ምስ ነቢይ ዮናስ ናብ ሰብ ነነዌ


ምስ ነቢይ ዮናስ ናብ ሰብ ነነዌ

ተልእኮ ካህናት ኣብ ጒዕዞ ዓብይ ጾምን፣ ኣብ ጽንኩር ጊዜ ኮሮና ቫይሩስን

፳፻፲፫ ዓ.ም.ግ.- 2021 ዓ.ም.ፈ.

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ክቡራን ጓሶት ሕዝበ እግዚኣብሔር፣

ቅድሚ ኩሉ “ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን” (ፊል 4:23) ብምባል ንነፍስ ወከፍኩም ልባዊ ሰላምታይ ኣቕርበልኩም። ኩልና ከም እንፈልጦ፣ ብበዓላት ልደትን ጥምቀትን ከምኡ እውን ዘመነ ኣስተርእዮ ተጓዒዝና ናብቲ ንበዓላት ሰሙነ ሕማማትን ፋሲካን ዘድልወና ዓብይ ዘመነ ጾም ኢና እንኣቱ ዘሎና። እኖና ቅድስቲ ቤተክርስትያን ዓመት መጸ፣ ካብ ጥንቲ፣ በቶም ፍሉጣት ናይ ጽዑቕ ጸሎትን፣ ጾምን ምጽዋትን መንፈሳውያን ተግባራት፣ ንበዓለ ትንሣኤ ክንቅረብ ትደልየናን ተተባብዓናን። ሎምዘመን ብፍልይ ዝበለ መንገዲ ንኣና ንጓሶት ነፍሳት ዝምልከት ኣስተንትኖ ክንገብር ጽቡቕ ኮይኑ ይስምዓኒ። ከምቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝብሎ፣ “እቶም ጓሶት እውን ኣባጊዕ እዮም” እሞ፣ ንኣና’ውን መንፈሳዊ መግብን ጥዕናን ዕቤትን ስለዘድልየና ብዛዕባ ጸዋዕታናን ተልእኮናን ኣዕሙቕ ኣቢልና ከነስተንትን ኣድላዪ ይመስለኒ። ዘይብሉ ኣይህብን፣ ዘይበልዐ እውን ኣይመንዕን እዩ እሞ፣ ጓሶት ክምገቡን ክጥዕዩን ከለው እዮም ንመጓስኦም እውን ክምግቡን፣ ክከናኸኑን፣ ክሕልውን ዝኽእሉ። ኣርእስቲ ናይዚ ዘቕርበልኩም ዘሎኹ ኣስተንትኖ ከኣ ኣብቲ ዘገርም ታሪኽ ነቢይ ዮናስ ወዲ ኣሚታይ፣ ሕዝቢ ነነዌን፣ ወሰን ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽን ዝተመርኮሰ እዩ። ስለዚ ነዛ ዘቕርበልኩም ዘሎኹ ጽሕፍቲ ከም ጅምርቲ እምበር ከም ውድእቲ ከይረኣኹም ዝጠቕመኩም ሓሳባት እናወሰድኩም ዝወሃብ ርእይቶን ዝግበር እርማትን ከተመልክቱለይ እላቦ። በዚ ምኽንያት እየ ብፎቶ ኮፒ ኣባዚሐ ዝሰደልኩም ዘሎኹ። ደሓር እንታይ ንገብር ክንርኢ ኢና።

Click here to read full content