መልእኽቲ በዓለ ፋሲካ 2020 ካብ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም


መልእኽቲ በዓለ ፋሲካ 2020 ካብ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

እግዚኣብሔር ብርሃነይን ምድኃነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርሆ?

ክቡር ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን እትርከብ ሕዝበ እግዚኣብሔር፣

ሰላምታን፣ ሓደጋ ለበዳ ኮሮናቫይሩስን

  1. ቅድሚ ኩሉ፣ ኣብዚ መላእ ዓለም ብተላጋቢ ሕማም ኮሮናቫይሩስ ተናዊጹሉ ዘሎ እዋን፣ “ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን” (ሮማ 1:7) እናበልኩ ልባዊ ሰላምታይን ትምኒተይን እገልጸልኩም። ንነፍስ ወከፍኩም ድማ ምሉእ ጥዕናን ቡሩኽ ናይ ሕማማት ሰሙንን ፍስሓ ዝመልኦ በዓለ ትንሣኤን እምነየልኩም። እዚ፡ ወላ ኣብ ገዛና ተዓጺውና ከሎና፡ ካብ በዓለ ሆሳዕና ጀሚርና ክሳዕ በዓለ ትንሣኤ እንገብሮ መንፈሳዊ ጒዕዞ፣ ብእምነትን ብትግሃንት እንተ ተኸታቲልናዮ፣ ብዙኅ ጸጋን ስሬት ኃጢኣትን ከምዘምጽኣልና ርጉጽ እዩ። ኣነ’ውን በዚ ለበዳ ሕማም ምኽንያት ኣብ ዝገሽኩዎ ሃገር ተዓጊተ እየ ዘሎኹ። ብድኃነ ሰላም ብዝቀልጠፈ ንዓደይ ክምለስ ኣብ ጸሎትኩም ክትዝክሩኒ እምሕጸነኩም። ብቅልጡፍ ጠፊኡስ እንጸውየሉ ጊዜ ይሃበና!

  1. እዚ ምሥጢራዊ ሕማም’ዚ ብሓቂ ኣብ ከቢድ ናይ ራዕድን ስቓይን ሞትን ጊዜ ኣእቲውና ይርከብ። ኣብቲ ምትሕግጋዝ ሓድሕድ ዘድልየሉ እዋን ከኣ ከምዘይንራኸብን ከምዘይንተሓጋገዝን ጌሩና ኣሎ። በዚ ሰሙነ ሕማማትን በዓላት ትንሣኤን ከምቲ ልሙድ ኣብ ቤተክርስትያን ተኣኪብና ከይንሰግድን ከይነምልኽን ከይንምህለልን ዓጊቱና ይርከብ። ሕማም ተላገብ ስለዝኾነ፣ንኣና ከይለግበና ወይ ንካልኦት ከይነልግበሎም ክንረሓሓቕ ናይ ግዲ እዩ። በዚ ምኽንያት ስድራቤታት ገዛውተን፣ ቊምስናታት ኣብያተ ጸሎተን፣ ዕዳጋታትን መዓጹአን፡ ሃገራት ዶባተንን መዓርፎ ነፈርተንን ክዓጽዋ ተገዲደን ኣለዋ። እዚ ከኣ ኣዝዩ ከቢድ ኃዋህው ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ሕማም እዚ ብወርኡ ጥራይ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ኣሰንቢዱናን ረብሹናን ይርከብ እንተበልና’ውን ምግናን ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ፣ ከምቲ ሕዝቢ እስራኤል ኣብ ጸበባ ምስ ተረኽቡ፣ “ኦ እግዚኣብሔር ንሕዝብኻ ቀጻዕካና፣ ጸበባ ምስ ረኸበና ናባኻ ኣእወና። ከምታ ጥንስቲ ሰበይቲ ክትወልድ ምስ ቀረበት ቅልውላው ተታኂዛ እተእዊ፣ ኦ እግዚኣብሔር ንሕና’ውን ኣብ ቅድሜኻ ከምኣ ኮንና። ጠነስና ጻዕሪ ሕርሲ ኃዘና። ንፋስ ከምዝወለደት ኮንና። ንምድርና ግና ምድኃን ኣየምጻእናላን” (ኢሳ 26:16-18) እንተበልና ኣውን ኣየኽፍኣልናን እዩ። ሎሚ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ዓለም፡ እቶም ማዕቢልና፣ ኲሉ ንኽእል ኢና፣ ክብሉ ዝጸንሑ’ውን ከይተረፈ፣ ሰብ ድኹም ዓቕምን ከድኅኑ ዘይክእሉን ምዃኖም ብጋህዲ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን እዩ። ኣብዚ ተዓጊተ ካብ ዓደይ ርሒቐ ዘሎኹሉ ሃገር ኅቡራት መንግሥታት ኣመሪካውን፡ ምስቲ ኲሉ ዘልዎም መሳርሕን ቊጽሪ ሰብ ሞያ ጥዕናን፣ እንተዘይገዲዶም ከምቶም ኣብ ድኻታት ሃገራት እንርከብ ኣሕዛብ ክርዕዱን ክሓሙን ክሞቱን ይረኣዩ ኣለው። ካብ መልከፍቱ ደኣ ይሰወረና እምበር፡ እዚ ሕማም እዚ፣ ኃያል-ድኹም፡ ሀብታም-ድኻ፡ ዓብይ-ንእሽቶ፡ ጻዕዳ-ጸሊም፡ ሰብኣይ-ሰበይቲ፣ ዘይብል፣ብዘይኣፋላላይ ንኲሉ ዘጥቅዕ ግናይ ለበዳ እዩ። 

ኣብ ኣባይትኹም ተዓጸዉ

  1. እሞኸ ደኣ፣ከም ክርስትያን፣ ነዚ መዓት እዚ ከመይ ጌርና ንግጠሞ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ኢሳያስ ነቢይ፣ እግዚኣብሔር ባዕሉ ነቲ መዓት ወሪዱዎ ዝነበረ ሕዝቡ “ኦ ሕዝበይ! ኪድ ናብ ገዛውትኻ እቶ’ሞ መዓት እግዚኣብሔር ክሳዕ ዝኃልፍ መዓጹኻ ዓጺኻ ሓንሳብ ተሓባእ” (ኢሳ 26:20) ዚብል ኣገዳሲ ምኽሪ ክህቦም ንርእዮ። እዚ ከኣ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ዝሓዘ ድምጺ ክኾነና ኣለዎ። ህቦብላ ንፋስ ክሳዕ ዝሓልፍ፣ ኣብ በዓቲ ትዕቈብ። ሎሚ ከኣ፡ የሕጽረልና ደኣ እምበር፣እዚ ወሪዱና ዘሎ መዓት ክሳዕ ዝኃልፍ ኣብ በዓቲ ገዛና ከምንዕቈብ ኮይንና ኣሎና። ምሕላፉኳ ግን ኣይተርፍን እዩ። እግዚኣብሔር ኣይጭክነልናን እዩ። ከውግሓልና እዩ። ክሳብ ዝሓልፍ ግን ምሕባእ እውን ኣድላዪ ይኸውን። እግዚኣብሔር እንተሓገዝናዮ እዩ ዝሕግዘና እሞ እቶም ሰብ ሞያ ዝህቡና ምኽርን መምርሕን ተኸቲልና ዘድሊ ጥንቃቐን ክንክንን ክንገብር የድሊ። መጀምርያ ንርእስና ደኃር ከኣ ነቶም ክንከናኸኖም ዝግብኣና ደቅናን፣ቤተሰብናን፡ጐረባብትናን፡ሕሙማትናን፡ሽማግለታትናን፣ብዝከኣለና መጠን ክንከላኸልን ክንከናኸንን ኣድላዪ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ፣ ኣብ ገዛና ክንዕጾ ካብ ተገደድና ኣብ ጉዳይ መንፈሳዊ ሕይወትና ከነተኲር ዝበለጸ ዕድል ንረክብ ኣሎና ማለት እዩ እሞ ብዝከኣለና መጠን ንጠቐመሉ። ዝያዳ ጸሎት ክንገብር፡ ንቃል እግዚኣብሔርን ነንሕድሕድናን ጽን ኢልና ክንሰምዕ ንጽዓር።

ስቅያት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ

  1. ክቡራትን ክቡራንን ኣባላት ስድራ ክርስቶስ፣ መዝሙር 22 መዝሙር ሰሙን ሕማማት እዩ። ኣብኡ እቲ ንመድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጊዜ ሕማማቱ ዘጋጠሞ ጠቕስታት ንረክብ። “ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰበቅታኒ፣ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ስለምንታይ ሓደግካኒ?” ከምኡውን “ተካፈሉ ኣልባስየ ለርእሶም ወተዐፀው ዲበ ዐራዝየ፣ ንክዳውነተይ ተማቐልዎ፣ ንቀሚሸይ ከኣ ዕጫ ኣውደቑሉ” ዝብሉ ጭርሖታት ናይቲ ኣብ መስቀል ተንጠልጢሉ በጃና ዝሞተ ጐይታ ይርከቡዎ። በዚ ሎሚ ቅነ ሕማማት መድኃኒናን፣ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይሩስን ምስ ኢየሱስ ኃቢርና፣“ከተድኅነኒ ኢለ ኣምሪረ እበኪ ኣሎኹ፣ስለምንታይ ካባይ ትርሕቕ?ኦ ኣምላኸይ ብመዓልቲ ናባኻ እጠርዕ፣ ንስኻ ግና ኣይትምልሰለይን፣ ብለይቲ’ውን እጽውዕ፣ ዕርፍቲ ግና የብለይን” (መዝ 22:1-2) እንብለሉ ጊዜ እዩ። ኢየሱስ ምእንታና ክብል ብዘይገበሮ በደል ተሳቐየ፡ ተሰቕለ፡ ሞተ ተቐብረ። ስለዚ ነዚ ወሪዱና ዘሎ መዓት ከዝሕለልና ነቲ ሕማማቱ ክንሓስብን ከነስተንትንን ከሎና ጽንዓት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ወንጌሉ፣ “ድኅር’ዚ እቶም ወተሃደራት ጲላጦስ፣ ንኢየሱስ ኣብ ቤት መንግሥቲ ወሲዶም ብዘሎ ነቲ ሠራዊት ኣብኡ ኣከብዎ። ክዳኑ ገፊፎም ከኣ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ። ካብ እሾኽ ኣኽሊል ተቲዖም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትኂዞም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ እናተምበርከኹ ‘ሰላም ኦ ንጉሥ ኣይሁድ!’ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። ጡፍ ድማ በሉሉ። ነቲ ዘንጊ ኣኅዲጎም ከኣ ርእሱ ወቕዑዎ። ምስ ኣላገጹሉ ድማ ነቲ ቀይሕ ባርኖስ ቀንጢጦም ክዳውንቱ ከደንዎ ኪሰቕሉዎ ድማ ወሰድዎ” (ማቴ 27፥27-31) ይብለና። ቀጺሉ ከኣ “ምስ ሰቐልዎ ነቲ ክዳውንቱ ዕጫ ኣውደቕሉ” (ማቴ 27:35) ይብል። ሓድሓደ ጊዜ ብላግጺ እውን ሓቂ ተወጽእ እያ። እቶም ወተሃደራትውን ዘላገጹሉ መሲሉዎም እምበር ሓቂ እዮም ተዛሪቦም። ጲላጦስ እኳ ብወገኑ “ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሥ ኣይሁድ” (ዮሓ 19:19) እናበለ ብዕብራይስጥን ብላቲንን ግሪኽን ጽሒፉ ነታ ሓቂ ኣብ ርእሲ ኢየሱስ ስቑል ዝለጠፋ! በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን ዝተባህለ ከምዚ ምስ ኮነ እዩ። ኢየሱስ ከኣ ንጉሥ ኣይሁድ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንጉሥ መላእ ዓለም፣ ንጉሥ ታሪኽውን እዩ።

  1. በዚ ኢየሱስ ዝረኸቦ ግፍዒ እዚ፡ እግዚኣብሔርን ሰብን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምድሪ ብምልእታ እውን ከምዝሓዘነት ንምግላጽ ድማ፣“እንሆ ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ክሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ” ይብል እሞ፣መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ናይ ኲልና ስቓይን ብሕትውናን ጭንቀትን ንምግላጽን ንምጥቕላልን፣ “ብታስዓይቲ ሰዓት ኣቢሉ “ኤሎሄ ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ! እናበለ ብዓብይ ድምጺ ጨርሐ፣ እዚ ከኣ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ኀደግካኒ?”(ማቴ 27:45-46) ክብል ንሰምዖ። እቶም ቀተልቱ ግን “ንሱ ብኣምላኽ ተኣሚኑ እዩ፣’ኣነ ወዲ ኣምላኽ እየ እውን ኢሉ እዩሞ’ ዘፍቅሮ እንተደኣ ኮይኑስ እስከ ሕጂ የድኅኖ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ” (ማቴ 27:43) ብድዐ ዝመልኦ ቃላት!። ኢየሱስ ግን፣“ኦ ኣቦይ!ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቊባ ኣሎኹ” (ሉቃ 23:46) ኢሉ ዝጨርሐ። ወላ ኲሎም እንተገደፍዎ እቲ ዘፍቅሮ ኣቦኡ ግን ከምዘይሓደጎ ስለዝተኣማመነ እዩ። ክመውት ከሎ ከኣ፣“ከምብሓድሽ ብዓብይ ድምጺ ጨርሐ፣ ነፍሱ ድማ ወጸት” (ማቴ 27፡50)። እዚ ክልተ ጭርሖ መድኃኔ ዓለም፣ ኣውያት ናይ ኩልና እውን እዩ። ንሕና እውን፣ በዚ ዘሎናዮ ከቢድ እዋን፣ ምስኡ ኃቢርና ገዓርናን ኣውያትናን ናብቲ ሀብታም ብምሕረት ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣቦና ነዕርግ። ነቲ “ካብ መዓሙቚ ጉድጓድ፣ ኦ እግዚኣብሔር ስምካ ጸዋዕኩ፣ ኣውያተይ ክትሰምዕ ምስ ለመንኩኻ፣ ምህልላይ ሰማዕካ። ምስ ጸዋዕኩኻ ቀሪብካ ‘ኣይትፍራህ!’ በልካኒ” (ድጉዓ ኤርሚያስ 3:55-57) ዝብል ናይ ኤርሚያስ ነቢይ፣ዘጸናንዕ ጸሎት እውን ቀጻሊ ክንደግም ኣሎና።

ክህነታዊ ጸሎት ኢየሱስን ኣገልግሎት ካህናትን

  1. መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን ከምዝብሎ ኢየሱስ ንኩሉ ስቓይና ክርዳእን ከዝሕልን ዝኽል ሕያዋይ መድኃኒ እዩ። ኣብዚ ዘሎናዮ ጊዜ እውን እንተኾነ ልዕሊ ኲሎም ዝድንግጸልና ንሱ እዩ። መንጎይናን፣ መድኃንን፣ንሱ እዩ፣ “ኢየሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከሎ፣ ናብቲ ካብ ሞት ከድኅኖ ዝኽእል ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን፣ ጸሎትን ምህልላን ኣቕረበ። ንኣምላኽ ዝእዘዝ ስለዝነበረ ከኣ ተሰምዐ። ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተኾነ በቲ ዝተቐበሎ ስቓይ እዙዝ ምዃን ተማህረ። ዕዮኡ ምስ ፈጸመ ድማ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ኩላቶም ናይ ዘለዓለም ድኅነት ምኽንያት ኮኖም። ኣምላኽ ከኣ ከም መዓርግ መልኬጸደቅ ሊቀ ካህናት ገበሮ” (ዕብ 5:7-10)። ንሕናውን ጸሎትናን ምህልላናን ሰሚዑ፣ ብዝቐልጠፈ ክዕረቐና ደጋጊምና ንለምኖ። ንሱ ክሰምዓናን ከስልጠልናን እዩ። ነፍስ ወከፍና ብልቢ፣ “ኦ እግዚኣብሔር ናባኻ አእዊ ኣሎኹ፣ ቀልጢፍካ ርድኣኒ፣ ክጽውዓካ ከሎኹ ስምዓኒ። ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ከም ዕጣን፣ ምልዓል ኢደይ ከኣ ከም መሥዋዕቲ ምሸት ይኹን” (መዝ 141:1-2) ክብል ይግባእ። 

  1. ኣብዚ ብፍላይ ንኣና ንካህናት፣ ወላ ኣብዚ ሕዝብና ብኣካል ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ ዘይርከበሉ ጊዜ፣ ብእምነትን ብተወፋይነትን መዓልቲ መዓልቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይንና ከነዕርግ ትሑዛት ኢና። ኣውያትን ስቓይን ሕዝብና ምስቲ ናይ ክርስቶስን ናትናን ገዓርን ስቅያትን ብኽያትን ሓዊስና እነዕርገሉ ክቡር ጊዜ እዩ። እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ወንጌል ደጋጊሙ፡ “እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፣ ንእኡ ስምዕዎ” (ማር 9:7) ኢሉ ከምዝመስከረሉ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ጊዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኢየሱስ ሰዋዕን መስዋዕትን እዩ። ስለዚ ክንቅድስ ከሎና መስዋዕቲ ክርስቶስ፣መስዋዕቲ ሕዝበክርስትያን ስለዝኾነ ንበይንና ወይ ምስ ውሑዳት ሰባት ኮይንና ከነዕርጎ ከሎና እውን ምስቲ ሊቀ ካህናት መድኃኒና ኢየሱስ ኮይንና ምእንቲ ኲሉን፣ ምስ ኲሉን፣ ኮይንና ኢና ነዕርጎ እሞ ብዓብይ እምነትን መንፈሳውነትን ንቀድስ። ንሕናውን ከምቲ ኢየሱስ ኣብ ጌተሰማኒ ዝበሎን ዝገበሮን ክንገብር ጸዋዕታና መዝነት ኣልቢሱና እዩ። ንሓዋርያቱ “ኣብታ ስፍራ ምስ በጽሐ ከኣ ‘ናብ ፈተና ከይትኣትው ጸልዩ’” ምስ በሎም፣”ካብኣቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ረሓቐ፣ ተንበርኪኹ ከኣ ‘ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ እንተ ኮይኑስ ነዛ ጽዋዕ እዚኣ ካባይ ኣኅልፋ፣ ግናኸ ፍቓድካ ደኣ እምበር ፍቓደይሲ ኣይኹን’ እናበለ ጸለየ። ዜበራትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ። ኣዝዩ ተጨኒቑ ኣበርቲዑ ይጽሊ ነበረ። ረሃጹ ከኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይወርድ ነበረ” (ማቴ 22:40-45)። ምእንቲ ሕዝብና ከነማልድ ክንስዋዕ እውን ድልዋት ክንከውን ከሎና ነቲ ኣገልገልቱ ክንከውን ዝጸውዓናን ዝሾመናን ሊቀ ካህናት ክርስቶስ ንመስል።

ደቂ ተስፋ ስለዝኾንና ኣይንደሃልን ኢና

  1. ንኲልና ከኣ፡ ምስ ክርስቶስ ኮይንና እንገጥሞ ስቓይ ተስፋ ከቚርጸና ኣይክእልን እዩ። ከም እምነት ዝመልኦም ካህናት፡ ደናግል፡ ምእመናን፣ ምስ ዳዊት መዘምር ኮይንና ነፍስ ወከፍና “እግዚኣብሔር ብርሃነይን ምድኃነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ? እግዚኣብሔር ኃይሊ ሕይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስንብድ?” (መዝ 27:1) እናበልና እምነት ብዝመልኦ ትብዓት ክንገጥሞ የድሊ። ኃይልናን፡ ጸግዕናን፡ ዋልታናን፡ ባዕሉ መድኃኔ ዓለም እምበር፣ ኃይሊ ወይ ክእለት ሰብ ኣይኮነን። ኣብቲ ምእንታና ሰብ ኮይኑ ወንጌል ድኅነት ዝሰበኸልና፡ ተሳቕዩ፡ ተሰቒሉ፡ ሞይቱ፡ ተንሢኡ፡ ዝተበጀወና መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተተጸጋዕና ጥራይ ኢና ዘይንፈርህ ዘይንስንብድ። ሎሚ ንሕና ጥራይ ኣይኮናን ኣብ ገዛውትና ተዓጺውና ዘሎና። እቲ ብመልክዕ ህብስትን ወይንን ኣብ ቅዱስ ቊርባ ዝርከብ መኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ጸሚዩዎ ኣሎ! እቲ “እንሆ ኣነ ድማ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” (ማቴ 28:20) ዝበለና ክርስቶስ ብርግጽ ኣብ ዘሎና ኣሊና ምሳና ኣሎ። ነቲ “ሥጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ፣ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፣ ኣነውን ኣብኡ እነብር” (ዮሓ 6:55-56) ብምባል ምሸት ጸሎተ ሓሙስ ዝሰርዓልና ናይ ሕይወት እንጌራ ግን ብሃረርታ እንተዘይኮይኑ እዚ ለበዳ ሕማም እዚ ክሳዕ ዝቕንጠጠልና ብግብሪ ክንካፈሎ ኣይንኽእልን ንኸውን። እዚ መንፈሳዊ ጥምየትን ሃረርታን ግን ዓሚቚ ፍቕሪ ቅዱስ ቁርባን ከሕድረልና ተስፋ ንገብር። 

  1. ኣብዚ፡ እኖና ማርያም ነቲ መሪር ኃዘን ናይ ዓርቢ ስቕለትን ቀዳም ስዑርን ከመይ ኢላ ከምዝገጠመቶ ክንሓስብ እውን ሓጋዚ እዩ። በዓል ጥዑም ዝኽሪ ካርዲናል ካርሎ ማርቲኒ ዝበሃሉ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ከተማ ሚላኖ (ዓድጥልያን) ዝነበሩ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ምሁር፣ ብምኽንያት ኢዮቤል 2000 ዓመተ ምሕረት፡ “ማርያም ናይ ቀዳም ስዑር” ዝኣርእስታ ሓዋርያዊት ሰነድ ዘርጊሖም ነቢሮም። ኣብቲ ጽሑፎም ኣብ መንጎ ምሸት ጸሎት ሓሙስን ምሸት ፋሲካን ደቀ መዝሙር ኢየሱስ ብፍርህን ብስንባደን ገለ ሃዲሞም፣ ገለ ተሓቢኦም፣ ገለ ተስፋ ቆሪጾም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣ ማርያም ኣደ ኢየሱስን ገለ ካልኦት ኣንስትን እቲ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ወዲ መዝሙር ዮሓንስን ጥራይ፣ ክሳዕ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቀራንዮ ዝተሰቕለሉ መስቀል ብምጉዓዝ፣ ኣብቲ ኲሉ ሕማማቱ ብትብዓት ተኻፊሎም እዮም። ቅድሚ ሞቱ መድኃኒና ነዲኡን ነቲ ዘፍቅሮ ወዲ መዝሙርን ኣብ እግሪ መስቀል ቆይሞም ምስ ረኣዮም፣ “ነዲኡ ‘ኣቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ’ በላ። ነቲ ወዲ መዝሙር ከኣ ‘እንሃ ኣዴኻ’ በሎ። እቲ ወዲ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ” (ዮሓ 19:26-27)። ብዮሓንስ ገቢሩ ኢየሱስ ንኩልና እዩ ናብ ኣዴኡ ኣወፍዩና። ኣዴና ማርያም ከኣ ብዮሓንስ ገቢራ ንኲልና እያ ከም ደቃን ኣኅዋት ወዳን ተቐቢላትና። ሕጂውን ከም ዮሓንስ ነናብ ቤትና ንውሰዳ። ምስኣ ኮይንና ኢና ነዚ ከቢድ ጊዜ ክንሰግሮ ንኽእል ኢና። ቅዱስ ሉቃስ ከምዝብለና ኣዴና ማርያም ኣብ ቅድሚ እቲ ዓበይቲ ስራሓት ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዘረባን ዓውዓውን፣ ሱቕታን ኣስተንትኖን ትመርጽ ነበረት። “ማርያም ግና ነዚ ነገር እዚ ኲሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት” (ሉቃ 2:19)፣ “ኣዲኡ ድማ ነዚ ኲሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት” (ሉቃ 2:51)። ኣብ ጸሎት ሃይማኖት፡ ኢየሱስ “ሞተ ተቐብረ ናብ ሲኦል ወረደ” ኢና ንብል። ብተሓሳስባ ዕብራውያን ሲኦል ገሃነም ኣይኮነን፣ ሲኦል ዓዲ ሙታን እዩ። ስለዚ ኢየሱስ ነቶም ካብ ኣቦና ኣዳምን ሔዋንን ጀሚሮም ድኅነቱ ዝጽበዩ ዝነበሩ ምሩኻት ሓራ ኣውጺኡ ምስኡ ከተንሥኦም ሓዲሽ ሕይወት ክህቦም እዩ ናብ ሲኦል ዝወረደ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንዝነበሩ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝነበሩ’ውን ሕይወት ኣምጺኡሎም እዩ። ቀዳም ስዑር ግን፡ ናይ ኃዘን፡ ናይ ትጽቢት፡ ናይ ተስፋ፡ ናይ ዓብይ ሱቕታ ጊዜ እዩ። “ማርያም ቀዳም ስዑር” ክንብላ ከሎና፡ ኣደና ማርያም ነዞም ዝተጠቕሱ ዓበይቲ መንፈሳውያን ኃይላት እያ እምህረናን እተርእየናን። ኣብቲ ዝበርትዐ ጊዜ፡ ምስቲ ኩሉ ሓዘና፣ ብሱቕታ፣ ብእምነት፣ ብተስፋ ተጸቢያ። ኣብ መጨረስትኡ ከኣ ሓጐሳ ዝዓበየ ኮይኑ። ንሕናውን ምስኣ ኮይንና ብሱቕታ ብኣስተንትኖ ብእምነት ብተስፋ ክንጽበ ስልእንተክኢልና፣ እታ መጸናንዒት ኅዙናት፣ እታ ፈዋሲት ሕሙማን፣ ከምዘይትፍለየና ርጉጻት ኢና። ኢየሱስ ባዕሉ እውን “ንነፍስኹም ከኣ ብትዕግሥትኹም ከተጥርዩዋ ኢኹም” (ሉቃ 21:19) ይብለና እዩ። ስለዚ ኣይንደሃል፡ ኣይንጠራጠር። ኣብዚ እነሕልፎ ዘሎና፣ ኣይ-ዓርቢ ስቕለት፣ ኣይ-ሰንበት ትንሣኤ ዝኾነ፣ ናይ ይቀዳም ስዑር ኃዋህው እምበኣር፣ ኣደና ማርያም፣ ንወዮ “ልብኹም ኣይሸበር፣ ብኣምላኽ እመኑ፣ብኣይውን እመኑ” (ዮሓ 14:1) ዝብል ድምጺ ወዳ እያ ተስምዓናን ተዘኻኽረናን ዘላ። ዘስተውዕል ልቢ ዝርኢ ዓይኒ ዝሰምዕ እዝኒ ይሃበና።

ብጸጋ ኣምላኽን ብትዕግሥትናን ክንዕወት ኢና

  1. መዝሙር ዳዊት እምነት ብዝመልኦ መንፈስ፣ “ሽዑ ኣብ ልዕሊ እቶም ከቢቦምኒ ዘለው ጸላእተይ ክዕወት እየ። ኣብ ድንኳኑውን መሥዋዕቲ ብዕልልታ ከቕርብ፣ ንእግዚኣብሔር ክዝምረሉን ክውድሶን እየ” (መዝ 27:6) ከምዝብል፣ ንሕናውን ካብዚ ዓብይ ጸላኢ፣ ካብዚ መዓት እዚ ብዓወት ተገላጊልናስ ናብ ኣብያተ ክርስትያንና ተመሊስና ንኣምላኽና መዝሙር ምስጋና እንዝምረሉ ቅቡል መሥዋዕቲ እነዕርገሉ፡ተነሲሕና እንናዘዘሉ፣ ኣብ መኣዱ ቀሪብና ሥጋኡን ደሙን እንቕበለሉ መዓልቲ ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ኣብ ዘዘሎናዮ ኣብ ጸሎት ንጸመድ፡ ቃል እግዚኣብሔር ነንብብ፡ ንስማዕ፡ ተነሲሕና ካብ እግዚኣብሔር ምሕረት ንለምን፣ ነንሓድሕድና ይቕረታ ንወሃሃብ። ሰብኣይን-ሰበይትን፡ ወለድን- ውሉድን፡ ኣኅዋትን-ኣኃትን፡ ቤተሰብን-ጉረቤትን፡ ኣስራሕን-ሰራሕትን ናብ ልብና ተመሊስና ይቕረ ንበሃሃል፡ ሰላም ንግበር። እግዚኣብሔር ከኣ ብዓይኒ ምሕረት ተመልኪቱ ነዚ መዓት ኣብ ሓጺር ጊዜ ከምጽላሎት ክቕንጥጠልና እዩ። ብወገንና ግን፡ ኣብዚ እዋን ጸበባን ፈተናን ብዓብይ ተስፋን እምነትን፥“ሠራዊት እኳ እንተኸበቡኒ ኣነ ኣይፈርህን እየ፣ ጸላእተይ ክቃወሙኒ ኢሎም እንተ ዚለዓሉ’ውን፡ ኣብ ኣምላኽ እምነት ኣሎኒ። ንእግዚኣብሔር ሓንቲ ነገር እልምኖ ኣሎኹ፣ ጽባቐ እግዚኣብሔር ንምርኣይ፣ ኣብ መቕደሱ’ውን ክደልዮ ምሉእ ዕድመይ፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ክነብር እልምኖ ኣሎኹ። ንሱ ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኪሓብኣኒ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ልዕል ከብለኒ እዩ” (መዝ 27፡3-5) እናበልና ንጸናናዕ። ሕጂ እቲ ዝዓበየ ጸላኢና እዚ ሕማም እዚ እዩ። እግዚኣብሔር ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ክንዕወት ክሕግዘና እዩ። ንመን ኢሉዎ?። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ፡“በቲ ንርእስና ካብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፣ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ኩላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኪከኣለናስ ብጸበባና ዘበለ ዘጸናንዓና ንሱ እዩ” (2ቆሮ 1:4)። ስለዚ በዚ ጽንኩር ጊዘ እዚ ነኅዋትናን ንኣኃትናን፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ወገንና ኣብ ምሕሳብን ምሕላይን ምጽላይን እውን ክንተግህ ኣገዳሲ እዩ። ነንበይንና ኣይንሓምም ነንበይንና ኣይንሓዊ። እንተተኃባበርና ንዕወት እንተተፈላለና ከኣ ንወድቕ እዩ እሞ ብዝከኣለና መጠን ንደጋገፍ።

ሕልናናን ሕይወትናን ተግባራትናን ንመርምር

  1. በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ኣብዚ ጊዜ ጸበባ ክንገብሮ ዘድሊ ነገር እንተሎ፣ናብ ርእስና እትው ኢልና ኅሊናናን ሕይወትናን ተግባራትናን ክንምርምር ይግብኣና። ከምቲ ኣብ ትምህርተ ክርስቶስና ዝተመሃርናዮ፣ ኲልና ብምሕሳብ፡ ብምንጋር፡ ብምግባር፡ ብምብኳር፡ ወትሩ ንኃጥእ ኢና። ስለዚ “መገድና ንተዐዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ። ልብናን ኣእዳውናን ናብ እግዚኣብሔር ናብ ሰማይ ነልዕል እሞ ከምዚ ኢልና ንጸሊ፣ ‘ንሕና በደልናን ዓሎናን፣” (ድጉዓ ኤርሚያስ 2:40-42) እናበልና ብቅንዕና ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ፣ መንገድና ነቕንዕ፣ ጠባይና ንኣርም። ካብ ሕማቕ ሓሳብ፣ ካብ ሕማቕ ዘረባ፣ ካብ ሕማቕ ግብሪ ንቆጠብ፣ ትእዛዛት እግዚኣብሔርን ትእዛዛት ቤተክርስትያንን ብልቢ ንፈጽም። ናይ ሎምዘመን ሰሙነ ሕማማትን በዓላት ፋሲካን ከምቲ ልሙድ ከነብዕሎ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ትርጉሙ ግን ኲሉ ጊዜ ሓደ እዩ። መዝሙር ፈሲካ ከምዝብሎ “ፋሲካ ብሂል ማዕዶት እስመ ዐደወ እግዚእነ እሞት ውስተ ሕይወት፡ ጐይታና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ስለዝተሳገረ፡ ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት እዩ” ይብል። ብሓቂ ከኣ ፋሲካ ማለት ንኣና ንኣመንቲ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ምስጋር ማለት እዩ። ድሮ ኣብ ብሉይ ኪዳን ኢሳያስ ነቢይ፣ ብትንቢት “እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓብይ ብርሃን ረኣየ፣ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዚነብሩ ዝነበሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም” (ኢሳ 9:2) እናበለ ተነቢዩ ነቢሩ እዩ። ከምቲ ሕማማትን ስቓይን መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓወት ዝተዛዘመ፣ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ጸልማት እውን ክወግሕ እዩ። ወዲቕና ዘሎና ክንትንሥእ ኢና ሓሚምና ዘሎና ክንሓዊ ኢና፣ ፈሪህና ዘሎና ክንተባባዕ ኢና፣ ተፈላሊና ዘሎና ክንተኣኻኸብ ኢና፣ ኃዚንና ዘሎና ክንሕጐስ፣ ኮሪና ዘሎና ክንስሕቕ ኢና። እግዚኣብሔር “ዘይክል ኲሎ ኣልቦ ዘይሰኣኖ፡ ዝሰኣኖ ዘይብሉ ኲሉ ዝኽእል” እዩ እሞ ክገብሮ እዩ። ስለዚ ኣይንፍራህ ኣይንጠራጠር።

 

  1. ብርግጽ፡ ከምቲ ሕዝቢ እስራኤል ኣብ ስደት ባቢሎን ከለው “ከመይ ጌርና’ሞ ንእግዚኣብሔር መዝሙር ምስጋና ኣብ ምድሪ ጓና ክንዝምር ኢና?” (መዝ 132:4) ኢሎም ዝሓተቱ ንሕናውን ኣብዚ ዘሎናዮ ከቢድ ኩነታት፡ከመይ ጌርና ኢና ነቲ “ግበሩ በዓለ በትፍስሕት፡ እስከ ኣቅርንቲሁ ለምስዋዕ፣ ክሳዕ መንበረ ታቦቱ ኣቲኹም ብሓጐስ በዓል ግበሩ” ዝብል መዝሙር እናዘመርና በዓል ፋሲካ ብዕልልታን ታሕጓስን ከነብዕል ንኽእል? ኢልና ክንሓትት ዘገርም ኣይኮነን። ለይቲ ቤተክርስትያን ኬድካ ሽምዓ ኣብሪህካ “ትንሣኤከ ለእለ ኣመንነ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ፣ ነቶም ትንሣኤኻ ዝኣመንና ብርሃንካ ፈንወልና” እናበልካ ዑደት ዘይትወጻሉ፣ ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን፣ በዓብይ ኃይል ወሰልጣን፣ ኣሰሮ ለሰይጣን ኣግዓዞ ለኣዳም፣ ሰላም፣ እምይእዜሰ ይኩን ፍስሓ ወሰላም እናበልካ መስቀል ዘይትሳለመሉ፣ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፍካ ተናዚዝካ ዘይትቆርበሉስ፣ እንታይ ዓይነት በዓል ትንሣኤ እዩ? ክንብል ንኽእል። እወ፣ ናይ ሎምዘመን ሰሙነ ሕማማትን ፋሲካን፣ ኣይደገም ደኣ እምበር ኣዝዩ ፍሉይ ክኸውን እዩ። ካብ ወረደ ግን ዝከኣለና ክንገብር ጥራይ ኢና ንኽእል። ኣብ ገዛና ኮይንና ብዓብይ እምነት ዝከኣለና እንተገበርና እቲ ልብን ኲላሊትን ዝምርምር ኣምላኽ ዘድልየና ጸጋታት ከምዘፍስሰልና ኣይንጠራጠር። ምስ ዳዊት ኮይንና ደኣ “ንእግዚኣብሔር ክረድኣኒ ተዓጊሠ ተጸበኹዎ፣ ንሱውን ናባይ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዐ። ካብ ጒድጓድ ጥፍኣት ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽኣኒ፣ነእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቚሙ ንስጒምተይ ኣጽንዖ። ሓዲሽ መዝሙር ምስጋና ከም ዝዝምር ገበረኒ፣ ብዙኃት እዚ ርእዮም ክልብሙ እዮም፣ ናብ እግዚኣብሔር ኪውከሉ እዮም” (መዝ 40:1-3) ንበል። በዓለ ትንሣኤ ናይ ተስፋ በዓል ኣዩ እሞ ንሕና ከኣ “ስለምንታይ ዝጒሂ፡ ስለምንታይከ ዝህወኽ? ተስፋይ ኣብ ኣምላኽ ክገብር እየ፡ ንመድኃንየይን ኣምላኸይን መሊሰ ከመስግኖ እየ” (መዝ 42፡11) እናበልና እምነትናን ተስፋናን ነደልድል። ከም ኣብርሃም ብእምነት ኣቦና “ኣብቲ ተስፋ ዘይብሉ፡ተስፋ ብምግባር” (ሮማ 4:18) ነዚ በዳሂ ጊዜ ክንሰግሮ የድሊ።

ፋሲካ ናይ ሓዲሽ ሕይወት በዓል እዩ

  1. እቲ ሞይቱ ዝነበረ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተንሥኣሉ መዓልቲ ስለዝኾነ ፋሲካ ናይ ሓዲስ ሕይወት በዓል እዩ። እቶም መላእኽቲ ነተን ኣንስቲ ፈሪሀን ኣብ ጥቓ እቲ ጥርሑ ዝነበረ ኢየሱስ ዝተቐብረሉ መቓብር ደው ኢለን ምስ ረኣዩወን፡ “ንምንታይከ ነቲ ሕያው ምስ ምውታት ትደልያኦ ኣሎኽን? ንሱስ ተንሢኡ እዩ፣ ኣብዚ የሎን” (ሉቃ 24:5-6) በሉወን። ስለዚ ነፍስወከፍና፡ብሕማማትን ብትንሣኤን እቲ ፍቁር ወድኻ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሠራዊት፣ ሓዲሽ ሕይወት ሃበና፣ክንድኅን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና” (መዝ 80:19) እናበልና ጸሎትና ነብጽሕ። በዓልና ከኣ በዓለ ፍስሓ ወሓሴት ወፍቅር ክኾነልና እዩ።እቲ “ትንሣኤሁ ገብረ በሰንበት፣ በሣልስት ዕለት፣ ተንሥኣ ወኣንሥኣ ኩሎ ሙታነ፣ ተንሥኣ ወፈትሖሙ ለሙቁሓን፡ ትንሣኤኡ ብሣልሰይቲ መዓልቲ ብሰንበት ገበረ፡ተንሢኡ ንኩሎም ምዉታን እውን ኣተንሥአ፣ ተንሢኡ ንእሱራት ከኣ ፈትሐ ” (መዝሙር ዘትንሥኤ) ዝብል ተስፋ ዝህብ መዝሙር ፋሲካ ንኣና እውን ካብዚ ከም እሱራት ኣብ ገገዛና ተሓቢእናሉ ዘሎና ጊዜ ፈቲሑ ሓራ ከውጽኣና እዩ። እቲ ነታ ዝዓበየት ጸላኢትና ሞት (1ቆሮ 15:26 ረአ) እኳ ኣሸኒፉ ዝተንስአ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ናብ ጽርሓጽዮን ተለዊጡ ዘሎ ገዛውትና መጺኡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን ክብለና “ኢየሱስ ከኣ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ መጸ፣ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ድማ ‘ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን’ በሎም። እዚ ምስ በሎም ከኣ ኣእዳውን ጐድኑን ኣርኣዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ንጐይታ ምስ ረኣዩዎ ተሓጐሱ” (ዮሓ 20:19-20)። ሓጐስና እውን ከምቲ ናይ ሓዋርያት ምሉእ ክኸውን እዩ።

  1. ክቡራትን ክቡራንን ቤት እግዚኣብሔር ሎም ቅነ ገዛውትኹም ቤተክርስትያን ዘቤት ኮይነናሉ ኣብ ዘለዋ  ጊዜ፡ ነፍስ ወከፍ ስድራቤት ብዓብይ እምነት “ኦ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሎሚ ንደሓር፡ ነዛ ንቤትና፣ ገፋሕ ትኹን ጸባብ ብዘየገድስ፡ ‘ቤት ጸሎት ቤት ንጽሕና ቤት በረኸት’ (መጽሓፈ ቅዳሴ) ግበረልና እናበልኩም ጸልዩ፡ ተማህለሉ”። እግዚኣብሔር ሰማዕ እዩ እሞ ክሰምዓና እዩ። ካብዚ ክፉእ ሕማም ከገላግለና እዩ። ፥ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም፣ በዚ ሕማም’ዚ ዝተለኽፉ (1,600,000) ሰባት ምሕረት የውርደሎም፣ ነቶም ዝዓረፉ (ልዕሊ 90,000) ድማ እግዚኣብሔር ኣብ ሕቚፊ ኣብርሃምን ይስሓቕን ያዕቆብን ይቀበሎም። እታ ናዛዚት (መጸናኒዒት) ኅዙናን ዝኾነት ድንግል ማርያም፣ ነቶም ዝኃዘኑ ጽንዓት፣ ነቶም ዝሞቱ ከኣ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ክረኽቡ ካብቲ ንሞት ዝሰዓረ ፍቁር ወዳ ተማልደሎም። ኣብ መጨረስታ ከኣ ኩላትና “ብሓውን ብማይን ኃለፍና፣ሕጂ ግና ንስኻ ናብ ራህዋ ኣውጻእካና” (መዝ 66:12) እንብለሉ መዓልቲ ብዝቐልጠፈ የርእየና። 

ምስ ብዙኅ ሰላምታን ቡራኬን

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘበኤርትራ

ጸሎት ንስሓ ብኲሉ

ንሕዝብኻ ኣድኅነና፣ ንወገንካ ባርኸና።

ንኣገልገልትኻ ከኣ ኃይልን ዓወትን ሀበና።

ስምካ ንእንጽውዕ ውሉድ ሕዝብኻ ኃልወና።

ኲሉ ጊዜ ንወትሩ ብኃይሊ መላእኽትኻ ክበበና

ብኃይሊ መስቀልካ ርድኣና፣ ተኸላኸለልና።

ኦ ጐይታና ምእንቲ ኣብርሃም ፈታዊኻ፣

ምእንቲ ይስሓቕ ወድኻ፣ ምእንቲ ያዕቆብ ቅዱስካ

ኢልካ ንኪዳንካ ዘክር። ቀልጢፍካ ድኅነትካ ለኣኸልና።

ንኣና ንዝፈጠርካና ይቕረ በለልና።

ኃጢኣት ሕዝብኻ ኅደግ፣ ንፍጡራትካ ከኣ መሓር።

ኦ ጐይታና ኣብ ጥፍኣትና ኣይትውዓል

ምእንቲ ማርያም ወላዲትካ፡ምእንቲ ዮሓንስ ኣጠማቒኻ

ምእንቲ ኲሎም ቅዱሳንካ፣ ወትሩ ብኃይሊ መስቀልካ ርድኣና።

ማርያም ኣደና ቊሊሕ በልና፣ ንደቅኺ ጸልይልና።

ካብ ጸበባን ጓሂን ዘበለ ኲሉ ኣድኅንና።

ኦ ጐይታና፣ ንስኻ መዓልቲ ምሳና፣ ለይቲ ከኣ ኣብ ማእከልና ኩን።

ካባና ኣይትርሓቕ፣ ምሳና ንበር፣ ረዳኢ ኩነና፣

ኣይትግደፈናን ኣይትንዓቐናን።

ኦ ኣምላከ-ሰላም ርድኣና፣ ማርያም ኣደና ናባና ጠምቲ፣

ሰላም ወድኺ ከኣ ምሳና ይንበር። ኣሜን

ጸሎት ፍትሓት ብካህን

ካ. ካህን ሊቀ ካህናት ዝኾነ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኃዳጊ ኃጢኣት፣   ደምሳሲ በደል መፍቀሪ ንስሓ፣ነቦታትና ሓዋርያት ስልጣን ዝሃበ፣ ብንጹሕ ደሙ ኃጢኣት ዓለም ዝደምሰሰ፣ ብምፍላጥ ወይ ብዘይምፍላጥ፣ ብተንኰል ወይ ብኽፍኣት ልቢ፣ ካብ ንእስነትኩም ክሳዕ ሕጂ ዝገበርኩምዎ ኃጢኣት ይኅደገልኩም። ካህናት ኣቦታተይ፣ ዲያቆናት ኣኅዋተይ፣ ኣገልገልቱ ሰብኡትን ኣንስትን ኩልኹም፣ ፍቱሓንን ንጹሓንን ኩኑ። መንግሥተ ሰማያት ንምውራስ እውን ብቑዐን ይግበርኩምን ይግበረንን።

(12 ጊዜ እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ ንበል)

ሕ. እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ (12 ጊዜ)

ካ. ብዝኃልፈ ይምሓርኩም ብዝመጽእ ከኣ ይሓልኹም። ፍቱሓንን ንጹሓንን ኩኑ። መንግሥተ ሰማያት ንምውራስ እውን ብቑዐን ይግበርኩምን ይግበረንን። 

(12 ጊዜ ምእንቲ እግዝእትነ ማርያም እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ ንበል)

ሕ. ምእንቲ እግዝእትነ ማርያም እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ (12 ጊዜ)