ምሕረት ኣምላኽ ንኽትረክብስ እንታይ ኢዩ ክግበር ዘለዎ ኣብዚ ዓመት’ዚ?


God`s Mercyሓጢኣተኛ ኣይንገርን ኢዩ፡ ሓጢኣት ወይ ከኣ ተመክሮ ናይ ሓደ ብስቱር ዝሰማዕካዮ’ሞ፡ ኣዚዩ ዝተንከፈካ ሰብ፡ መንነቱ ብዘይሕብር ኣገባብ ምክፋል ግን ንኹሉ መሃሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ፡ ናይ ሓንቲ ኣዚያ ዘደነቐትንን፡ ኣብነት ናይ ኩሉም እቶም ኣብ ከም’ቲ ናታ ኩነታት ዝነብሩ ዘለዉ መንእሰያትና ክትከውን እትኽእል ብምዃናን ኢየ ናብ ኣንበብቲ ከቕርባ መሪጸ።

ሎሚ ድኅሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት ክልተ በታ ብር.ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝተከፍተት ማዕጾ ምሕረት ናይ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ሮማ፡ ኣብ ቅድሚ መቓብር እቶም ኣዚየ ዝፈትዎም “ሕያዋይ ጳጳስ” (Papa Buono) ዝብል ቅጽል ዘለዎም፡ ቅ. ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ዘሎ መስርዕ ጠዋሉ ኮፍ ኢለ ጸሎተይ ይገብር ነበርኩ። ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ መቑጸሪያ ምስ በጻሕኩ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ዘለኹዎ መስርዕ ተቀሚጠን ዝጽልያ ዝነበራ መንእሰያት፡ ናባይ ቅርብ ኢላ ስማዕንዶ፡ ጥልያን ትኽእልዶ? ክዛረበካ ደልየ በለትኒሞ፡ ጸሎተይ ደው ኣቢለ፡ ሕራይ ኢለ ናብኣ ገጸይ ይግልበጥ። ቀጺላ “እዚ ዓመተ ምሕረት እንታይ ማለት ኢዩ? እንታይ ኢና ክንገብር ዝግብኣና? ንኣብነት ከም ሰበይ በዚ ማዕጾ ምሕረት ተባሂሉ ዝተኸፍተት ሓሊፈ። ግን ቅድምዶ ክናዘዝ ይግብኣኒ ኔሩ? እንታይ እንታይ ኢዩ ክግበር ዝግብኦ?” በለትኒ። ኣብ ሞንጎ እቲ ላዕሊ ታሕቲ ዝብል ሰባት መሊኡዎ ዘሎ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ኢና ዘሎና። ኣነ በቲ ተገዳስነታን፡ በቲ ብሓቂ እቲ ክግበር ዝግብኦ ንኽትገብር ተርእዮ ዝተነበረት ቀጻሊ ሕቶታትን፡ ኣዚየ ተደኒቐ እሰምዓ ነበርኩ። ብኸምዚ ዝስዕብ ከኣ ንሕቶታታ በብሓደ ኽምልስ ጀመርኩ። እቲ መሥረታዊ ቁምነገር ምስ ምሕረት ኣምላኽ ምርኻብ ኢዩ። እዚ ማዕጾ’ዚ ሓደ ምልኽት ኢዩ። ግን ከኣ ኣዚዩ ብርቱዕ ትርጉም ዘለዎ ምልክት ኢዩ። ኣብ ክርስትና ምልክታት ሓበርቲ ናይቲ ብቃላትና ብቐረባ ክንገልጾ ዘይንኽእል ምሥጢርን ጸጋን ኣምላክ ኢዮም። ናይዚ ዓመት ምሕረት’ዚ ቀንዲ ዕላማ ከኣ፡ ኣመንቲ ናብ ምሕረት ኣምላኽ ከምዝቐርቡን፡ ንምሕረቱ ከምዘስተማቕሩን ምግባር ኢዩ። ብሓጺሩ ኩላትና ካባይ ጀሚርኪ በደላትን ድኽመታትን ዘሎና ድኹማት ፍጡራት ስለ ዝኾና፡ ኣምላኽና ከኣ ብእንጻሩ ኣቦ ፍቕርን፡ ኣምላኽ ምሕረትን ስለዝኾነ፡ ናብ ምሕረት፡ ናብ ዝተሓደሰ ውሉዳዊ ርክብን፡ ናብ ጉደና ድሕነትን ኢዩ ዝጽውዓና ዘሎ። ምሕረት ምስ ኣስተማቐርና ከኣ ናብ ግብረ ምሕረት ንዋፈርን ልኡኻትን መሰኻኽርን ናይ ምሕረት ኣምላኽ ንኸውንን። ስለዚ መሕረት ኣምላኽ ምቕባልን መሓርቲ ኮንና ኣብ ናይ ግብረ ምሕረት ስራሓት ምስታፍን ኢዩ ዕላማኡ።

ስለዚ ናብ ሕቶታትኪ ክምለስ፡ ምንዛዝ ግድን ዲዩ? ኢልክኒ። እወ፡ ምኽንያቱ እቲ ንሕና ጥሙቓት ካብ ድኽመትና ክንመሓረሉን፡ ምስ ኣምላኽ ብሞንጎኝነት ቤተክርስትያን ክንዕረቐሉን ዝተዋሕበና መሣርሒ ብምዃኑ ኣድላዪ ኢዩ በልኩዋ። እሞ ክናዘዝዶ ሕጂ፡ ክተናዝዘኒዶ ትኽእል በለትኒ? እወ ንኽትኣምኒ እኒሆ፡ ናይ ሰበኻ ሮማ ናይ ካህን መንነተይ ርኣዪ በልኩዋ። እሞ ጽቡቕ፡ መጀመርያ ክናዘዝ ኢየ ዝደሊ በለት። ኣብዚ ማእከልዚ ኩሉ ሰብ በልኩዋ። ደኃን ኩሉ ሓሓዳሩ ዘለዎ ኢዩ ጸገም የሎን በለትኒ። ባህጋን ሃረርትኣን ንምግማት ኣየጸግምን ኢዩ። እሞ ቁሩብ ክትሰናደዊዶ ትደልዪ ኢኺ በልኩዋ? ጸገም የሎን ድሮ ተሰናዲወ ኢየ በለትኒ። ጽቡቕ ኢለ ንኽትናዘዝ ንግግራ ምስ ጀመረት፡ ከምዚ ዝስዕብ ቀጸለት።  “እሞ ካብ ዘይናዘዝ ዳርጋ ዓመተይ ሓሊፉ” በለት። ንቡር ስለዝኾነን ብዙኅ ነገራት ካብኡ ስለ ዝውሰንን ከኣ፡ ሕራይ ግን ክሓተኪዶ መጀመርያ በልኩዋ። ሕራይ በለት። በዓልቲ ሓዳር ዲኺ ወይስ ገና ዘይተመርዓውኪ ኢኺ? ዘይሓሰበቶ ዱብ ባላ ግዲ ኮይኑዋ፡ ዝን በለት እሞ፡ ቀጺላ፡ “ምስ ዓርከይ ብሓደ ኢና ንነብር ግን ብስርዓት ቤተክርስትያን ኣይተመርዓናን” በለትኒ። ካብዚ ብርግጽ እቲ ተዋስኦ ካልእ ኣቕጣጫ ከምዝሕዝ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ መድረኽ፡ ናይ ኑዛዜ ዘይኮነ፡ ናይ ምኽሪ መድረኽ ኢዩ ዝኸውን። በሊ ከም ካቶሊካዊት መጠን፡ ትምህርተ ክርስቶስ ተማሂርኪዶ በልኩዋ? “እወ ክሳብ ቁሩብ እዋን ኣብ ቁምስናይ ንጥፍቲ ኢየ ኔረ። ሕጂ ግን እዚ ኩነታተይ ባህ ምባል ስለ ዝኣበየኒ ቁሩብ ርሒቐ” በለትኒ። በቲ ቅንዕናኣን ገርህነታን ብጣዕሚ ኢየ ተመሲጠ። በሊ ትፈልጥዮ ስለ ዝኾንኪ ሓደ ሓደ ነገራት ጥራሕ ከዘኻኽረኪ በልኩዋ። ክልተ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ወድን ጓልን፡ ጥሙቓት ክርስትያን፡ ብሓደ ክነብሩ ዝፍቀዶም ብክርስቶሳዊ ኪዳን ምስ ተጸንበሩ ጥራሕ ምዃኑን፡ ካብኡ ወጻኢ ዝግበር ዝኾነ ርክብ፡ ካብ ሕጊ እግዚኣብሔርን ቤተክርስትያንን ወጻኢ ምዃኑ ትፈልጢዶ? በልኩዋሞ፡ ገርህነት ዲዩ፡ ወይስ ብሓቂ እቲ ፍልልይ ዘይምርዳእ ንኽፈልዮኳ እንተጸገመኒ፥ ቀጺላ ብግሩህ መንፈስ፡ “እወ ግን እኮ ብጣዕሚ ኢና ንፋቶ። ክንምርዖ’ውን ንደሊ ኢና። ኩነታት ጥራሕ ኢዩ ብሓደ ሓደ ነገራት ምግጣም ኣብዩና እምበር” በለት። ንኸይትእስሩ ዝጸገመኩም ኩነታት ንኣብነትዶ ክትጠቕስለይ ምኽኣልኪ ቢለ ሓተትኩዋሞ፡ ኣዚዩ ንምእማኑ ዘጸገመኒ ዘደንቕ ታሪኽ ዘለዎም ክልተ መንእሰያት ምዃኖም ክትነግረኒ ጀመረት።

ንግግራ ብምቕጻል ከኣ፡ “ርክብና ደልዲሉ ናብ መርዓ እናሓሰብና ከሎና፡ ነዚ መጻምደይ ኣቡኡ ኣብ ሞንጎ ዓሪፎም። ንሱ’ውን ሓደ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ገጢምሙዎ ኣሎ። ኣብዚ ቁሩብ እዋን ናይ ካንሰር ሕማም ጌሩ ኦፐረሽን ጌሩ። ከምዚ ሓኻይም ዝብሉና ዘለዉ ከኣ ብሰንኪቲ ዝገበሮ ኦፐረሽን፡ ድኅሪ ሕጂ ክወልድ ዝኽእል ኣይመስለንን። ኣብ ልዕሊኡ ብሰንኪዚ ናቱ ኩነታት ክልቴና ስራሕና ኣቋሪጽና ጸኒሕና። ሕጂከኣ ገና ስራሕ ኣይረኸብናን ኣሎና” በለት። እሞ ንስኺ’ኸ ብኸመይ ትርእይዮ ነዚ ነገር? ገና ምስኡ ክትቕጽሊ ዲዩ ድልየትኪ? ሓተትኩዋ ድልየታ ከረጋግጽ። ንምእማኑ ዘጸገመኒ ናይ ሕይወትን ናይ እምነትን ጅግንነት ዘነጽር፡ ዘደንቕ ታሪኾም ብምቕጻል፡ “እወ እኳ’ድኣ እዚ ናቱ ሕማም፡ ንርክብና ኣዚዩ ኢዩ ኣበርቲዑዎ። ነቲ ዝተሓላለኸ ጸገማት ከኣ ብሓደ ንገጥሞ ኣሎና። ብዛዕባኡ ዝኾነ ጥርጥር የቢለይን” በለት። ብልበይ ሓቐኛ ፍቕሪ ዝበሃል እዚ ኢዩ፡ ይብል ነበርኩ። እዚ ዓርክኺ ከማኺ ዘበለት ሰብ ምርካቡ ዕድለኛ ኢዩ በልኩዋ። “ኣይፋሉን፡ ኣነ ኢየ ዕድለኛ ንዓኡ ብምርካበይ። ምኽንያቱ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘለኹ፡ ንሱ ዝገበሮ ይበልጽን ይበዝሕን በለትኒ”። ከመይ ማለትኪ ኢዩ? በልኩዋ ብኣድናቆት። “ንሱ ኢዩ ንዓይ ካብ ሞት ኣድሒኑ፡ ብሕይወት ንኽነብር ነእሙሮይ ለዊጡ፡ ኣብ’ቲ ዝጸንከረ ኩነታት ሕይወተይ፡ ኣብ ጎድነይ ደው ብምባል ናብዚ ደረጃዚ ዘብጽሓኒ” በለትኒ። ከመይ ማለትኪ ኢዩ? በልኩዋ ሞያ ብጻያ ንኽርዳእ።  “ኣነ ኣብ ሓደ ከቢድ ጸቕጢ (ደፕረሽን) ኣትየ፡ ብዙኅ ጊዜ ርእሰ ቅትለት ክፍጽም ፈቲነ ኔረ። ዝያዳ ዝኾነ ይኹን ሰብን ኣኅዋትን ከኣ ኣብ ጎድነይ ኮይኑ፡ ኣጆኺ ክስገር ኢዩ። ኣነ ከኣ ወትሩ ኣብ ጎድንኺ ኣለኹ፡ እናበለ፡ ካብ’ቲ ኩነት እቲ ኣሳጊሩ ኣብዚ ዘብጽሓኒ ንሱ ኢዩ። ብሕይወት ክሳብ ዘለኹ ከኣ ምእንታኡ ዝኽእሎ ዘበለ ክገብር ድልውቲ ኢየ” በለትኒ። በሊ ስምዒ፡ ንስኻትኩም ኣዚዩ ኣምላኽ ዝፈትወኩምን፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክትኮኑ ዝተፈጠርኩምን ሓቐኛ ፍቕሪ ዘለኩምን ይመስለኒ። ስለዚ እታ ዝሓጸረት መንገዲ፡ ምስ ቆሞስኩምን፡ መሰኻኽርን ጌርኩም፡ ብጽብብ ዝበለ ኣገባብ፡ ቃል ኪዳን እሰሩ። ነቲ ድሮ ብዘደንቕ ኣገባብ ትነብርዎ ዘለኩም ናይ ፍቕሪ ሕይወትኩም ከኣ ሕጋውነት ኣልቢስኩም፡ ብምስጢራትን፡ ብቃል እግዚኣብሔርን፡ ከምኡውን ኣብ ጉዕዞኹም ከሰንየኩም ዝኽእል፡ መንፈሳዊ ካህንን መሪጽኹም ንኺዳናዊ ሕይወትኩም ብምልኣትን ብሕጊ ኣምላኽን ምንባር ዝሕሸኩም ይመስለኒ በልኩዋ። እዚ ሕይወትኩም ሓደ ንኽንደይ መንእሰያት መምህር ክኸውን ዝኽእል፡ ብጸገምን ብብድሆታትን እውን ዘይደሃል ሓቀኛ ፍቕሪ ኢዩ ዝመስል። ክንደይ መንእሰያት መሳቱኹም ግን፡ ኣብ ዘዝሓለፈ ጸገም መምስ ገጠሞም፡ ዝምድና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኪዳን እውን ፈቲሖም ይፈላለዩ ኣለዉ። ናትኩም ሕይወት ግን ብሓቂ ዘደንቕ ኢዩ’ሞ። ጀጋኑ ናይ ሓቀኛ ፍቕሪ ኢኹም። ሓደራ ኣብ ዝሓጸረ መስመር ኣትሒዝኩም፡ እዚ ትብህግዮ ዘሎኺ ናይ ምሕረት መኣድን ጎደናን ክትሳተፉን ክትጐዓዙን ዝበለጸ ኢዩ በልኩዋ። ቀጺላ ከኣ፡ “ብጣዕሚ ጽቡቕ ኣባቴ፡ ክልቴና ናይ በዓልን ምግፋሕን ባህጊ የቢልናን። ኣጽብብ ኣቢልና ክንገብሮ ኢዩ ድልየትና በለትኒ። ብሓቂ ጽቡቕ በልኩዋ። ቀጺላ ግን ስማዕንዶ፡ እዚ ኣምላኽስ እንታይ ጌርናዮ ኢዩ፡ ካብ ሓንቲ ጸገም እንተወጻናስ፡ ናብ ሓንቲ ካብኣ ዝገደደት ዘእትወና? ሐደ ሓደ ጊዜስ፡ ምስ ኣምላኽ ይበኣስ። ስለምታይ ኢለ ከኣ የንጸርጽር፡ በለትኒ። ሓቂኺ ይትረፍዶ ንስኺ፡ መምስ ጸገመና ኩልና እንገብሮ ነገር እኮ ኢዩ። ጊዜ ጸገም ኃያል ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ፈተና ከኣ ኣምላኽ ዝረስዓካ ወይ ዝገደደ ከኣ ኣምላኽ ዝቐጽዓካ ዘሎ ኮይኑ ክስምዓካ ከሎ ኢዩ። ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ፡ ኢየሱስ ብንጹር ገሊጹልና ኢዩ። ኣምላኽ ወትሩ ድሕነት ፍጡራቱ ዝደሊ ርሕሩሕ ኣቦ ኢዩ። ብዙሕ ኣብነታት ኣብ ወንጌል ክተንብቢ ትኽእሊ። ንሱ ዘይኮነስ ንሕና ኢና ንርሕቆ ዘሎና። ወላ ኢየሱስ’ውን እኮ፡ “ፍቓድካ እንተ ኮይኑስ ነዚ ጽዋዕ ካባይ ኣርሕቆ” ኢሉ ኢዩኾ ጸሊዩ። ኢየሱስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ሰይጣን፡ ካብ ቅድመይ ታእለ፡ እንተደለኻ ተኸተለኒ፡ ዝብለካ ስማዕ ዝበሎ። ንስኻ ክትሳቐ የቢካን ስለዝበሎ ኢዩ። ክኽተለኒ ዝደሊ መስቀሉ ጼሩ ይከተለኒ ኢዩኮ ዝበለ። እቲ ክንልምኖ ዝግብኣና፡ ካብ ስቃይ ኣድሕነና ዘይኮነስ። ንስቓይና ንምቅባልን ንመስቀልና ንምስካምን ኃይሊ ሃበና ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። እሞ በዚሑኮ በለት፡ ተመኩረኣ፡ እናስደመማ። ሓቅኺ ኢኺ። እዚ ቀሊል ነገር ኣይኮነ። መብዝሕትኦም ቅዱሳን ከምኡ እናበሉ ኢዮም ሓሊፎም። መዛሙር ዳዊት ክተንብቢ እንተ ጀሚርኪ ብዙኅ ከምኡ ዝበለ ሰቖቓው ኢና ነንብብ። ግን ንሱ ኢዩ ጸሎቶም። ዋእ ኣንታ ጎይታይ ስለምታይ? ምባል ኣይትሰከፊ። ምስ ጸገመኪ ናብ ጎይታ ኬድኪ “ስለ ምንታይ?” በሊዮ። ካብኡ ዝዓቢ ጸሎት የሎን። ሕጂ ኣይርድኣናን ኢዩ። ጸኒሑ ግን እንተወሓደ ገሊ ክርድኣና ኢዩ። ገሊኡ ከኣ ከይተረድኣና ክንሰግሮ ኢና። ናብ ቤቱ ምስ ኣቶና ንሓቶ። ሓንቲ ነገር ኣመንቲ እንተኾይና፡ ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንጠራጠር የቢልናን። ኣምላኽ ፍቕሪ ኢዩ። ወትሩ ከኣ ድኅነትና ኢዩ ዝደሊ። ግን ክንመሃረሉ ዝደልየና መሰናኽላት ክንሓልፍ ከኣ ይፈቅድ። ዝኾነ ስቓይ፡ ተቐቢልና እንተኽኢልናዮ ብርቱዕ ፍረ ኢዩ ዘለዎ። ኣቐዲምኪ፡ ብሓባር ነቲ ጸገማትና ስለ ዝገጠምናዮ፡ ፍቕርና፡ እናበርትዔ ከይዱ ምስ በልክኒ፡ ኣዚየ ተደኒቐ። እዚ ስቓያትኩም፡ ብዙኅ ጽቡቕ ነገራት ይምህረኩምን፡ ብዝያዳ ናብ ኣምላኽኩም ክትምለሱን፡ ብዝበለጸ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክትኣምኑን ክሕግዘኩም ምዃኑ ኢዩ ዝርኣየኒ ዘሎ። ጥራሕ ኣጆኺ፡ እዚ ጀሚርኪዮ ዘለኺ ሰናይ ጉዕዞ፡ ናብ ምሕረት ኣምላኽ፡ ብዝበለጸ ቀጽልዮ። ድሕሪ ዳርጋ ናይ 40 ደ ደቂቅ ዘተን ምኽርን ከኣ፡ የቐንየለይ ኣባቴ ኢላ ኣመስጊና ከደት።

ንሳ ምስ ከደት ጸሎተይ ክቕጽል እንተፈተንኩ፡ እዚ ተመክሮኣን ተገዳስነታን፡ ብሓሳብ ናብቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣንታ በጃኹምባ ቃል ኪዳን ግበሩ። እዚ ናይ ዘይኣመንቲ ስራሕ ገደፍዎ፡ እናበልኩ ንነዊሕ እዋን ዝለመንኩዎምን፡ ገና ከኣ ደዳሕራይ፡ ኣሰር ቀዳሞት ዳሕሮት ኮይኑ፡ ንባህሊ ሕዝብናን፡ ንካቶሊካዊ እምነትናን ንፋስ ዘእቱ፡ ካብ ምስጢራት ዘርሕቕ። ንሕልናኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዘየቕስን። ኣብ ቅድሚ ሰባት ተኣማንነትካን ልቦናኻን ኣብ ሕቶ ዘእቱ። ንንኡስ ወለዶ ሎሚ፡ ብመሰረቱ ከኣ ነቶም ውላድካ ሕማቕ ኣብነት ዝህብን፡ ጽባሕ ንደቕኻ ኮነ ንኻልኦት ከምዚ ኣይግበርን’ዩ ክትብል ዘየኽእል። ክብረትካ ወይ ክበድ ቃላትካ ዘጥፍእ፡ ኣዚዩ ዘሰክፍ ባህርታት ኢዩ። እቲ ዝገርም፡ ገገለ ከቢድ ጸገማት፡ ዘለዎም፡ ነቲ ነገር ብሓቂ ክገብሩሉ ዝኽእልሉ ኩነታት ስለ ዘይብሎም ኢዩ። ብዙሓት ግን ሓንሳብ ምስ ሓዙዎ ለሚዶሞ ዲዮም ወይስ ብሓቂ ሕልናኦም ደቂሱ ክርድኣካውን ኣይኽእልን። እዛ ጅግና መንእሰይ፡ ንጥፍቲ ተዋሳኢት ናይ ቁምስናኣ ኢያ ኔራ። ከምቲ ዝበለቶ ግን፡ እቲ ኩነታታ ባህ ምባል ምስ ኣበያ፡ ክትርሕቕ መሪጻ። ምርሓቕ መፍትሕ እኳ እንተዘይኮነ። ሕልና ዘለዋ ሰብ ምዃናን፡ ንሕልናኣ ክተታልል ከምዘይትደልን ይረኣየካ። ደሓን ዘየለኻ ከለካ ከምደሓን ዘለኻ መሲልካ ምቕጻል፡ ሓደገኛ ኢዩ።

እዚ ዓመትዚ፡ ዓመተ ምሕረት ተባሂሉ ካብ ተወሰነልና፡ ሓደራ ዝግበር ጌርና ነቲ ካብ መስመር ዝወጸ ነገራት ናብ መስመሩ እንመልሰሉ ዓመት ሓቀኛ ተበግሶን ጻዕርን ይኹን። ሓደራ ብፍላይ እቶም ቃል ኪዳን ንምእሳር ጸገም ዘይብልኩም፡ ብሸለልትነት፡ የርክበሉ፡ ወለደይ ክመጹኒ፡ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ምኽንያታት ኣወጊድኩም፡ ናብ ምሕረት ኣምላኽ ንጎዓዝ። ካብ ታሪኽ ናይዛ መንእሰይ ስለ ዝተበገስኩ ኢየ ብዛዕባ ቃል ኪዳን ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፡ ሎሚ እቲ ዝኸፍኤ ቁስሊ ናይ ጽልንእን ቂምበቐልን ቁስሊ ኢዩ። እቲ ዝገደደ ከኣ ኣብ ኣበ ውሉድን፡ ኣብ መቕርብን ቤተሰብን ምግዳዱ ኢዩ። ስለዚ እቲ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኩሉ ምጽንናዕን ዝኾነ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽን ኣቦን ይባረኽ (2ቆሮ 1:3)፡ ነዚ ናይ ምሕረት ዕድል ሰሪዑ ይዕድመና ኣሎ። እዚ ኣብ ዓመት፡ ናይ ምሕረት ኢዮቤል ዝብዕል ልደት ከኣ፡  ሓዲስን መሓደስን ዝኸውን ልደት ክገብረልና፡ ንልቢ ውሉድ ናብ ኣምላኽ ዝመልስ፡ ብሓቂ ብሩኽ ልደትን ሰላማዊ ሓድሽ ዓመትን እምነየልኩም። ነዚ ዝስዕብ ቃል ቅዱስ ጳውሎስ ብምዝኽኻር ከኣ እፋነወኩም፡ “ንቕሑ፡ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ፡ ኩሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ግበርዎ” (1ቆሮ 16:13-14)።

(ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ ዘማኅበረ ልኡካን (ላዛሪስት) –

(ሮማ - ኢታሊ - 20/12/2015)