ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ


“ንሱ ዝብለኩም ኲሉ ግበሩ”

ክቡራትን ክቡራንን ፈተውቲ ኣዴና ድንግል ማርያም፡
እዚ፡ “ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ~” (ዮሓ 2፡5) ዝብል፡ እኖና እግዝእትነ ማርያም ኣብ ቃና ዘገሊላ ነቶም ኣጋፈርቲ ዳስ መርዓ ዝሃበቶም ምኽሪ ንኣናውን ኣዝዩ ኣገዳስን ጽቡቕን እዩ። ብሓቂ ከኣ እዛ ከምኡ ዝበለት ኣደ ኣዝያ ፍልይቲ ፍጥረት እያ። ኣብ ቅድሚ ወዳ እተማልደልና ናይ ዓሌትና ትምክሕቲ ኣያ። በቲ እግዚኣብሔር ዝገበረላ ዓብይ ጉንዖ፣ ኣብ’ቲ ናይ ወዲ እግዚኣብሔርን ወዳን ዝኾነ፣ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ናይ ድኅነት ስራሕ ብቀረባ እትተሓባበር ከኣሊት ድንግል እያ። ብርሃን ኣሕዛብ ከምዝብሎ፥ “ብጽዕቲ ድንግል ማርያም ምስ’ቲ ካብ ዘለዓለም ዝተወሰነ ተሠግዎተ መለኮታዊ ቃል፡ ብመለኮታዊ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብዚ ምድር’ዚ ኣደ እቲ መለኮታዊ መድኃኒ ኮይና፣ ልዕሊ ኲሎም ሰባት ለጋስ ተኃባባሪትን ትሕቲ ኣገልጋሊትን ጐይታ ዝኾነት እኖ ኣምላኽ እያ። ንሳ ንክርስቶስ ወለደቶን፡ ሓጸነቶን፣ ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣቕረበቶ፣ ምስቲ ኣብ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ዝሞተ ወዳ ተሳቐየት። ብምሉኡ ፍሉይ ብዝኾነ መንገዲ ብተኣዝዞኣን ብእምነታን ብተስፋኣን በቲ ውዕውዕ ፍቕራን ንነፍሳት መልዕልተ ባህርያዊ ሕይወት ንምሃብ ኣብ ዚግበር ስራሕ መድኃኔ ዓለም ተሓባበሪት ኮነት። በዚ ምኽንያት’ዚ ብመደብ ጸጋ ንኣና ኣደና እያ” (ብር. ኣሕ. 61)። መዝገበ ሃይማኖት’ውን ንብርሃን ኣሕዛብ እናጠቐሰ ኣማላድነት እግዝእትነ ማርያም ካበይን ከመይን ከምዝብገስ፣ “እዚ ናይ ማርያም ኣደ ድቅሰብ ምዃን፡ ንናይ ክርስቶስ ፍሉይ መንጎይናነት (ወይ ዓራቕነት) ዘህስሶ ወይ ዚድምስሶ ኣይኮነን፣ እኳ ደኣ ኣጸቢቑ ዜደልድሎን ዘሓይሎን እዩ። እንተኾነ እዛ ድንግል እዚኣ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘለዋ ድኅነታዊ ጽልዋ—ካብ’ቲ ናይ ክርስቶስ ምልኣት ጸጋ ዝፈሰሰ፣ ኣብ’ቲ ናቱ መንጎይናነት ዝተሠረት፣ ፈጺሙ’ውን ኣብኡ ዚምርኰስን፣ ኲሉ ኃይሉ ካብኡ ዚረክብን እዩ።” (መዝገበ ሃይማኖት 970) ብምባል የነጽረልና።

ኣዴና ማርያም “ንሱ ዝብለኩም ኲሉ ግበሩ” ክትብል ከላ፣ “ንሱ”ኸ መን እዩ? እንተበልናያ፣ ባዕሉ እቲ ፍቁር ወዳ መድኃኒና ጐይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ወንጌል፡ እቶም ኣጋፈርቲ ኢየሱስ ዝበሎም ምስ ገበሩ ዓብይ ተኣምር ዝተፈጸመ፣ ከምኡ ከኣ ንሕና ፈተውቲ ማርያም እውን ንሱ ዚብለና ኲሉ እንተ ሰሚዕናን እንተ ፈጺምናን ኣብ ሕይወትናን ኣብ ከባቢናን ተኣምር ክፍጸም ምዃኑ ኣይንጠራጠርን ኢና። እግዝእትነ ማርያም ንወዳ ስለእትፈልጦን ስለእተፍቅሮን ብዙኅ ቃላት ክትዛረብ ኣየድለያን። ወዳ ከምዝሰምዓ ነቶም ኣብ ሽግር ዝተረኽቡ ሰብ ውራይ እውን ከምዝድንግጸሎም ኣይተጠራጠረትን። እዚ ብወገን ኣዴና ማርያም ዝትገብረ ዓብይ ናይ እምነት ስራሕ እዩ። በዚ ምኽንያት ኢና ኣብ ሊጣንያ ናይ ጸሎተ መቚጸርያ፡ “ኦ ድንግል ዘትትኣመኒ” ክንብላ ንርከብ። በዚ ምኽንያት እያ ቅድስቲ ኢልሳቤጥውን “እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተነግረኪ ቃል ከም ዚፍጸም ስለዝኣመንኪ ብፅዕቲ ኢኺ” (ሉቃ 1፡45) ዝበለታ። ማርያም “ንሱ ዝበላ ኲሉ” ስለእትፍጽም ኣያ ንኣናውን መዓልቲ መጸ “ንሱ ዝብለኩም ኲሉ ግበሩ” ትብለና። እታ “ንሱ ዚብለኩም ኩሉ ግበሩ” ትብል ዘላ፣ እታ ኣደ መድኃኔ ዓለምን ኣደናን ዝኾነት ቅድስትን ንጽሕትን ድንግል ማርያም ከምዝኾነት ንፈልጥ። ኣብ ወንጌል ዮሕንስ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተንጠልጢሉ ኣብ ኣፍ ሞት ከሎ፣ ነታ ብመሪር ሓዘን ተኻኢላ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረት ኣዴኡ፣ “ኣቲ ሰበይቲ፣ እንሆ ወድኺ” (ዮሓ 19:26) ምስ በላ፣ ናይ ኩላቶም ተኸተልቱ ርኅርኅትን ሓላይትን ወላዲት ክትከውን ከምዝወሰነን ከምዝሓረያን ኣረጋጊጹና ማለት እዩ። ነቲ ኣብ ጥቓ ማርያምን ጥቓ ኢየሱስ ስቑልን ደው ኢሉ ዝነበረ ዘፍቅሮ ወዲ መዝሙሩ፣ “እንሃ ኣዴኻ” (ዮሓ 19፡27) ምስ በሎ ድማ፣ ኩላትና እቶም እሙናትን ፍቁራትን ተኸተልቲ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ደቂ ማርያም” ምዃንና የረጋግጽ። ወዲ ማርያም ወይ ጓል ማርያም ምዃን እምበኣር፣ ኣብ እግሪ እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ ዝተገልጸሉ መስቀል መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ጀሚሩ፣ ካብኡ ተበጊሱ ከኣ ናብ መላእ ዓለም ኣስፋሕፊሑ፡ ገናውን የስፋሕፍሕ ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ “ኣነ ግና፡ በቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ። ከመይ በዚ መስቀል እዚ ዓለም ኣብ ቅድመይ ምውቲ እያ። ኣነ ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓለም ምውት እየ” (ገላ 6፡14) ከምዝበለ ንኣናውን መስቀል ክርስቶስ ኃይልናን፡ ጸግዕናን፡ ትምክሕትናን እዩ።

ኣብዚ ድማ፣ እተን “እንሃ ኣዴኻ”ን “ንሱ ዝብለኩም ኩሉ ግበሩ” ን፡ ዝብላ ቃላት፣ ንነፍስወከፍናን፡ ንኩላትና ብኃባርን፡ ዓብይ መልእኽቲ ከምዘመሓላልፋ ክንፈልጥን ክንኣምንን ኣገዳሲ እዩ። መጀመርያ ማርያም ባዕሉ እቲ ፍቁር ወዳ ዝሃበና ፍቅርቲ ኣዴና ምዃና እንተ ኣሚንና፣ ንሳ ዝበለትና ኩሉ ክንፍጽም ከኣ ድልዋት ኢና ማለት እዩ። ሎሚ፡ “ንሱ ዝብልኩም ኩሉ ግበሩ” ዝብል ምኽሪ ክንሰምዕ ከሎና እንታይ ይርድኣና? እንታይ ንሓስብ? ንማይ ናብ ወይኒ ክልውጠልና ዲና ንጽበ? እዚ ቃላት እግዝእትነ ማርያም ገና ትርጉም ኣለዎዶ? ሎሚውን እንተኾነ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ “እተፍቅሩኒ እንተኮይንኩምሲ ትእዛዛተይ ክትሕልው ኢኹም” (ዮሓ 14፡15) እዩ ዝብለና። ትእዛዛቱኸ ኣየኖት እዮም ? ትምህርቱኸ እንታይ ይብል? እንተበልና፡ ንሎሚ ብፍላይ ነዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ትእዛዛት ክርስቶስ ክንጠቅስ ንኽእል፣

  • “እቲ እዋን በጺሑ እዩ፣ መንግሥቲ ኣምላኽ ከኣ ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ፡ ብወንጊልውን እመኑ” (ማር 1፡14-15)። እምነት መሰረት ናይ ኲሉ ክርስትያናዊ ሕይወትና ኣዩ። ንስሓ ኮነ ለውጢ ሕይወት ናይ እምነት ስራሕ እዩ። ናይ እምነት ፍረ እዩ። ክሳዕ ሎሚ ብመንፈሳውነት እንተዘይዓበናን እንተዘይሰጐምናን እምነትና ውሑድ ስለዝኾነ እዩ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስውን “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩም ነዚ እምባ’ዚ ‘ካብዚ ናብቲ ገዓዝ’ እንተበልክምዎ ይግዕ፣ ዘይከኣለኩም ነገር የልቦን” (ማቴ 17፡20) ይብለና። እምነት ዘለዎ ሰብ እዩ ንንስሓ ንዕርቂ ድልው ዝኸውን። እምነት እንተሎና ኢና ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ብትግሃት ንሳተፍ፣ እምነት እንተላትና ጸሎት ንፈቱ፡ ምሥጢራት ንቕበል፡ መባእ ነውድቕ፡ ንድኻ ንሕግዝ፡ ንዝሓዘኑ ነጸናንዕ ንዝሓመሙ ንበጽሕ። ስለዚ ነፍስ ወከፍና ወትሩ “ጐይታ እምነተይ ንእሽቶ እያ እሞ እምነት ወስኸኒ” (ሉቃ 17፡5 ረአ)”ኣኣምን እየ፣ ጉድለት እምነተይ ኪርሕቀለይ ድግፈኒ” (ማር 9፡24) ይበል-ትበል። እምነት ዘለዎ እዩ ካብ ክፉእ ሓሳብን ዘረባን ግብርን ዝቚጠብ።
  • “ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ድማ ጽቡቕ ግበሩ። ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፍኹም ጸልዩ” (ሉቃ 6፡27-28)። እዚ ቀሊል ከምዘይኮነ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና እንርእዮ ጉዳይ እዩ። ትረፍዶ ንጸላኢኻ ወይ ንዝረግመካ ነቲ ፈታዊኻ ብግቡእ ምፍቃር እውን ጋዳ! ኢየሱስ ዘምጽኦ ፍሉይ መልእኽቲ እንተሎ ግን እዚ እዩ። ንሱ ባዕሉ፡ ነቶም ቀተልቱ ከይተረፈ ኣብ መስቀል ኮይኑ፡ “ኦ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ኅደገሎም” (ሉቃ 23፡34) እናበለ ዓብይ ናይ ፍቕርን ምሕረትን ስራሕ ክገብር ንርእዮ። ካብዚ ዝበለ ደኣ እንታይ ከርእየና ንጽበ? “ነቲ ጊልያ ካብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ’ ኢለ ዝነገርክኹም ዘክርዎ` ንኣይ ኣሳዲዶምኒ እንተ ኮይኖም ንኣኻትኩምውን ከሳድድኹም እዮም” (ዮሓ 15፡20) እናበለ የዘኻኽረና ኣሎ። ንሕና ድማ ነቲ ኲሉ ዝከኣሎ ጐይታ፣ “ንስኻ ደኣ ኣኽእለኒ እምበር፡ እዝስ ከቢድ እዩ! በይነይስ ኣይክእሎን እየ!” እናበልና ብእምነትን ብትሕትናን ብቅንዕናን ንለምኖ።
  • ከም ደቂ ማርያም፣ ነቲ “ጠምየ ኣብሊዕክሙኒ፣ ጸሚአ ኣስቲዂምኒ፣ ጋሻ ኮይነ መጺአ ተቐቢልኩምኒ፣ ዓሪቐ ከዲንኩምኒ፣ ሓሚመ በጻሕኩምኒ፣ ተኣሲረ ኣጸናናዕኩምኒ——-እቲ ንሓደ ካብዞም ዝነኣሱ ኣኅዋተይ ዝገበርክምዎ፣ ንኣይ ከምዝገበርክምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኽ” (ማቴ 25፡35-36.40) ዝብል ትምህርቲ ኢየሱስ ከም መለለዪ ሕይወትኩምን ስራሕኩምን ክትቅበልዎን ክትነብሩዎን ናይ ግድን ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎና ፍቕሪ፣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ብእነርእዮ ፍቕሪ ብጻይ እዩ ዚምዘንን ዝግለጽን። በዚ ምኽንያት እዩ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ፡ “ነቲ ዝረኣዮ ኅው ዘየፍቀሮስ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ፡ እሞ፡ ንኃው እናጸልኦስ ‘ንኣምላኽ ኣፍቅሮ እየ’ ዚብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዩ” (1ዮሓ 4፡20) ዝብለና። ፍቕሪ ብግብሪ እምበር ብኣፍ ጥራይ ኣይግለጽን እዩ። ብፍላይ ኣብ ስደት እትርከቡ ሕዝብና ብኲሉ ነገር ነንሓድሕድኩም ክትደናገጹን ክትተሓባበሩን ኣድላዪ እዩ።
  • “ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ ‘እቲ እኽሊ ብዙኅ እዩ፡ ሰራሕተይናታት ግና ውሑዳት እዮም፣ ስለዚ ነቲ ጐይታ ዘራእቲ ንዘራእቱ ሰራሕተይናታት ኪልእከሉ ለምንዎ’ በሎም” (ማቴ 9፡37-38)። እዚ ትእዛዝ እዚውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንስኻትኩም ከም ፈተውቲ ማርያም፡ ዘገልግሉኹም ውፉያት ካህናት ምእንቲ ክትረኽቡ፡ ምእንቲ ጸዋዕታ ክህነትን ጸዋዕታ ምንኩስናን ጸዋዕታ ቃል ኪዳንን ፍሉይ ጸሎት ክትገብሩ ኣተባብዓኩም። ቤተክርስትያንና እምንቲ ናይ ኢየሱስ ተኸታሊት ኮይና ኣብ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ተጸሚዳ ብሓዲስ ናህርን ብሓዲስ ሜላን ቃል ኣምላኽ ከተበሥር፡ ትምህርተ ክርስቶስ ክትምህር፡ ጸዋዕታታት ክትኲስኲስ ናትኩም ጸሎትን ምትሕብባርን ከምዘድልያ ፈሊጥኩም ብትግሃት ክትለኣኽዋ ትጽበ ኣላ።

ብርግጽ ብዙኅ ካልእ ኢየሱስ ዝበለናን ዝብለናን ነገራት ኣሎ። መዓልቲ መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ብምንባብ ወይ ብምስማ ከነስተንትን ከሎና፡ ምስ ብጾትና ብምውሳእ ተመክሮታትና ከነካፍል ከሎና፡ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ከነንብብ ከሎና፡ ብፍላይ ከኣ ብግሊ ኣብ ቅድሚ መድኃኒና ተደፊእና ከም ሳሙኤል “ባርያኻ ይሰምዓካ ኣሎ እሞ ተዛረብ” ክንብሎ ከሎና ኢየሱስ ካባናን ብኣናን እንታይ ከምዝደሊ ከምቲ ንማርያም ዘብርሃላ ብመንፈስ ቅዱሱ ንኣናውን ከብርሃልና እዩ። ልብናን ኣእምሮናን ከፊትና ብእምነት “ዝሰምዕ እዝኒ፡ ዝርኢ ዓይኒ፡ ዘስተውዕል ልቢ ሃበኒ” ንበሎ። ንማርያም ኣደና ከኣ “ንሱ ዝብለኩም ኲሉ ግበሩ” ካብ በልክና፡ ንወንጌል ወድኺ ኣዕሚቚና ክንፈልጥን ክንርዳእን ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ከኣ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ሓግዝና። “ኣብዚ ናይ ንብዓት ቆላ ኮይንና እናበኸናን እናነባዕናን ናባኺ ንምኅጸን ኣሎና። ሃየ ደጊምስ ኦ ጠበቓና ነተን ርኅሩኃት ኣዕይንትኺ ናባና ምለሲ፣ ድሕሪ እዚ ስደት’ዚውን ንብሩኽ ፍረ ከርሥኺ ኢየሱስ ኣርእይና። ኦ ርኅርኅት፡ ኦ መሓሪት፡ ኦ ጥዕምቲ ድንግል ማርያም” (ሰላም ንኣኺ ኦ ንግሥቲ) ንበላ።