ብማርያም ናብ ኢየሱስ


ብማርያም ናብ ኢየሱስ

+ ኣባ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም
ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ

ፍቁራትን ፍቁራንን መንእሰያት፡
ሎምዘመን ብሓቂ ዓመትኩም እያ! ኣብ ልዕሊ እዚ ብ24 መጋቢት ንደብረ ማርያም ፋጥማ እተገብርዎ ዘሎኹም ርእሰ ኤጳርቅናዊ ንግደት፡ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ፋሲካ እውን ብሃገር ደረጃ መዓልቲ መንእሰያት ተባሂላ ብጳጳሳትኩም ተመዲባትልኩም ኣላ። ዓመት መጸ ራብዓይቲ ሰንበት ድሕሪ ፋሲካ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም መዓልቲ ጸዋዕታ ክህነት እያ። ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ንዝመጽእ ወርኂ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖዶስ እውን፣ ጳጳሳት ዓለም፣ “ መንእሰያት፣ እምነትን ምልላይ ጽዋዕታን” ንዝብል ቴማ ኣብ ሮማ ክዝትዩሉ እዮም። ኣብ ወርኂ ጥሪ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2019 ከኣ ኣብ ሃገረ ፓናማ (ማእከላይ ኣመሪካ) ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝምራሕ ጉባኤ መንእሰያት ብዓለም ደረጃ ክካየድ እዩ። ስለዚ እዛ ዓመት እዚ ብሓቂ ዓመትኩም እያ። እዚ ኲሉ ብዛዕባኹምን ምእንታኹምን ዝካየድ ጉባኤታትን ዓውደ መጽናዕትን ድማ ምስ እየሱስ ብዝበለጸ ምእንቲ ክትራኸቡን ምስኡ ምእንቲ ክትተዓራረኹን ንኣኡ ምእንቲ ክትስዕብዎን ክትመስልዎን ንማለት እዩ። እዚ ኲሉ ንምግባር ግን ብማርያም ናብ ኢየሱስ ዝብል ጭርሖን መምርሕን እንተተኸተልኩም ርክብኩም ስሉጥን ርግጸይናን ይኾነልኩም። ካብ እግዝእትነማርያም ንላዕሊ ንኢየሱስ ዝቐረቦን ዝፈለጦን ዘፍቀሮን ዝሰዓቦን የልቦን። ስለዚ ብኣኣ ጌርና ናብ ወዳ እንተቀረብና “ኣብ ሕይወትኩም ክቀንዓኩም፡ ክትዕወቱ፡ ሓሳብ ልብኹም ክፍጽመልኩም እንተደሊኹም፡ ንሱ ዝብለኩም ኲሉ ግበሩ” እያ እትብለኩም። ከምቲ ሰነድ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ብርሃን ኣሕዛብ ዝብለና፣ “ብፅዕቲ ድንግል ማርያም ምስ’ቲ ካብ ዘለዓለም ዝተወሰነ ተሠግዎተ መለኮታዊ ቃል፡ ብመለኮታዊ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብዚ ምድር’ዚ ኣደ እቲ መለኮታዊ መድኃኒ ኮይና፣ ልዕሊ ኲሎም ሰባት ለጋስ ተኃባባሪትን ትሕቲ ኣገልጋሊትን ጐይታ ዝኾነት እኖ ኣምላኽ እያ። ንሳ ንክርስቶስ ወለደቶን፣ ሓጸነቶን፣ ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣቕረበቶ፣ ምስቲ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ዝሞተ ወዳ ተሳቐየት። ብምሉኡ ፍሉይ ብዝኽዕነ መንገዲ ብተኣዝዞኣን ብእምነታን ብተስፋኣን በቲ ውዕውዕ ፍቕራን ንነፍሳት መልዕልተ ባኅርያዊ ሕይወት ንምሃብ ኣብ ዚግበር ስራሕ መድኃኔ ዓለም ተሓባባቲት ኮነት። በዚ ምኽንያት’ዚ ብመደብ ጸጋ ኣዴና ኣያ” (ብርሃን ኣሕዛብ ቊ 61)። ካብዚ ዝበልጽ መንገዲ ከኣ የብልናን።
ብማርያም ናብ ኢየሱስ ክንብል ከሎና፣ ከምቲ መዝገበ ሃይማኖትና ዝብሎ ነቲ ናይ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንጎይናነትን ዓራቕነትን የራጒዶ ደኣ እምበር ዘጒድሎ ኣይኮነን። “እዚ ናይ ማርያም ኣደ ድቅሰብ ምዃን፣ ንናይ ክርስቶስ ፍሉይ መንጎይናነት (ወይ ዓራቕነት) ዘህስሶ ወይ ዚድምስሶ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ኣጸቢቑ ዘደልድሎን ዘሓይሎን እዩ። እንተኾነ እዛ ድንግል እዚኣ፣ ኣብ ልዕሊ ደቅሰባት ዘለዋ ድኅነታዊ ጽልዋ—ካብ’ቲ ናይ ክርስቶስ ምልኣት ጸጋ ዝፈሰሰ፣ ኣብ’ቲ ናቱ መንጎይናነት ዝተሠረተ፣ ፈጺሙ’ውን ኣብኡ ዚምርኮስን፣ ኲሉ ኃይሉ ካብኡ ዚረክብን እዩ”(መ.ሃ.ቊ 970)። ኣብ ቃና ዘገሊላ እቶም ሰብ ውራይ ኣብ ጸገም ምስ ተረኽቡ ኣዴና ማርያም ቀልጢፋ ንወዳ “ወይኒ እምበር የብሎምን በለቶ”፣ ቀጺላ ነቶም ኣጋፈርቲ ዳስ ከኣ “ንሱ ዝብለኩም ኩሉ ግበሩ” (ዮሓ 2፡3.5)በለቶም እሞ ብኣማላድነት እኖና ማርያም ዓብይ ተኣምር ተፈጸመ፣ ማይ ናብ ወይኒ ተለወጠ፣ ራህዋ ኮነ። ሽግር እቶም ሰብ ውራይ ተፈትሐ። “ኢየሱስ ነዚ ናይ መጀመርታ ተኣምራት እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ፣ ክብሩ ከኣ ገለጸ፣ ደቀመዛሙርቱ’ውን ብእኡ ኣመኑ” (ዮሓ 2፡11)።
ኢየሱስ ኣብ መስቀል ተንጠልጢሉ ምእንታና በጃ ኮይኑ ይሞተሉ ኣብ ዝነበረ ከቢድ እዋን “ኣቲ ሰበይቲ፣ እንሆ ወድኺ”(ዮሓ 19፡26)ክብላ ከሎ፡ ብሓቂ ናይ ኲላቶም ሰዓብቱ ኣደን ኣማላዲትን ክትከውን ከዝደለያ የረጋግጸና። ቀጺሉ ነቲ ዝፈትዎ መንእሰይ ወዲ መዝሙሩ “እንሃ ኣዴኻ” (ዮሓ 19፡27)ክብሎ ከሎ እውን ንነፍስ ወከፍ ተኸታሊኡ “ነደይ፡ ኣዴኻ እንተ ገበርካያ፡ ብቀሊሉ ምሳይ ክትራኸብ ናባይ ክትመጽእ ትኽእል” ዝብሎ ዘሎ እዩ ዝመስል። ነዚ ንምርግጋጽ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ “እቲ ወዲ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ”(ዮሓ 19፡27) ይብለና። ካብኡ ንደኃር ንወትሩ ኣዲኡ ገበራ ማለት እዩ። ስለዚ ብማርያም ናብ ኢየሱስ ይበጽሕ ከምዝነበረ ይገልጽ።
ፍቁራትን ፍቁራንን መንእሰያት፡ እግዚኣብሔር ይፈትወኩም እዩ፡ ኢየሱስ የፍቅረኩም እዩ፡ ማርያም ትፈትወኩም እያ፣ ቤተክርስትያን ኣዴኹም እውን ትፈትወኩም ምዃና ተረጋገጹ። እኳ ደኣ፣ ቤተርክስትያንስ ተስፋእ ኣባኻትኩም እያ ኣኅዲራ ዘላ። ኣብ ወርኂ ጥቅምቲ 2012 ዝተኻየደ ብዛዕባ “ሓዲስ ስብከተ ውንጌል፣ ንምትሕልላፍ እምነት ክርስትና” ብዛዕብ ዝብል ኣርእስቲ ዝዘተየ ሲኖዶስ ጳጳሳት ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ኣብ ኲነታት መንእሰያት ናይ ሎሚ ዘመን ዓብይ ተገዳስነት ከምዝነበሮ ገሊጹ እዩ። ኣብ መደምደምታ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ዝወጸ መልእኽቶም እቶም ጳጳሳት ብፍላይ ናብ መንእሰያት ኣተኲሮም፣ “መንእሰያት ሎሚ ኮነ ጽባሕ ኣብ ሕዝብን ቤተክርስትያንን እቶም ዝበዝኁ ጉጅለ ስለዝኾኑ ንኣና ፍሉይ ክብሪ እዮም። ኣቡናት ኲነታት መንእሰያት ኪሓስቡ ከለው ፈጺሞም ተስፋ ኣይቆርጹን እዮም። እወ ዘሻቕል እዩ፣ ግና ተስፋ ዘቚርጽ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ናይ ጊዜና ፈተና ብልክዕ ኣብ መንእሰያት ስለዝኾነ የተሓሳስበና እዩ። እንተኾነ ተስፋ ኣይንቆርጽን ኢና። ምኽንያቱ ልዕሊ ኲሉ ኣብ ውሽጢ ታሪኽ ዝንቀሳቐስ ፍቕሪ ክርስቶስ ጥራይ ስለዝኾነ፣ ኣብ መንእሰያትና ድማ ነቲ ክርስቶስ ብቑዕ ምላሽ ዝህበሉ ቅንዕና፣ ሓቂ ናጽነት፣ ልግሢ ና ምድላይ ዓሚቚ ባህጊ ከምዘሎ ስለእንፈልጦ ተስፋ ኣይንቖርጽን ኢና” ድሕሪ ምባል እቶም ጳጳሳት ቀጺሎም ናይ ሎሚ መንእሰያት ከመይ ዝበለ ደገፍ ከምዘድልዮም ብከምዚ ዝስዕብ ኣባታውን ዘበራትዕን ሓልዮት ይገልጹ። “ንሕና፣ መንእሰያት ነዚ ነገራት እዚ ከናድዩ ከለው ክንድግፎም ኢና ንደሊ። ማኅበራትና ድማ ጽን ኢለን ክሰምዓኦም፣ ምስኣቶም ክዛተያን፣ ነቲ ከቢድ ኩነታት መንእሰያት ብግልጽን ብዘይዕቃበን ምላሽ ክህባሉን ነተባብዕ። ማኅበራትና ነቲ ኃይሊ ባህጎም ኪጸቕጣኦ ዘይኮነስ ኪጥቀማሉ ኣንጻር እቲ ኃይልታት ዓለም ምእንቲ ረብሓኦም ኢሎም ነቲ ናይ ዝሓለፈ ጽቡቕ ተዘክሮን ነቲ ናይ ጽባቐ ቅኑዕ ራእይን ብምምንዛዕ ቀስ እናበሉ ናይ መንእሰያት ጉልበት ዘዳኽሙን ስምዒቶም ዘጥፍኡን ዘለው ኪቃለሱ ኢና ንደሊ” ይብሉ።
ጠባይን ትጽቢትን መንእሰያት ናይ ዘመንና ብምስትውዓል እቶም ኣቡናት እንደገና፣ ዝሰምዖምን፡ ዘተባብዖምን፡ ዝሕግዞምን፡ እንተረኺቦም መንእሰያት ክንደይ ንፉዓትን ውፉያትን ከምዝኾኑ በዚ ዝስዕብ ቃላቶም የረጋግጹ። “ሕይወት መንእሰያት ዓብይ ምስትውዓል ዝሓትት ግና ከኣ ተስፋ ዝህብ ናይ ሓዲስ ስብከተወንጌል ግራት እዩ። እዚ ከኣ ካብቲ ብዙኃት መንእሰያት ዝሰሓበ ከም ዓለም ለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ዝኣመሰለ መደብ ጀሚርካ ክሳብ እቲ ብሕቡእ ዝካየድ ግን ከኣ ኃይሊ ዘለዎ ናይ መንፈሳውነትን፡ ኣገልግሎትን ተልእኮን ትመክሮታት ተረጋጊጹ እዩ። ቅድሚ ኲሉን ልዕሊ ኲሉን ነቲ ናቶም ዓለም ኣብ ምምስካር ናይ መንእሰያት ንጡፍ ኣበርክቶ ኪፍለጥ ዘለዎ እዩ” (መበል 13 ስሩዕ ሲኖዶስ ጳጳሳት፡ መልእኽቲ ናብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ቊ 9)።
ብማርያም ናብ ኢየሱስ ክትበጽሑ እንተ ኮይንኩም ግን ንስኻትኩም’ውን ብገንኩም ክትዕጠቑ የድሊ። ኢየሱስ ኮነ ማርያም ንዝሕግዞም እዮም ክሕግዙ ዝደልዩ ዝኽእሉን። እምበኣር መንእሰይ ሎሚ፣ ወዲ ተባዕታይ ኮነ ጓለንስተይቲ ብዕቱ ክገብሮም ካብ ዝለዎ-ዘለዋ ሓድሓደ ነጥብታት ከመልክተልኩም ደስ ይብለኒ።
እቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርኂ ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ጉባኤ (ሲኖዶስ) ጳጳሳት ብዛዕባ “መንእሰይ፣ እምነትን ምልላይ ጸዋዕታን” ዝብል ኣርእስቲ እዩ ክዝቲ። መጀመርያ እምበኣር እቲ ኣርእስቲ ንጉዳይ መንእሰይ ናይ ሎሚ ዘመን ዝምልከት እዩ። ኣብቲ ንሠልስለተ ሰሙን ዝካየድ ጉባኤ መንእሰይ ሎሚ ከመይ ኣሎ? እንታይ እዩ ትጽቢቱ-ሕልሙ? እምነቱ ከመይ ኣሎ? ጸዋዕትኡ ከለሊ-ከተለሊኸ እንታይ ይገብር? ንዘጋጥሞ-ማ ዘሎ ብድሆታት ከመይ ይፈትሖ? ቤተክርስትያንከ ንመንእሰይ እንታይ ደገፍ ትህቦ? ኣብ ስድራቤት ኣብ ቊምስና ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ስራሕ ዘጋጥሞ ጸገማት ንምፍታሕ እንታይ ሓገዝ የድልዮ? ወዘተ. ዝብሉ ሕቶታት ክፍተሹን መልሲ ክድለየሎምን እዩ። ንሕና ከኣ ብወገንና ነዞም እቶታት መልሲ ክንህበሎም ክንፍትን ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ቀጺለ ነቶም ኣብ ምምላስ ይሕግዙኹም ዝበልኩዎም ኣገደስቲ ነጥብታት (ምስማዕ፣ እምነት፣ ሓጐስ፣ ጸዋዕታ፣ ፍቕርን ርኅራኄን)ኣቕርበልኩም ኣሎኹ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወትኩም ዝሕግዝኹም ሓሳባት ክትረኽቡሎም ከኣ ተስፋ እገብር።

ነቂሕካ ጽን ኢልካ ምስማዕ።

እግዚኣብሔር ወትሩ ምስተዛረበ እዩ። ስለዚ መጀመርያ ነቲ እግዚኣብሔር ዝብለካ ጽን ኢልካ ምስማዕ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ኣዩ። እቲ ብሓቂ ክሰምዕ ዝደሊ ከኣ ጽሞና ይፈቱ፣ ኲሉ ኣእምሮኡን ልቦናኡን ጠርኒፉ ንድምጺ ኣምላኽ ጽን ይብል፡ የስተውዕል። ነቲ ዝሰምዖ ክፍጽም ከኣ ከም ኣዴና ማርያም፣ “እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፣ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” (ሉቃ 1፡38) ይብል። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ሓቀይና ምስማዕ ንእግዚኣብሔር ምትእዛዝ ወይ ፍቓዱ ምፍጻም ማለት እዩ። ንኣብነት እቲ ኢየሱስ ብፍሉይ ዘፍቀሮ ወዲ መዝሙር ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ነቶም ድልዷላት መንእሰያትን ኣጒባዝን ክጽሕፍ ከሎ ነዚ ዝስዕብ ዓብይ ማዕዳ ይህቦም፣ “ኣቱም ኣጒባዝ ብርቱዓት ስለዝኾንኩምን ቃል ኣምላኽ ኣባኽትኩም ይነብር ስለዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስለዝ ዝሰዓርኩምዎን ጽሒፈልኩም ኣሎኽ። ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተው። ሓደ እኳ ንዓለም እንተፈተዋ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የብሉን። ከመይ ኲሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወት ሥጋን ክፉእ ትምኒት ዓይንን ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን ካብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦ ኣይኮነን። ዓለምን እቲ ዂሉ ፍትወታን ኃላፋይ እዩ። እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለዓለም ይነብር”(1ዮሓ 2፡14-17)። ፍቓዱ ክንፍጽም ከኽእለና ከኣ ወትሩ ኣብ ጸሎት ክንጽመድ የድሊ። ከመይ ብኃይልና ጥራይ ኣይንኽእሎን ኢና።
ስለዚ፡ ከምቲ መጽሓፍ ኢሚታስዮ፡ ንክርስቶስ ምምሳል ዝብለና፣ ዝዓበየ ረብሓ ምእንቲ ክንረኽበሎም፣ ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ብእምነትን ብትሕትናን ብኽብርን ከነንብቦምን ንመልእኽቶም ክንሰምዕን የድሊ። “ንቅዱስ መጽሓፍ መንፈሳዊ ጠቕሚ ክትረኽበሉ እንተደሊኻ፣ ብትሕትናን ብገርህነት ልብን ብእምነትን ኣንብቦ እምበር ፈላጥ ምእንቲ ክትበሃል ኢልካ ኣይተንብቦ” (ኢሚታስዮ ቀዳማይ መጽሓፍ ምዕ. 5 ገጽ 27)።

እምነት ካብ ምስማዕ እያ
ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ “እምበኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፣ እቲ ዚስማዕ’ውን ቃል ክርስቶስ እዩ” (ሮማ 10፡17)። ስለዚ፣ መንእሰይ ልዕሊ ኲሉ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝመንጨወ ድልዱል እምነት ክህልዎ ኣለዎ። ኣብ ጥምቀትና ጸጋ እምነት ተቐቢልና ኢና። ደሓር ግን ብቃል ኣምላኽን ብምሥጢራትን ብጸሎትን ብሰናይ ግብርን እናኮስኮስና ክንከናኸናን ከነዕብያን ብዙኅ ፍረ ከምእትፈሪ ክንገብራን ኣድላዪ እዩ። ብሓቂ ከኣ ሓደ መንእሰይ “ምስ ኣምላኽ ከምዝተሓባበረ መጠን እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት (ገላ 5፡6)ንመላእ ሕይወት ወድሰብ እትልውጥ፣ ሓዳስ መምዘኒ ርድኢትን ተግባራትን ትኸውን (ሮማ 12፡2, ቆላ 3፡9-10፡ ኤፈ 4፡20-29፡ 2ቆሮ 5፡17)
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ብ2012 ዓመት እምነት ክኸፍቱልና ከለው ኣብ ዝጸሓፍዋ ዓዋዲት ሰነዶም ከምዚ ዝስዕብ ይብሉና፣ “ኣፍደገ እምነት” (ግ.ሓ.14፡27) ንኣና ወትሩ ርሕውቲ ኣያ። እዛ ኣፍደገ እምነት እዚኣ ምስ ኣምላኽ ናብ ዚህልወና ሱታፌ ሕይወት ትመርሓና፣ ናብ ቤተክርስትያን ንምእታው ተኽእለና። ቃል ኣምላኽ ብወግዒ ምስ ተነግረና (ተበሠርና)ልብና’ውን በቲ ለውጢ ጸጋ ኣምላኽ ምስ ተሓደሰ፣ ሽዑ ናይ’ዛ ኣፍደገ እዚኣ ልዳት ምስጋር ይከኣል። በዛ ኣፍደገ እዚኣ ምእታው ማለት ንሕይወትካ ምሉእ ዚግበር ጒዕዞ ምጅማር ማለት እዩ። እዚ ከኣ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣቦ ኢልና ንኽንጽውዖ ብዘኽእለና ብጥምቀት (ሮማ 6፡4 ረአ)ዝጅምር ኮይኑ ብሞት ኣቢልና ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ብዚግበር ምስግጋር ይዛዘም። እዚ ዘለዓለማዊ ሕይወት እዚ ከኣ ናይ ትንሣኤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍረ እዩ” (ኣፍደገ እምነት ቊ 1)።
“ምእማን” ማኅበረ ክርስትያናዊ (ናይ ቤተክርስትያን)ተግባር እዩ። እዛ እምነት ቤተክርስትያን ንናትና እምነት ስለእትቕድማ ንሳ እያ ነታ ናትና እትወልዳን እትድግፋን እትምግባን። ቤተክርስትያን ኣደ-ኲሎም ኣመንቲ እያ። በዚ እዩ ቅዱስ ቆጵርያኖስ “ንቤተክርስትያን ከም ኣዲኡ ዘይርእያ(ዘይቅበላ) ንእግዚኣብሔር ከም ኣቦኡ ክሓስቦ ኣይክእልን ኣዩ” (ቅ.ቆጵርያኖስ De unit.. 6.PL 4,519)። እምነት ንድኅነትና ኣድላዪ እዩ። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ኣብ ወንጌሉ “እቲ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ኪድኅን እዩ፣ እቲ ዘይኣመነን ዘይተጠምቀን ግን ኪዂነን እዩ” (ማር 16፡16)ኪብል ባዕሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ስለዚ ነፍስ ወከፍ መንእሰይ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያኑ ኮይኑ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ፥ “እምነተይ ኣብ መን ኣውዲቐዮ ከምዘሎኹ ስለዝፈልጥ ኣይኃፍርን እየ” (2ጢሞ 1፡12)ክብል ክኽእል ኣለዎ። እምነት በቲ ሓደ ወገን ህያብ ኣምላኽ ስለዝኾነ “እምነት ወስኸና” (ሉቃ 17፡5) ክንብል፣ በቲ ካልእ ከኣ፣ ንእምነትና ዘደልድል ስራሓት ክንፍጽ ኣድላዪ ይኸውን። እምነት ናይ ኲሉ ክርስትያናዊ ሕይወትናን ስራሕናን መሠረት እያ።

ወትሩ ሕጉሳት ምዃን

እግዚኣብሔር ክንሕጐስ እምበር ክንሓዝን ኣይፈጠረናን። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ብወንጌሉ ሕይወት ሓጐስን ድኅነትን እዩ ኣበሲሩና። እቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ ሓጐስ ግን ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን። ሓቀይና ሓጐስ ውስጣውን ግዳማውን ሰላምን ቅሳነትን ዝህብ ኣዩ። እቲ ክርስቶስ ዘምጽኣልና ሰላም ናይ’ዚ ዓለም እዚ ኣይኮነን። “ሰላም እኃድገልኩም ኣሎኹ፣ ሰላመይ’ውን እህበኩም ኣሎ። ኹእቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን፣ ኣይትሸበሩ ኣይትፍርሁ” (ዮሓ 27)።
ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮስ ኣብታ ወንጌል ፍስሓ ዝኣርእስታ ዓዋዲት ሰነዶም ምንጪ ሓጐስ መንእሰያት ንእየሱስ ካብ ምርካብን ምፍላጥን ምኽታልን ከምዝመጽእ ኣነጺሮም ይገልጹ። “ታሕጓስ ወንጌል ንልብን ሕይወትን ናይ ኲላቶም ምስ እየሱስ ዝራኸቡ ሰባት ይመልእ። ምስ ኢየሱስ ታሕጓስ ቀጻሊ እዩ ዝውለድ”(ወፍ1)። ውፉይ ሕይወት ኣብ ዝብል ሓዋርያዊ ሰነዶም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይውን፡ “ብቀዳምነት፣ እግዚኣብሔር፡ ንሕይወት ደቅ ሰብ ምልኣት ትርጉምን ሕይወትን ይህቦ፣ እዚ ከኣ ሰብኡትን ኣንስትን ንእግዚኣብሔር ስለዝተፈጥሩ፣ ልቦም ከኣ ኣብኡ ክሳዕ ዝዓርፍ ዕረፍቲ-ቅሳነት የብሉን” (ውሕ 377-486) ማለት እዩ። ኢሳያስ ነቢይ ንሕዝቢ እስራኤል “ኣቱም ንኢየሩሳሌም እተፍቅርዋ፡ ኲልኻትኩም ምስኣ ተሓጐሱ ብኣኣ ከኣ ደስ ይበልኩም። ኣቱም ዝኃዘንኩምላ ኲልኻትኩም፡ ተሓጐሱ፡ ምስኣ ዕልል በሉ። ከም ሕጻን ኣጥባታ ጠቢኹም ክትጸግቡን ክትጸናንዑን፡ ብብዝኂ ክብረታ ክፍሕሽወኩምን እዩ——” (ኢሳ 66፡10-14) እናበለ እግዚኣብሔር ኣብ ዘለዎ ታሕጓስን ቅሳነትን ከምዝርከብ የረጋግጽ።
ንኢየሱስ ዝረኸቦ’ሞ ብእምነት ዝሰዓቦ ኲሉ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ መልእኽተይና እዩ (ርሊጳጳሳት ፍራንቸስኮስ)። ሓጐስና ቅሳነትና ኣብ ምንታይ ኣንቢርናዮ ኣሎና? ዝብል ሕቶ ክንሓትት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሰብ ብዝተፈላለየ መንገድን ምኽንያትን ሓጐስ ክረክብ ይፍትን። እንተኾነ ብዙኅ ጊዜ ብዘይ እግዚኣብሔር ስለዝደልዮ ኣይሰልጦን። “ከመይ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዚርከብ ሓዲሽ ፍጥረት እምበር ምግዛር ኮነ ዘይምግዛር ዚጠቕሞ የብሉን” (ገላ 6፡15)። “ካብ ክፉእ ትምኒት ጒብዝና ህደም፥ ምስቶም ብንጹሕ ልቢ ንእግዚኣብሔር ዚጽውዕዎ ከኣ ኣሰርኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ሰዓብ” (2ጢሞ 2፡22)።
“እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ኬጸናንዖም፥ ንሽጉራቱውን ኪምሕሮም እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት እልል በሉ፥ ኣቲ ምድሪ ተሓጐሲ፣ ኣቱም ኣኽራን እልል እናበልኩም ዘምሩ” (ኢሳ 49፡13)። “እቶም ንስኻ እግዚኣብሔር ዝተበጀኻዮም ኪምለሱ፥ እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም። ዘለዓለማዊ ሕጐስ ርእሶም ኪኽልል እዩ፥ ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፣ ጓህን እህህታን ካብኦም ክሃድም እዩ” (ኢሳ 51፡11)። “ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ እዚ ነገርኩኹም” (ዮሓ 15፡11)። “ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ለምኑ፥ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም” (ዮሓ 16፡24)። “ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ፥ ሓጐሰይ ኣብኣቶም ምእንቲ ኪፍጸም ድማ፡ እዚ ኣብ ዓለም እዛረብ ኣሎኹ” (ዮሓ 17፡13)። ሓጐስ ፍረ ናይ መንፈስ ቅዱስ እዩ (ገላ 5፡22)። ሓጐስ ፍሉይ መለለይ መንግሥቲ ኣምላኽ እዩ (ሮማ 14፡17)። ሓቀይና ሓጐስ ብፈተናን ጸገማትን ትድልድል እምበር ኣይትዳኸምን እያ። “ሽሕኳ ብብዙኅ ጭንቂ እንተተሳቐኹም፥ ነቲ ቃል በቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተረኽበ ሓጐስ ብምቅባልኩም ሰዓብትናን ሰዓብቲ ጐይታናን ኮንኩም”(1ተሰ 1፡6)። “ኩሉ ሳዕ ተሓጐሱ፥ ከየቋረጽኩም ጸልዩ፥ ብኲሉ ኣመስግኑ፡ ከመይ ኣብቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎኩም ሕይወት፥ ኣምላኽ ዚደልዮ እዚ እዩ” (1ተሰ 5፡16=18)። “ሽዑ ከም ድምጺ ብዙኅ ሰብን፡ ከም ደሃይ ብዙኅ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝብለ ሃሌ ሉያ! እቲ ንዂሉ ዚኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ነጊሡ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱውን ተዳልያ ኣላ፥ ስለዚ ንተሓጐስ ባህውን ይበለና፥ ንኣኡ ድማ ክብሪ ንሃቦ” (ራእ 19፡6=7)።

4. ሓቀይና ጸዋዕታኻ ምልላይ፡

መንእሰይ ማለት ገና ዝዓቢ ዘሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ ሕይወቱ ዝምርምር ተጐዓዚ ሰብ እዩ። ስለዚ በየናይ ጸዋዕታ ወይ መንገዲ ንክርስቶስ ዝኽተሎን ዘገልግሎን ክምርምርን ከለልን ክጽዕር ኣለዎ። ብቃል ኪዳንዶ ወይስ ብክህነት ወይስ ብድንግልና ክነብር እዩ ተጸዊዑ? ጸዋዕታ ክቡር እዩ። ስለዚ ብተገዳስነትን ብእምነትን ጸዋዕታና ክነለሊ ክንጽልን ክንማኸርን ኣሎና። በቲ ኢየሱስ ዝደልዮ መንገዲ እንተተጐዓዝካ ሕጉስን ዕዉቱን ሕይወት ክትነብር ትኽእል ማለት እዩ። እቲ መንእሰይ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክረክብ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ቢሉ ምስ ሓተቶ፣ “ኢየሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፥ ሓንቲ ጐዲላትካ ኣላ፥ -ኪድ ዘሎካ ኲሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፥ ኣብ ሰማይ ድማ ሃብቲ ክትረክብ ኢኻ እሞ (መስቀልካ ተሰኪምካ) ነዓ ሰዓበኒ- በሎ። ንሱ ግና ብዙኅ ጥሪት ስለዝነበሮ በዚ ቃል እዚ ኃዘነ፡ እናጐሃየውን ከደ”(ማር 10፡21)። ጸዋዕታኻ ምልላይ ቀሊል ነገር ኮይኑ ክረኣየና የብሉን። መንፈስ ቅዱስ ከብርሃልና ክንልምን ምስ ኣቦ ነፍስና ክንማኸር ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ኢየሱስ ባዕሉ “ኣነ እየ ዝኃረኹኹም እምበር ንስኻትኩም ኣይኃረኹምንን” (ዮሓ 15[16)ክብል ከሎ ንሱ ጥራይ እዩ መንገድና ክሕብረና ዝኽእል እምበር፣ ንበይንና ከምዘይንኽእሎ የረድኣና። “ብጀካይ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” (ዮሓ 15፡5)። በዚ ምኽንያት እዩ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ጸዋዕታኡ ምስተረጋገጸ “ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘሎኹ”(ገላ 2፡20)ክሳዕ ምባል ዝበጽሐ።
ምእንትዚ፣ ኢየሱስ ካባና እንታይ ከም ዝደሊ፣ ከመይ ከነገልግሎ ከምዝደሊ ክንፈልጥ ክንጽዕር ኣሎና። እንተዘይኮነ ከም ማርታ ኣቶክሮና ኣብቲ ዘየድሊ ነገራት ክዓልብ ይኽእል ኣዩ። “ማርታ ማርታ፡ ብብዙኅ ነገር ትጽነቕን ትስህርን ኣሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ነገር ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ካብኣ ዘይውሰድ ሠናይ ግደ ኃርያ ኣላ” (ሉቃ 41=42)። “ስለዚ ሓደ እኳ ብክርቶስ እንተ ደኣ ኣሎ ኮይኑ፡ ንሱ ሓዲሽ ፍጥረት እዩ” (2ቆሮ 5፡17)። ንሓቂ ኣብ ምድላይ ከነዕርፍ ወይ ክንዛነ ኣይግባእን። ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከምዝብሎ ንእግዚኣብሔር ኢና ተፈጢርና፡ ኣብኡ ክሳዕ ንዓርፍ ከኣ ሓቀይና ነባሪ ዕረፍቲ ኣይንረክብን ኢና።
መንእሰያት ሓቅን ፍትሕን ትፈትዉ ኢኹም። ብዝከኣለኩም መጠን ከኣ ክትደልዩዋን ክትስዕብዋን ኣሎኩም። እንተኾነ ሓቂ’ውን ብቐሊሉ ኣይትርከብን እያ። ፍትሒ ከኣ ዝገደደ! ስለዚ ሓገዝ ናይ መንፈስ ቅዱስ ናይ ግደን የድልየና እዩ። ባዕሉ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንመንፈስ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ ወይ መጽናንዒ ኢሉ ይጽውዖ ፥ “ኣነ ከኣ ንኣቦ ክልምኖ እየ፥ ንሱ ድማ ንዘለዓለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኪህበኩም እዩ። ንሱ ከኣ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ብምዃና ክትቅበሎ ዘይትኽእል መንፈስ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዚኃድር ኣባኻትኩምውን ዚነብር ስለ ዝኾነ ትፈልጡዎ ኢኹም”(ዮሓ 14፡16-17)። “ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ትዕግሥቲ፡ ልግሲ፡ ሕያውነት፡ እሙን ምዃን፡ ርእስኻ ምግታእ እዩ” (ገላ 5፡22)። ንሕና ዓደልቲ እምበር ተቖጻጸርቲ ጸጋ እግዚኣብሔ ኣይኮናን (ርሊጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፣ ወንጌል ፍስሓ ቊ 47)።

5. ፍቕርን ርኅራኄን መለለይኹም ይኹን፣

ፍቁራትን ፍቁራንን መንእሰያት፡ ኣብ መጨረስታ ክብለኩም ዝደሊ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ፍቕሪ ብጻይን መለለይኹም ይኹና። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን “ከምቲ ኣቦ ዘፍቀረኒ ኣነውን ኣፍቂረኩም እየ፣ ኣብ ፍቕረይ ንበሩ” (ዮሓ 15፡9) እናበለ እዩ ነዚ ዓብይ ለበዋ ገዲፉልና።
መንፈሳውያን ማኅበራትኩምን ቊምስናታትኩምን ናይ ፍቕርን ኅብረትን ምትሕግጋዝን ማእከላትን መናሃርያታትን ክኾና ኣለወን። ማኅበር እታ ቀዳመይቲ ትእመን ብሥራተ ወንጌል እያ። “ዘይሕጉስትን፣ ስምምዕ ዘይብላን ማኅበር ትመውት ዘላ ማኅበር እያ። ሕጉስቲ ማኅበር ህያብ መንፈስ ቅዱስ እያ። ሥጋኡን ደሙን እትምገብ ማኅበር ኣብ መኣዲ ወልደ እግዚኣብሔር ተኣኪባ ብቃሉ ተመሪሓ ኣብ ጉዕዞ እምነት እትካፈል ማኅበር ኅውነት እያ” (ርሊጳጳሳት ፍራንቸስኮስ)። ሕያውነት ቅዱስ ቁርባናዊ ሕያውነት ንኣናውን ኣዝዩ ይጠቕመና እዩ። ከም መደምደምታ እዛ መልእኽተይ እምበኣር ነታ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝደረሳ ዓባይ ማኅሌት ኣቕርበልኩም። መዓልቲ መዓልቲ መምርሒ ሕይወትኩምን መምርሒ ስራሕኩምን ትዂነልኩም።

“ፍቕሪ ዓቃል እዩ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን እያ፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን እያ፡ ኣይትዕበን እያ። ፍቕሪ ስዲ ኣይኮነትን፣ ንኣይ ይጥዓመኒ ብዚብል ኣይትምራሕን ኣያ። ፍቕሪ ኣይትቚጣዕን፡ ኣይትቕየምን እያ። ብሓቂ ትሕጐስ እምበር ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ፍቕሪ ንዂሉ ትጸውር፡ ንኹሉ ትኣምን፡ ብዂሉ ድማ ተስፋ ትገብር፣ ንዂሉ ትዕገሥ” (1ቆሮ 13፡4-7)።

ወትሩ ብማርያም ናብ ኢየሱስ የብጽሓና! ኣሜን።

+ ኣባ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም
ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ