚ ንኣትዎ ዘሎና ጾም ኣርብዓ ይገልጹልና። ቃል እግዚኣብሔር ብዝበለጸ ንምስማዕ እዝንናን፣ ልብናን፣ ኣእምሮናን እንኸፍተሉ፣ ምሥጢራት ንስሓን ቅዱስ ቊርባንን ብእምነትን ብተስፋን ብፍቕርን እንቕበለሉ፣ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ብጾትናን እንዕረቐሉ፣ ዓሚቚ መንፈሳዊ ዕብየት እንረኽበሉ ዘመነ ጾም፣ ገቢሩ ብድኃነ ሰላም ናብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ይጸምብረና። ንዓመታ ከኣ ኩሉ ሕማምን ዕግርግርን ኣብቂዑ፣ ኣውደዓመትና ብዝበለጸ ኣገባብ ኃቢርና ብድሙቕ ዕልልታን ሃሌታን ነብዕል ይግበረና።
ዝተባረኸ በዓለ ኪዳነ ምሕረት ይግበረልና።

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም
ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ